እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስደት፡ "ብሪጣንያ ንመላኺ ኣሕሊፋ'ዶ ትህበኒ ትኸውን?" ኤርትራዊ ስደተኛ
ብስራሕ [ቢቢሲ፡ ፎካስ ኦን ኣፍሪካ] ካለይ ፈረንሳ ኣብ ዝኣተኹሉ፡ ካዚኖ (መጻወቲ ቁማር) ክጸንሓኒ ፈጺመ ኣይተጸበኹን።
እዛ ወደባዊት ከተማ ፈረንሳ፡ ብቝማር ብዙሕ ፍልጥቲ ኣይኰነትን። እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ጥቓ'ቲ ኣዕሪፈሉ ዝነበርኩ ሆቴል ዝነበረ ካዚኖ፡ ነቶም ህይወቶም ንሓደጋ ቀሪቦም፡ ርብሕ ዝበለ ገንዘብ ክረኽቡ፣ እሞ ንብሪጣንያ ክሰግሩ ተስፋ ዘንበሩ፣ ከነዘራርቦም ዝነቐልና ሰባት ዘዘኻኽር ነበረ።
ምስቶም ነቲ ግዝያዊ መዕቈቢታት ከም ገዛኦም ዝሓስብዎ ስደተኛታት ተዘራሪብና።
ንሳቶም፡ ኣብ 2016 ብወግዒ ብሰበስልጣን ፈረንሳ ስሩዛት ወይ ኣፍልጦ ዘይተወሃቦም እዮም። እንተዀነ ማሕበራት ተራድኦ ኣብቲ ዝበጻሕናዮ ከባቢ ጥራይ፡ ኣስታት 1,500 ሰባት ዝዀኑ ስደተኛታት ከም ዘለው ይገልጻ።
እለሻ ዝሓሸ መጻኢ
ዳርጋ ኵሉ ኣብቲ ቦታ ዝነብር ስደተኛ፡ ናብ ብሪጣንያ ክሰግር ጥራይ እዩ ዝሓስብ። ሓደ 'ኢርፋን' ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝመረጸ ኣብኡ ዝረኸብናዮ መንእሰይ'ውን፡ ሕልሙ ከምኡ እዩ፣ ግን ገና ኣብኡ ተዓኒዱ እዩ ዘሎ።
እቲ ኣዝዩ ንእሽቶ መንእሰይ፡ ብኣስተርጓሚ ክሳብ ነዘራርቦ፡ ዘይከም ካልኦት ስደተኛታት ብሕቱው እዩ ዝመስል ነይሩ።
ካብ ኤርትራ ቅድሚ 18 ኣዋርሕ ኣቢሉ እዩ ወጺኡ፣ ናብ ሊብያ፡ ኢጣልያ፡ በልጂየም ዝወስድ ሓደጋታት ዝበዝሖ ጕዕዞ ሰጊሩ እዩ ድማ ፈረንሳ በጺሑ።
እቲ ወዲ 16 ዓመት ኮተቴ፡ ካብታ ሃገር ዝወጽኣሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ዝሓሸ መጻኢ ከናዲ ኢሉ እዩ።
"ኣብ ኤርትራ ናጽነት የለን፣ ወዲ 18 ዓመት ምስ ኣኸልካ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክትፍጽም ትግደድ፡" ይብል።
እቲ ኣብ መንጐ ብሪጣንያን ርዋንዳን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምምላስ ስደተኛታት፡ ኣብ ባህጊ 'ዚ መንእሰይ ዘለዎ ጽልዋ ክንፈልጥ ደለና።
ቲኬት ሓደ-እግሪ ንርዋንዳ
እቶም ካብ ፈረንሳ ብጀላቡ ንብሪጣንያ ዝኣተው ሓደስቲ ስደተኛታት፡ እቲ ናብ ርዋንዳ ንምግዓዝ ዝሕሰብ ዘሎ መስርሕ ከረኻኽበሎም እዩ ዝመስል።
ብሪጣንያ፡ እዚ ሓድሽ ፖሊሲኣ ነቶም ነዚ ሓደገኛ ጕዕዞ ዝውስኑ ሰባት ክገትኦም ከም ዝኽእል እያ ትገልጽ። እንተዀነ፡ ከም ኢርፋን ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ኣብ መሬት ብሪጣንያ ክሳብ ዘይበጽሑ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ስለዘይርኣዩ፡ ብጃላቡ ይዅን ብዓበይቲ መካይን ናብ ብሪጣንያ ግድን ክበጽሑ ኣለዎም፤ ነዚ ኸኣ ወሲኖም እዮም፡ ብምባል ትካላት ተሓለቕቲ መሰላት ይማጐታ።
ኢርፋን፡ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ደሃይ ስድራኡ ከምዘይብሉ ይዛረብ።
"ስድራይ ኣበይ ከም ዘለኹ ኣይፈልጡን እዮም፣ መራኸቢ የለን።"
እቲ፡ ኣብ ካለይ ንስደተኛታት ምስ ዝሕግዛ ዝተፈላለያ ትካላት ረዲኤት ብኣስተርጓምነት ዝሰርሐ ሰብ፡ ንዘረባ ኢርፋን ሰሚዑ ይትንትኖ ነይሩ።
