እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣስመራ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብዛዕባ 'ዞባዊ ምዕባለታት' ምስ መራሕቲ ኤርትራ ተዘራሪቡ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብዛዕባ ኩነታት ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ንምዝርራብ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።
ሎሚ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝኣተወ ሳምሕ ሹክሪ፡ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምርኻብ ብዛዕባ ዞባዊ ምዕባለታት ከምዝተዘራረበ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ንኤርትራዊ መዘናኡ ናብ ካይሮ ምብጻሕ ከካይድ ከምዝዓደሞ'ውን ሚኒስተር የማነ ብኤክስ (ትዊተር ነበር) ገሊጹ።
እቲ ግብጻዊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቐዲሙ'ውን ምስ ኤርትራዊ መዘናኡ ዑስማን ሳልሕ ብምርኻብ ተዘራሪቡ ነይሩ።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን'ውን ምስ ሰብመዚ ኤርትራ ከምዝተዘራረበ ጠቒሱ።
"እቲ ልዝባት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ንዘሎ ምትሕግጋዝ ንምሕያልን ኣብ ዞባዊ ኩነታትን ዘድሃበ'ዩ ነይሩ"።
"ኣውራ ድማ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሱዳንን ቀይሕ ባሕሪን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዘሎ ኲናት" ዘተኮረ ምንባሩ እቲ ኣፈኛ ብኤስ (ትዊተር ነበር) ሓቢሩ።
ግብጺ ሓንቲ ካብ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ኮይና ኣብቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ተበግሶ ምውሓስ ጸጥታ ናይቲ ኣገዳሲ ማያዊ መስመር ንግዲ ክትሳተፍ ዝጸንሐት'ያ።
ግብጺን ንግስነት ስዑዲን ዓረብን ኣብ ምውሓስ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ስትራተጂካዊ ኣበርክቶ ክህለወን ከምዝኽእል ኤርትራ ክትገልጽ ምጽንሓ ይፍለጥ።
እቲ ምብጻሕ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ ሚሳይላት ዝትኩሱ ዘለዉ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዓቢ ስግኣት ፈጢሮምሉ ኣብ ዘለውሉ እዋን'ዩ ዝካየድ ዘሎ።
ብፍላይ ትማሊ ረቡዕ፡ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ኲናት ኣመሪካን ብሪጣንያን ከይተረፈ ድሕሪ ምትኳሶም ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ።
እቲ ኩነታት ናብ ካልእ ዝሰፍሐ ወተሃደራዊ ረጽሚ ከየምርሕ'ውን ተሰጊኡ'ሎ።
ብኻልእ ወገን፡ ግብጺ ንኲናት ሱዳን ንምፍታሕ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣኼባ መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን ኣአንጊዳ ምንባራ ይዝከር። እቲ ተበግሶ ካብ ኤርትራ ደገፍ ዝረኸበ'ዩ።
ግብጺ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናንን ወጥርን'ውን መርገጺ ወሲዳትሉ ኣላ።
ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ፡ ንግዝኣታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ሶማልያ ከምዝደግፍ ብምፍላጥ ንስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ተቓዊምዎ ኣሎ።