እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣመሪካ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 18 ሰባት ተቐቲሎም
ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት መይነ ከተማ ሌዊስተን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 18 ሰባት ተቐቲሎም። ሓደ ውልቀ ሰብ ተኹሲ ብምኽፋት ነቶም ሰባት ከምዝቐተሎም ድማ ተገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ጥቓ መጻወቲ ቦውሊንግን ቤት መግብን ዝተኸፈተ ኮይኑ፡ ነቲ ናይ ተኩሲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ተጠርጣሪ ንምህዳን ሰፊሕ ምውፋር ፖሊስ ተገይሩ’ሎ።
ፖሊስ፡ እቲ ጥርጡር ሮበርት ካርድ ዝበሃል ወዲ 40 ዓመት ምዃኑ ብምሕባር "ዕጡቕን ሓደገኛን እዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
ሰበስልጣን ቁጽሪ ዝሞቱ እኳ እንተዘየረጋገጹ፡ ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነ ሲቢኤስ ግን፡ ካብ ፖሊስ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ብምጥቃስ፡ እቲ ቁጽሪ ብውሑዱ 16 ከምዝበጽሐ ጸብጺቡ።
ገለ ዘይተረጋገጹ ፀብፃባት ድማ ብውሕዱ 50 ሰባት ከምዝቖሰሉ ይሕብሩ።
ክፍሊ ህዝባዊ ድሕነት ግዝኣት መይን፡ "ብዙሕ መጉዳእቲ ኣሎ" ኢሉ፡ ኣብ ከተማ ሌዊስተን ኣስታት 38 ሽሕ ሰባት ይነብሩ።
ፖሊስ ኣብ ክልተ ቦታታት ተኹሲ ከምዝተኸፈተ ጸብጻባት ከምዝበጽሖ ይገልጽ።
እቲ ሓደ ሽመንጊስ ኣብ ዝበሃል ቤት መግቢ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ስቴርታይም ሪክሪሽን ዝበሃል መጻወቲ ቦውሊንግ እዩ።
ኣብ መንጎኦም ናይ 6.5 ኪሎ ሜትሮ ርሕቀት ኣሎ።
እታ ከተማ ብምልእታ ከምዝተዓፀወትን ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ተጠርጣሪ ንምህዳን ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኣባላት ፖሊስ ከምዝተዋፈሩን ተፈሊጡ’ሎ።
ፖሊስ ምስሊ ናይቲ ጥርጡር ዝዘርግሐ ኮይኑ ቡናዊ ዝሕብሩ ጎልፎ ተኸዲኑ ብረት ተዓጢቑ ናብቲ ህንጻ ክኣቱ ከሎ ኣብቲ ቪድዮ ይረኣይ።
እቲ ውልቀሰብ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኣመሪካ ስልጠና ዝወሰደን መምህር ኣጽዋር ምዃኑን ጸብጻብ ኣሶሴይትድ ፕረስ የመልክት።
ኣብዚ ዓመት ዝተወሰነ እዋናት ኣብ ማእከል ጥዕና ኣእምሮ ከምዘሕለፈን ናይ ተኹሲ መጥቃዕቲ ከምዝፍፅም የፈራርሕ ምንባሩን ተገሊጹ።