እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ዳግም እንተተመሪጹ ንዓለም እንታይ ጽልዋ ይህልዎ?
ክሳብ ሕጂ ዝተኣከቡ ድምጺታት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ዝካየድ መረጻ እታ ሃገር ክዕወት ከም ዝኽእል የመልክቱ፤ ኣፍካ መሊእካ ምዝራብ ግን ዝከኣል ኣይኰነን።
ኣብቲ መረጻ መን ይዕወት ብዘየገድስ ግን፡ እቲ ውጽኢት ንመላእ ዓለም ዘገድስ ምዃኑ ኣይተርፍን። እዚ ካብ ዶባት ኣመሪካ ወጻኢ ናይ ዘለው ህይወት ሚልዮናት ዝጸሉ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን።
ወትሩ ብዛዕባ መደባቱ ዝርዝር ሓበሬታ ዘይህብ ትራምፕ፡ ሰልፊ ሪፓብሊካን ኣብ ዝመጽእ ሓምለ ኣብ ዘካይዶ ሃገራዊ ኣኼባ ሕጹይ እቲ ሰልፊ ምዃኑ ከረጋግጽ’ዩ።
ፖሊሲታቱ ግን ካብቲ ሕጹይ ሰልፊ ዲሞክራት ዝዀነ ጆ ባይደን ዘሰጕሞም ዝተፈለዩ ምዃኖም ይፍለጥ።
ገለ ኣብነታት ንርአ።
ትራምፕ ንዩክሬይን ክሕግዛ’ዶ ይኸውን?
ትራምፕ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ድሕሪ ዝፈጸመቶ ወራር ናብ ዩክረይን ብዛዕባ ዝውሕዝ ዘሎ ቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ወተሃደራዊ ሓገዛት ሃገሩ ንነዊሕ እዋን ክነቅፍ ጸኒሑ እዩ።
ንሱ፡ እንተተመሪጹ እቲ ኲናት “ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት” ከብቅዕ ከም ዝገብሮ ዝገለጸ ትራምፕ፡ ንፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብወግዒ ምንኣዱ ይፍለጥ።
ብኸመይ እቲ ኲናት ከብቅዕ ከም ዝገብሮ’ኳ እንተዘይገለጸ፡ ብዛዕባ ፑቲን ድሕሪ ዝሃቦ ርእይቶ ግን ዩክረይን ንገለ ግዝኣታ ንሩስያ ኣሕሊፋ ክትህብ ከገድዳ ከም ዝኽእል ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዚያ ዝጸደቐ 60 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊ ሓገዝ ኪቭ ድማ፡ ንኣዋርሕ ደገፍቲ ሪፓብሊካን ኣብ ኮንግረስ ከይሓልፍ ገይሮም ጸኒሖም እዮም።
መሓዛ ትራምፕ ዝዀነ ፕረዚደንት ሃንጋሪ ቪክተር ኦርባን ኣብ መጋቢት ኣብ ፍሎሪዳ ምስኡ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ትራምፕ እንተተመሪጹ “ታዕሪፋ’ውን ኣይህብን” ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ።
ብዛዕባ እቲ ፕረዚደንት ዝሃቦ ርእይቶ ብመጽሄት ታይምስ ዝተሓተተ ትራምፕ፡ “ኣውሮጳ ማዕረ እንተዘይገቢራ ኣይህብን’የ” ክብል መሊሱ።
ንሱ፡ “ንዩክረይን ክሕግዛ’የ፤ ኣውሮጳ ግን ማዕረ ብጽሒት ኣይከፈለትን” ኢሉ።
ድምጾም ንሪፓብሊካን ዝህቡ ዘለው መረጽቲ፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክቋረጽ’ዮም ዝድልዩ።
ማእከል መጽናዕቲ ፒው ብ8 ግንቦት 2024 ዘሕተሞ ድምጺ መረጽቲ፡ 49 ሚእታዊት መረጽቲ ሪፓብሊካን ኣመሪካ ኣብ ዩክረይን ኣዝዩ ልዑል ገንዘብ እያ ተጥፍእ ዘላ ከም ዝበሉ የመልክት።
ተመሳሳሊ ርእይቶ ዘለዎም መረጽቲ ዲሞክራት 17 ሚእታዊት ይሕዙ።
ኣመሪካ ካብ ኔቶ የውጽኣ’ዶ ይኸውን?
ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ጀርመንን ፈረንሳን ዝርከባአን ብ32 ሃገራት ዝቘመ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ሓደ ካብቶም ትራምፕ ዘይፈትዎም ትካላት’ዩ።
ከም መጠን ፕረዚደንት፡ ካልኦት ኣባላት ካብ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያተን (GDP) ኣብ ምክልኻል ክልተ ሚእታዊት ንምውጻእ ዝኣተውኦ ስምምዕ እንተዘይተግቢረን፡ ንኣመሪካ ካብ ኣባልነት እቲ ኪዳን ከም ዝስሕባ ብዙሕ ግዜ ከፈራርሕ ጸኒሑ ኣሎ።
ብመሰረት ሕጊ ኔቶ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣባል ሃገር ዝፍጸም ዝዀነ ይዅን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኵለን ሃገራት እቲ ኪዳን ከም ዝተፈጸመ ይቝጸር።
ኣብ ለካቲት ናይዚ ዓመት ግን ትራምፕ ንሓንቲ ብጽሒታ “ዘይከፈለት” ሃገር ከም ዘይከላኸለላን ንሞስኮ “ድላያ” ክትገብር ከም ዘፍቅደላን ተዛሪቡ።
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጐስጓስ መረጻ ትራምፕ ዝወጽአ ሓበሬታ፡ ዕላማን ተልእኾን ኔቶ “ዳግማይ ክግምገም” ከም ዝገብር ይገልጽ።
ትራምፕ፡ ንኣመሪካ ካብቲ ኪዳን ክስሕባ ድዩ ኣይስሕባን ዝብል ዝተፈላለየ ርእይቶ እዩ ዘሎ።
ክኢላ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ኢንስቲትዩት ምክልኻል ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ዝዀነ ኤድ ኣርኖልድ ግን፡ ትራምፕ ንኣመሪካ ካብቲ ኪዳን ከይሰሓበ ቍጽሪ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኣውሮጳ ብምንካይ ወይ ድማ ሩስያ ንሓንቲ ኣባል ኔቶ እንተወሪራ ኣመሪካ ኣብ እትህቦ ግብረ-መልሲ ቅድመ ኵነት ብምግባር “ከዳኽሞ" ከም ዝኽእል ይዛረብ።
ስደተኛታት ብብዝሒ ክሰጕግ ተሓንዩ ኣሎ
ፕረዚደንትነት ትራምፕ ብኣዝዮም ኣካታዕቲ ፖሊሲታት ኢሚግሬሽን ዝልለ ኰይኑ፡ ናብ ዋይት ሃውስ እንተተመሊሱ ድማ ካብቲ ሕሉፍ ብዝተፈለየ ስጕምቲታት ክወስድ ምዃኑ ተሓንዩ ኣሎ።
ኣብ ፈላመይቲ መዓልቲ መሪሕነቱ ድማ፡ “ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝዓበየ ውሽጣዊ ስርሒት ምስጓግ ክጅምር” ምዃኑ ገሊጹ።
ሰነዳት ካብ ዘይብሎም ስደተኛታት ዝውለዱ ቈልዑ ዝረኽቡዎ ዝነበረ መሰል ዜግነት ከብቅዕን ኣብ ልዕሊ ጕጅለታት ዕጸ-ፋርስ ሜክሲኮ ስጕምቲታት ክወስድ ምዃኑን ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣዝዩ ኣካታዒ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ካብ ሃገራት እስላም ዝመጽኡ ገያሾ ዝግበር እገዳ ጕዕዞ ከስፍሖ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ትራምፕ፡ “ክንዮ’ቲ ብዙሓት ካብኣቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ምስጓግ ዝብል መደቡ፡ ሕጋዊ ኢሚግሬሽን ንምንካይ እዩ ዝጽዕር” ትብል ኮሚሽነር ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ናቹራላይዜሽንን ኣመሪካ ዝነበረት ዶሪስ ማይስነር።
ትራምፕ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንመደብ ምጥያስ ስደተኛታት ኣመሪካ ከም ዘቋረጾ ይግለጽ። ዶሪስ ድማ፡ ዳግማይ ከምኡ ክገብር ክፍትን ተኽእሎ ከም ዘሎ ትዛረብ።
