ፀላም ነፍሰጾር ሰበይቲ ብፖሊስ ክትቅተል ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ

ሓደ መኮነን ፖሊስ ንሓንቲ ጸላም ነፍሰጾር ሰበይቲ ብጥይት ክቐትላ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ።

እታ ነፍሰጾር ጓል 21 ዓመት ታ'ኪያ ያንግ ትበሃል። ብ24 ነሓሰ ኣብ ከባቢ ኮሎምበስ፡ ኣብ ብሌንደን ታውንሺፕ ኣብ ዝርከብ ድኳን ምግቢ ክሮገር ኣብ ደገ ኣብ መኪንኣ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እያ ብጥይት ተቐቲላ።

ኣብቲ ብዓርቢ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ መኮንናት ኣብ ድኳን ስርቂ ፈጺማ ብዝብል ሕቶ ክሓቱዋ ክፍትኑ ከለዉ ይረኣዩ።

እቶም ክልተ መኮንናት ንኣስታት ሓደ ደቒቕ ምስ ታ'ኪያ ያንግ ይዘራረቡ።

ሓደ መኮነን ኣብ ጥቓ ማዕጾ መኪናኣ ደው ኢሉ ብተደጋጋሚ "ካብ መኪና ውረዲ" ይብላ።

"ንምንታይ?" ኢላ ክልተ ግዜ ትሓትት፤ "ኣይወርድን" ክትብል ትውስኽ።

ብየማናይ ኢዱ ሽጉጡ ዝሓዘ ሓደ መኮንን ኣብ ቅድሚ እታ መኪና ደው ኢሉ ነይሩ።

"ክትትኩሰለይ ድዩ?" ኢላ ትሓትት።

ብድሕሪኡ ታ'ኪያ ያንግ መኪናኣ ናብ ኣንፈት እቲ መኮነን ዝዘወረት ኣብ እትመስለሉ እዋን፡ እቲ መኮንን ብቐጥታ ናብኣ ክትኩስ ይርአ።

ብቕልጡፍ ድማ ካብ መንገዲ መኪና ይወጽእ።

ብድሕሪኡ፡ እታ መኪና ኣብ ጥቓ መእተዊ እቲ ድኳን ናብ ዝነበረ መንደቕ ምስ ተጠውየት፡ መኮንናት መስኮታ ክሰብሩ ይረኣዩ።

መኮንናት፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ክገብሩ ከምዝፈተኑን፡ እንተኾነ ግን ነታ ኣደ ክልተ ቆልዑን ኣብ ከብዳ ዝነበረ ድቂን ካብ ሞት ከምዘየድሓኑ ይዛረቡ።

ሓላፊ ፖሊስ ብሌንደን ዝዀነ ጆን ቤልፎርድ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዘሕዝን ፍጻመ እዩ። ስድራቤት ያንግ ኣዝዮም ከም ዝተረበሹን ሓዚኖምን ከም ዘለዉን ርዱእ'ዩ" ኢሉ።

"ዋላ ሓደ ካባና ዕምቆት ሓዘኖም ምሉእ ብምሉእ ክርድኦ ዘይንኽእል እኳ እንተዀነ፡ ኩላትና ግን ኣብ ጸሎትና ክንዝክሮምን ነዚ ልቢ ዝሰብር ፍጻመ ብምጽዋር ግዜን ቦታን ክንህቦምን ኢና።"

እቶም መንነቶም ዘይተገልጸ ክልተ መኮንናት፡ ምስቲ ፍጻመ ብዘይዛመድ ጉዳይ እዮም ኣብቲ ከባቢ ነይሮም። ድሕሪ እቲ ፍፃመ ድማ ምምሕዳራዊ ዕረፍቲ ክወስዱ ተገይሮም።

እቲ ኣብ ጥቓ መስኮት እታ መኪና ደው ኢሉ ዝነበረ መኮነን ናብ ስራሕ ክምለስ እንከሎ እቲ ዝተኮሰ ግን ኣብ ዕረፍቲ ይርከብ።

እቲ ቪድዮ ቅድሚ ምዝርጋሑ ስድራቤታ ክርእይዎ ተገይሮም እዮም።

ብድሕሪኡ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ተኹሲ "ብንጹር ገበናዊ ተግባር ምዃኑ" ብምግላጽ "ክተርፍ ዝኽእል" ከም ዝነበረ ገሊጾም።

ክፍሊ ፖሊስ ከተማ ብሌንደን፡ ቢሮ መርመራ ገበን ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ኦሃዮ ነቲ ፍጻመ ክምርምር ሓቲቱ ኣሎ።

ሓላፊ ፖሊስ ብሌንደን፡ እቲ ቪድዮ ኣብ ዝተዘርገሓሉ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሓንቲ ጥርጥርቲ ስርቂ መኪናኣ ናብ ሓደ ካብ መኮንናትና ዘዊራ፡ እቲ መኮነን ድማ ጥይት ተኲሱ" ኢሉ።

ጠበቓ እታ ስድራቤት ሾን ዋልተን ግን፡ እታ ነፍሰጾር ግዳይ ምዃና’ዩ ገሊጹ። "ንኽልተ ክቡራት ህይወት - ታ'ኪያን እታ ኣብ ከብዳ ዘላ ጓላን ተሓታትነት ንጠልብ" ከም ዝበለ ሮይተርስ ጠቒሱ።

ኦሃዮ ፋሚሊስ ዩናይት ፎር ፖለቲካል ኣክሽን ኤንድ ቼንጅ ዝተበሃለ ኣብ ምምካት ጭካነ ፖሊስ ዝሰርሕ ትካል፡ ንማዕከን ዜና ኤፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣካይዳ እቶም መኮንናት ዓመጽን ጭካነን ዝተመልኦ ምዃኑ ገሊጹ።

ታ'ኪያ ያንግ፡ ኣደ ክልተ ኣወዳት እያ ነይራ - ሽዱሽተን ሰለስተን ዓመት ዝዕድሚኦም። ኣብ ወርሒ ሕዳር ክትወልድ ድማ ትጽቢት ከም ዝነበረ ስድራኣ ይዛረቡ።

ሞት ታ'ኪያ ያንግ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ መላእ ኣመሪካ ብኢድ ፖሊስ ዝሞቱ ጸለምቲ እዩ።

መኮንናት ፖሊስ፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዘይተመጣጣነን ጭካነ ዝተመልኦን ስጉምቲ ዝወሰዱሉ ኣጋጣሚታት ሒደት ኣይኰነን።

ሓደ ካብቶም ጐሊሖም ዝረኣዩ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ እዩ፤ ፍሎይድ ኣብ ግንቦት 2020 ሓደ ጻዕዳ ኣባል ፖሊስ ን8 ደቂቕን 46 ካልኢትን ክሳዱ ብብርኩ ረጊጽዎ ምስትንፋስ ስኢኑ ከም ዝሞተ ይፍለጥ።

እዚ ፍጻመ ኣብ ኣሜሪካ ሓያል ናዕቢ ኣስዒቡ ምንባሩ ይዝከር።

ከምዚኦም ዝበሉ ፍጻመታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ሓያል ቁጥዐ ኣልዒሎም እዮም፤ ብርክት ዝበሉ ተቓውሞታትን ናዕቢን ከም ዝተኻየዱ’ውን ይፍለጥ።

ዝተፈላለዩ ኣካላት ፖሊስ እታ ሃገር ዝያዳ ተሓታትነት ከተግብር ብተደጋጋሚ ዝሓተቱ’ኳ እንተዀነ፡ ሕዚ’ውን ተመሳሳሊ ፍጻመታት የጋጥሙ ኣለዉ።