ትግራይ፡ ሓደ መንእሰይ ብኣባላት ጸጥታ ከም ዝተቐትለ ተገሊጹ

ሬሳ ካብ ሆስፒታል ዓይደር ንዓዱ እንትስነ
መግለጺ ስእሊ, ሬሳ ካብ ሆስፒታል ዓይደር ንዓዱ ክፋኖ እንከሎ

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ጽምብላ፡ ኣባላት ጸጥታ ንሓደ ሓረስታይ ወዲ 35 ዓመት መንእሰይ ብበትሪ ወቒዖም ከም ዝቐተሉዎ ስድራ መዋቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

መዋቲ ኣብ ወረዳ ጽምብላ ጣብያ ዘናቑለ ቁሸት እንዳሚካኤል ዝነብር ሃይለ ኣያልነህ ዝበሃል ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣባላት ጸጥታ፡ ነቲ ሓረስታይ ኣብ ምሻጥ ጠያይት ተዋፊርካ ኢሎም ከም ዝሓዝዎ ይግለጽ፤ ኣብ ምሻጥ ጠያይቲ ብዛዕባ ምውፋሩ ዝተዋህበ ሓበሬታ ግን የለን።

ሓው መዋቲ በሪሁ ኣያልነህ፡ "ኣብ ወረዳ ጽምብላ ዕጡቓት ጠያይት ዝሸጡ ኢሎም ንዝጠርጠርዎ ውልቀሰብ ከም ዝኣሰሩን፤ ብሕሱም መግረፍቲ ሓደ ወዲ ንሓወይ ሃይለ ኣያልነህ ከም ዝጠቆሞ እቶም ዕጡቓት ድማ እመን ብምባል ከም ተመን ቀጥቂጦም ቀቲሎሞ" ይብል።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣባላት ጸጥታ፡ ኣብ መሸጣ ጠያይት ተዋፊርካ ኢኻ ኢሎም ከእምንዎ ከም ዝቐጥቀጥዎ፣ ምሒር ምስ ደኸመ ስድራኡ ናብ ሕክምና እናወሰድዎ ገና ናብ ሕክምና እቲ ወረዳ ከይበጽሐ ኣብ መገዲ ከም ዝሞተ፡ ሓው መዋቲ የረድእ።

ስድራ መዋቲ ሽዑ ንሽዑ ንፖሊስ ከም ዘመልከቱን ፖሊስ እውን፡ መርመራ ሬሳ ንምግባር ኣስከሬን ናብ ሆስፒታል ዓይደር ኣምጺኡ ውጽኢት ይጽበ ምህላዉን ተፈሊጡ ኣሎ።

እንተዀነ፡ መርማርን ምጽራይን ገበን ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ወረዳ ጽምብላ፡ "ላዕለዎት ሓለፍተይ ከይፈቐዱለይ ንጋዜጠኛ መብርሂ ክህብ ይኸብደኒ እዩ" ብምባል ንቢቢሲ ቃሉ ክህብ ኣይከኣለን።

"ስድራና ስቪል እናሃለወ ኣብ ጣብያ ፖሊስ እዩ ክእሰር ዘለዎ እንተበሉ ሰማዒ ኣይረኸቡን ኣብ ጻህያይ እናሃለወ ኣልዒሎም እዮም ወሲዶምዎ" ይብል ሓው መዋቲ ተጋዳላይ በሪሁ።

"ክንፈትሖ 50 ሽሕ ብር ክፈሉ እውን ኢሎም ነይሮም" ይብል።

ስድራ መዋቲ፡ ዳኘው ተስፋይን በሪሁ ኣያልነህን
መግለጺ ስእሊ, ስድራ መዋቲ፡ ዳኘው ተስፋይን በሪሁ ኣያልነህን

ስድራ መዋቲ ንጸጥታን ምክትል ኣመሓዳርን ወረዳ ጽምብላ እውን ከም ዘመልከቱን፤ ከጻሪ ይጽዕር ከም ዘሎ ኣኮኡ ንመዋቲ ተጋዳላይ ዳኘው ተስፋይ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ሓውና ተቐቲሉ ኣማውታኡ የሕዝን እዩ ግን ድማ ክጻረ ኣለዎ" ዝበለ ተጋዳላይ ዳኘው ብመሰረት እቲ ዝተጋደልናሉን ዝቘሰልናሉን፡ ቀተልቲ ሓውና ናብ ሕጊ ቀሪቦም ክፍረዶም ኣለዎ'' ኢና ንብል።

ስድራ መዋቲ፡ ሬሳ ካብ ሆስፒታል ዓይደር ተቐቢሎም ትማሊ ንዓዲ ዝተበገሱ ክዀኑ እንከለዉ፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ዓዱ ከም ዝተፈጸመ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ብሰንኪ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታት ነቲ ክልል ከምቲ ዝድለ ክቈጻጸሮ ከም ዘይከኣለ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ተኣሚኑ'ሎ።

"ኣብ ትግራይ መንግስቲ ዘይፈልጦም ኣብያተ ማእሰርቲ ኣለዉ" ክብል ምእዋጁ'ውን መርኣያ ናይዚ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ሰብመዚ ጸጥታ ክልል ትግራይ፡ ኣብ መቐለ ንሓያለ መራሕቲን ኣባላትን ተቓወምቲ ውድባት ዝርከብዎም ሰልፈኛታት እናሃረሙ ክኣስርዎም ከም ዝተራእዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣምነስቲ፡ "ኣብ ልዕሊ'ቶም ነቲ ግህሰት ዝፈጸሙ ሰብመዚ ጸጥታ መርመራ" ክፍጸም ብምሕታት፡ እቲ ክልል ካብ ኣዕናዊ ኲናት ኣብ ዝወጸሉ ዘሎ እዋን፡ መሰላት ሰባት ምኽባርን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ብዙሓት ተጋሩ፡ እቲ ንልዕሊ 30 ዓመት ኣብቲ ክልል ፖለቲካዊ ስልጣን ተቘጻጺሩ ዝርከብ ህወሓት፡ ነቲ ክልል ናብ ኲናት ብምእታውን ተሓታትነት ብዘይ ምርግጋጹን ይነቕፍዎ።