ክኢላ ፖሊሲ ስደት ኰይና ትሰርሕ ዘላ ዶሪስ ሜይስነር፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመነ ስልጣኑ፡ ኣብያተ ፍርዲ ኣብ ከም እገዳ መገሻ ዝኣመሰሉ ውሳነታት ክኣትዋ እንከለዋ ኣብ መደባቱ ሕጋዊ ማሕለኻታት ከጋጥሞም እዩ ኢላ ትኣምን።
ብተወሳኺ እቲ ውጥን ምስጓግ “ፈደራላዊ መንግስታት ክንዲ ትራምፕ ዝብሎ ሰባት ንምእሳርን ንምስጓግን ዘኽእል ጸጋታት” ከም ዘይብለን ብምግላጽ ክውንነቱ ከም ዘጠራጥር ተብርህ።
ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ጉዳይ ኢሚግሬሽን ዝያዳ “ሰብኣዊ” ፖሊሲ ክህሉ እዩ ክብል ተመባጺዑ።
ንሱ፡ ንሓያሎ ኣብ እዋን መሪሕነት ትራምፕ ዝነበረ ፖሊሲታት ዶባት ደው ኣቢልዎ ወይ ሰሪዙዎ’ዩ።
ክሳብ ሕጂ ዝተኣከቡ ድምጺታት ከም ዘመልክትዎ ግን ብኽልቲኡ ሸነኽ ዘለው መረጽቲ ብዛዕባ ደረጃ ኢሚግሬሽን እታ ሃገር ይጭነቑ ብምህላዎም፡ ትራምፕ ገለ ሚዛን ክረክብ ክሕግዞ ከም ዝኽእል ይግለጽ።
ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ሰነ ሰብ መዚ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ስደተኛታት ሰበስልጣን ንሕቶታት ዑቕባኦም ከየሰላስሉ ብቕልጡፍ ከውጽኡዎም ዘፍቅድ ስፍሕ ዝበለ ትእዛዝ ኣውጺኡ ነይሩ።
ድሕሪ ክልተ ሰሙን ድማ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ስነዳ ዘይብሎም መጻምድቲ ዜጋታት ኣመሪካ ካብ ምስጓግ ዝከላኸል ፖሊሲ ወግዓዊ ገይሩ።
ንእስራኤል ክድግፍ ዶ ይኸውን?
ትራምፕ፡ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ደጋፊ እስራኤልን የማናዊ መንግስታትን’ዩ ነይሩ።
ንዓሰርተታት ዓመታት ዝነበረ ፖሊሲ ኣመሪካ ብምቕያር ኣመሪካ ንእየሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል ምዃና ኣፍልጦ ከም ዝሃበት ኣፍሊጡ።
ኣብ ተልኣቪቭ ዝነበረ ኤምባሲ’ውን ናብ እየሩሳሌም ክግዕዝ ገይሩ።
ባይደን ምስ ተመረጸ፡ ንኽልቲኦም ስጕምቲታት ትራምፕ ኣይቀየረን።
እዚ፡ ፍልስጤማውያን ኣብቲ ኣዝዩ ተሃዋሲ ጉዳይ እየሩሳሌም ጸግዒ ከም ምሓዝ’ዮም ዝርእዩዎ።
መንግስቲ ትራምፕ ኣብቲ ዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግም ንዝርከቡ ሰፈራታት ኣይሁድ ይድግፍ ነይሩ። እዚኦም ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ዘይሕጋዊ ሰፈራታት ምዃኖም እዩ ዝግለጽ፤ እስራኤል ግን ትምጕት።
ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ መንጐ እስራኤልን ኣርባዕተ ሃገራት ሊግ ዓረብ - ባሕሬን፡ ኢማራት ዓረብ፡ ሱዳንን ሞሮኮን ንዝነበረ ዝምድና ናብ ንቡር ንኽምለስ ሸምጋሊ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ይዅን’ምበር፡ ድሕሪ መረጻ 2020 ኣብ ልዕሊ ቤንጃሚን ነታንያሁ ቂምታ ከም ዝቛጸረ ይንገር።
እዚ ድማ፡ ነታንያሁ ንጆ ባይደን እንቋዕ ደስ በለካ ክብል ተሌፎን ኣብ ዝደወለሉ ግዜ፡ ትራምፕ ንውጽኢት እቲ መረጻ ይቃወሞ ስለ ዝነበረ’ዩ።
ድሕሪ’ቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ ደቡብ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ትራምፕ "ነታንያሁ ንመጥቃዕቲ ሓማስ ኣይተዳለወን” ብምባል ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ዕጡቕ እስላማዊ ጕጅለ ሕዝቦላህ “በሊሕ” ኢሉ ብምጽዋዕ፡ ነቶም ንእስራኤል ዝድግፉ ሪፓብሊካን ኣቘጢዑዎም ነይሩ።
