እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስደተኛታት ካብ ብሪጣንያ ናብ ርዋንዳ ንምምላስ ዝተሓሰበ በረራ ተሰሪዙ
ካብ ብሪጣንያ ናብ ርዋንዳ ስደተኛታት ንምምላስ ክትበርር ተዳልያ ዝነበረት ነፋሪት፡ ብምኽንያት'ቲ ትማሊ ሰሉስ ኣማስያኡ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ቤት ፍርዲ በረርኣ ተሰሪዙ።
ክሳብ ትማሊ ብዝነበረ ኵነታት ኣስታት 7 ስደተኛታት ጥራይ ናብታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክምለሱ ትጽቢት ይግበር ነይሩ።
እንተዀነ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ድሒሩ ብዝገበሮ ምትእትታው፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ሓድሽ ክትዓት ብምጅማሩ ናብ ምስራዝ በረራ ተበጺሑ'ሎ።
ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል "ከም ዝጓሃየት" ብምግላጽ፡ "ንቐጻሊ በረራ ካብ ሎሚ ቅድመ ምድላው ከም ዝጅመር" ኣፍሊጣ።
ጀምስ ዊልሰን ዝተበሃለ ሓደ ካብ ኣባላት ጕጅለ ጐስጓስ 'ዲቴንሽን ኣክሽን' ብወገኑ እዚ ምትእትታው ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ፡ እቲ ናብ ርዋንዳ ዝግበር ምጥራዝ "ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ከምዝዀነ ዘርኢ እዩ፡" ኢሉ።
ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ፡ እቲ ፖሊሲ ምምላስ ስደተኛታት ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ምሉእ ብምሉእ ኣድቒቅካ ክሳብ ዝምርመር ዋላ ሓደ ሰብ ተገዲዱ ናብ ነፋሪት ክድይብ ከምዘይብሉ ዘገናዘበ ምዃኑ'ውን ጀምስ ኣረዲኡ።
እቲ ምስራዝ በረራ ብድሕሪ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ብሪጣንያ ንመዓልታት ክካየድ ዝጸንሐ ክትዓትን ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ንገለ ካብቶም ሓተትቲ ዑቑባ ከግዕዝ ፍቓድ ምስረኸበን ዝሰዓበ እዩ።
ብኣስታት 500 ሽሕ ፓውንድ ወጻኢ ንፍሉይ በረራ ዝተዳለወት ቦይንግ 767 ካብቲ ኣብ ዊልሻየር ዝርከብ ወተሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ሰዓት 22፡30 [ብኣቈጻጽራ ሰዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ ፍርቂ ለይቲን 30 ደቒቓን] ክትብገስ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓታት በፂሓ ምንባራ ተፈሊጡ'ሎ።
ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ግን ሰዓት 19፡30 ሓደ ስደተኛ ካብ ምጥራዝ ክተርፍ ውሳነ ሂቡ ነይሩ። ነዚ ውሳነ ስዒቡ ከኣ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ለንደን ሰፊሕ ክትዓት ተላዒሉ። ሰዓት 22፡15 [በረራ 15 ደቒቕ ምስ ተረፎ] ድማ ኵሎም ተሳፈርቲ ካብታ ነፋሪት ክወርዱ ተገይሩ። ሽዑ እታ ነፋሪት ናብ ስፐይን ተመሊሳ።
እቲ ዒራቃዊ ከምዝዀነ ዝተሓበረ ሓታቲ ዑቑባ ኣብታ ናብ ርዋንዳ እትበርር ነፋሪት ክኣቱን ክጓዓዝን እንተ ተገይሩ፡ "ምምላስ ዘይከኣል ሓደጋ" ከምዘንፀላልዎ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ኣጠንቂቑ'ዩ።
ቤት ፍርዲ ለንደን ድማ እቲ ውልቀሰብ ኣብ ርዋንዳ ኮይኑ ንጉዳዩ ብምክትታል እንተ ተዓዊቱ፡ ዳግም ናብ ብሪጣንያ ዝምለሰሉ ዕድል ክህሉ ከምዝኽእል ሞጒቱ።
ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ግን እቲ ሓታቲ ዑቑባ ሓንሳብ ናብ ርዋንዳ ምስ ኣተወ ክምለስ ዝኽእለሉ ሕጋዊ መርትዖ ከምዘየለ ብምግላፅ ተኻቲዑ።