ንሱ ሕጂ’ውን ንእስራኤል ከም ዝድግፍ ይገልጽ፤ እንተዀነ እታ ሃገር ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሓማስ “ዝጀመረቶ ወፍሪ ክትውድእ” ከምዘለዋ ይሕብር።
ንሱ ንመጽሔት ታይም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ኲናት ኢራንን እስራኤልን "ንእስራኤል ክከላኸለላ እየ" እኳ እንተበለ፡ ምስ ኢራን ንምግጣም ዝሓንጸጾ መደባት ዝምልከት ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ትራምፕ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣመሪካ ካብ ስምምዕ ኑክሊየር ኢራን ብምውጻእ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝተነበሩ እገዳታት ክጸንዑን ንሓያል ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኢራን ዝነበረ ቃስም ሱሌማኒ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ክፍጸም ፍቓድ ሂቡን እዩ።
ጉዳይ ቻይናኸ፣ ብኸመይ ክሕዞ እዩ?
ትራምፕ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ቻይና ኣዝዩ ተሪር ንግዳዊ ወጥሪ ከም ዝለዓል ገይሩ ምንባሩ ይዝከር።
ዳግማይ እንተተመሪጹ ክኣ፡ ንቻይና ልዕሊ 60 ሚእታዊት ቀረጽ ከኽፍላ ምዃኑ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ኣብ ከም ጸዓትን ተሌኮሙኒኬሽንን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ዓውድታት ትሕተ ቕርጺ ኣመሪካ ዝውዕሉ “ካብ ቻይና ዝግበር ዕድጊታት ደው ንምባል” ተረርቲ ሓደሽቲ ስጕምቲታት ከም ዝወስድ ተዛሪቡ ነይሩ። ታይዋን ድማ ካልእ ኣብ ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ልዑል እጃም ዘለዋ እያ።
ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ኣማኻሪ ምክልኻል ዝነበረ ኤልብሪጅ ኮልቢ፡ ኣብ ምምሕዳር ትራምፕ ተራ ክህልዎ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
እዚ ዓቃባዊ ምሁር ኣካል ናይቲ ዋሽንግተን ኣብ ሃገራት ወጻኢ ንበይጂን ቀዳምነት ክትህብ ኣለዋ ዝብል ጕጅለ ሪፓብሊካን እዩ።
“ንዩክረይን ሕቘና ክንህብ ኣለና ማለት ኣይኰነን። ቻይና ካብ ሩስያ ንላዕሊ ንረብሓታት ኣመሪካ ኣዝያ ዝዓበየት ሓደጋ ኣብ ዝዀነትሉ እዋን ግን [ንዩክሬናውያን] ምድጋፍ ቀዳምነት ከወሃቦ የብሉን” ይብል ኮልቢ።
ወሲኹ ድማ ትራምፕ “እዚ ኣጸቢቑ ከም ዝፈልጦ” ርግጸኛ ምዃኑ ይዛረብ።
ታይዋን ካብ ምምሕዳር ዓባይ ቻይና ተፈልያ ብገዛእ ርእሳ እትመሓደር ምዃና እትገልጽን ናይ ገዛእ ርእሳ ቅዋምን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ መራሕትን ኣለዋ።
በይጂን ግን ኣብ መወዳእታ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ቻይና እትኣቱ ንግዚኡ ዝተፈልየት ግዝኣት እያ ትብል። ነታ ደሴት ንምውሳድ ሓይሊ ክትጥቀም ድያ ኣይትጥቀምን ዝብል ግን ግልጺ ኣይኰነን።
ኣመሪካ፡ ቻይና ንታይዋን እንተወሪራ እንታይ ዓይነት ምላሽ እያ ክትህብ ዝብል ንጹር ኣይኰነን።
ክሳብ ሕጂ፡ ኣመሪካ ንታይዋን ክትከላኸለላ እያ ብምባል ብግልጺ ዝተዛረበ መራሒ’ዩ።
ትራምፕ ግን እንታይ ከም ዝገብር ዝርዝር ሓበሬታ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኰነን።
ጕዳይ ከባቢ’ኸ?
ትራምፕ ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣመሪካ ካብቲ ኣብ 2015 ኣብ ፓሪስ ዝተበጽሐ ስምምዕ ለውጢ ክሊማ ኣውጺእዋ።
ባይደን ነቲ ስጕምቲ መሊሱዎ፤ መርበብ ሓበሬታ ጐስጓስ ትራምፕ ግን ዳግማይ ንኣመሪካ ካብቲ ስምምዕ ከም ዘውጽኣ ይገልጽ።
ንሱ፡ ብዋጋ ሕሱር ቀረብ ጸዓት ንኽህሉ ነዳዲ “ከም ዝዅዕት” ቃል ይኣቱ።
ብተወሳኺ ብተጣበቕቲ ከባቢ ዝግበር “ዘይረብሕ ክትዕ” ደው ከብል፡ ንጸዓት ንፋስ ዝወሃብ ድጐማ ከብቅዕ፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍረይቲ ነዳዲን ጋዝን ዝኽፈል ግብሪ ክጐድልን፡ ነቲ ባይደን ዘምጽኦ ሕጋጋት ምቍጽጻር ልቀት ተሽከርከርቲ ደው ከብሎን ምዃኑ መርበብ ሓበሬታኡ ይገልጽ።
ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ክሊማ ዝተፈላለየ መርገጺ ዘለዎም ክልተ ሕጹያት ተነሓናሕቲ ኣይነበሩን ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ፕሮፌሰር ለውጢ ክሊማ ዝዀነ ደቪድ ጂ ቪክቶር ይዛረብ።
ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ ፓነል ለውጢ ክሊማ ሕቡራት ሃገራት (IPCC) ዝነበረ ፕሮፌሰር ቪክቶር፡ ትራምፕ እንተተዓዊቱ ነቶም መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ክሊማ ዝሓዞም ሸቶታት ክሊማ “ሓደገኛ” ክኸውን’ዩ ይብል።
“ንመሻርኽትና ከርሕቐን ይኽእል’ዩ . . . ስለዚ ብዙሕ ስንባደ ክፍጠር ተኽእሎ ኣሎ” ኢሉ።
ትራምፕ ናብ ስልጣን እንተተመሊሱ ኣመሪካ ዝኣተወቶም መብጽዓታት ክሊማ ከተማልእ ከም ዘይትኽል ምክትል ኣሰናዳኢ መርበብ ሓበሬታ ለውጢ ክሊማ ካርቦን ብሪፍ ዝዀነ ዶክተር ሳይመን ኢቫንስ ይዛረብ።
ባይደን ብመንገዲ ሕጊ ምጕዳል ዋጋታት ንብረት ኣቢሉ ኣብ ተበግሶታት ጽሩይ ጸዓትን ክሊማን 300 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ገይሩ።
ገለ ተጣበቕቲ ክሊማ ግን ነቲ ኣብ ኣላስካ ዝርከብ ፕሮጀክት ነዳዲ ዊሎው ሓዊሱ ምህርቲ ነዳድን ጋዝን ንምዕባይ ዝወሰዶ ስጕምትታት ይቃወሙ።
ፕሮፌሰር ቪክቶር፡ “ባይደን ዝከኣሎ ዝገብር ዘሎ ይመስለኒ፤ ክዕወቱ ይኽእሉ’ዮም ዘይትብሎም መብጽዓታት ምንካይ ልቀት ካርበት ገይሩ’ዩ። ምምሕዳሩ ግን ኣብ ታሪኽ ካብ ዝዀነ መራሒ ንላዕሊ ኣብ ፖሊሲ ክሊማ ከም ዝሰርሐ ዘጠራጥር ኣይኰነን” ኢሉ።