ርእሱ ሒዙ ብምድናን ከኣ ክነብዕ ጀመረ። ደሓን ምዃኑ ምስ ሓተትናዮ፡ ርእሱ ነቕነቐ።
እቲ ኣስተርጓሚ ተረጋጊኡ፡ ሓሳቡ ምስ ጠርነፈ ዘረባና ቀጸልና።
"ኣሕዋተይን ኣሓተይን ናፊቐ፣ ንዓመታት ኣብ ጕዕዞ እየ ጸኒሐ፣ ሕጂ ድማ ኣብ ገና ፍርቂ መገዲ እየ ዘለኹ፣ ኵነታቶም ክፈልጥ ኣይክእልን እየ፡" ብምባል፡ እቲ ኣስተርጓሚ ነቲ ኣቐዲሙ ብኢርፋን ዝተዘርበ ነገረና።
"ናብ ርዋንዳ እንተገዓዝካ እንታይ ኣለዎ?" ሓተትኩ።
"ብሪጣንያ ዓዲ ሕጊ እያ፡" መለሰ፡ ኢርፋን
"መንግስቲ ብሪጣንያ ናብ ርዋንዳ ዶ ይሰደኒ ይኸውን? ኣብኡ ኸኣ ሓደ ምልካዊ ስርዓት እዩ ዘሎ።"
"ግድን እንተኢሎም ግን ኣብ ርዋንዳ ዝጸንሕ ኣይመስለንን።"
ርዋንዳ፡ ብሓያለ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ከም ሓንቲ ጨቛኒት ሃገር እያ ትቝጸር። ፕረዚደንት ፖል ካጋመ፡ ካብ 1994 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ኣሎ።
ድሕር'ቲ ኣስካሕካሒ ዓሌታዊ ጐንጽን ጃምላዊ ቕዝፈትን፡ ነታ ሃገር ብምርግጋእ ዝምጐስ'ኳ እንተዀነ፡ ማዕረኡ ድማ ስልጣን ብምብሓት ይውቀስ።
ናብራ ኣብ ካለይ ኣብ ቴንዳ
ኢርፋን ኣብ ብሪጣንያ ዑቕባ ክሓትት ጥራይ እዩ ዝድሊ። ካብ ኣብ ፈረንሳ ድማ ኣብ ብሪጣንያ ኣጸቢቝ ዝሓሸ ነገራት ክገጥሞ ከም ዝኽእል እዩ ዝኣምን።
ካለይ፡ ትእምርቲ ቅልውላው ስደተኛታት ኤውሮጳ ኰይና'ላ። ስደተኛታት ካብዛ ወደብ፡ ውሑሳት ብዘይኰና ጀላቡ ወይ ዓበይቲ መካይን ጽዕነት ወይ ባቡራት ተሓቢኦም ንብሪጣንያ ክሰግሩ የቋምቱ።
ኣብ ሓምለ 2016፡ ሰለስተ ኣዋርሕ ቅድሚ'ቲ ሰበስልጣን ፈረንሳ ነቲ መዓስከራት ዘፍረሱሉ ግዜ፡ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ትካላት ስደተኛታት ከም ዝገልጻኦ፡ ኣብኡ 7 ሽሕ ዝዀኑ ስደተኛታት ነይሮም።
ኣብዚ እዋናት፡ እቶም ኣብ ካለይ ዝነብሩ በዓል ኢርፋንን ካልኦት ስደተኛታትን፡ ኣብ ግዝያዊ ቴንዳታትን ሰብ ዘይነብሮ ኣባይትን ድንድላትን እዮም ዝነብሩ።
ኵነታት ኣሰቃቒ እዩ፣ ብውሑዱ 'ቲ መሰረታዊ ዝበሃል ነገራት'ውን ኣዝዩ ውሱን እዩ።
ኣብዚ ክቕመጥ ዝደሊ ሰብ የለን። ኵሉ ተስፋታት ሓድሽ ሂወት ኣብ ብሪጣንያ ስለዝረኣዮ፡ ኣብኡ ክቕመጥ ዝደሊ የለን።
"ኣብ ብሪጣንያ ብጽቡቕ ይተሓዙን፡ ዕድላት ትምህርቲ'ውን ይረኽቡ እዮም፡" ይብል።
ዩክሬናውያን ስደተኛታት
ብሳላ ሓገዝ ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤትን ዘመናዊ ቴክኖሎጂን፡ እቶም ስደተኛታት ካለይ፡ ካብቲ ቴንዳታት ውጺእ ኢልካ ሂወት እንታይ ከም እትመስልን እንታይ ይግበር ከም ዘሎን እኹል ግንዛበ ኣለዎም።
እቲ ብሰበስልጣን ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ዝግበር ክንክን ድማ ሕቶታት የልዕል ኣሎ።
"ምስ ዩክሬናውያን ክንወዳደር ኣይንኽእል ኢና፣ ንሳቶም ኣብ ሆቴል እዮም ዝቕመጡ፡" ይብል ሓደ መንእሰይ።
"ንሳቶም [ኤውሮጳውያን ሰበስልጣን] ብዛዕባና ደንታ የብሎምን፣ ከምቲ ነቶም ዩክሬናውያን ዝግደሱሎም ኣይግደሱልናን እዮም።"
"ናብ ርዋንዳ ዝሰዱና እንተዀይኖም፣ ዋላ ሓደ ካባን'ኳ ዝቕበሎ የለን፡" ይውስኽ።
እቶም ኣብኡ ዘለው መንእሰያት፡ ናይቲ ዅሉ ዝወሰድዎ ሓደገኛ ውሳነታት፡ ዝከሓሱላ ብርህቲ ዕለት ኣብ ቅድሚኦም ከም ዘላ እዮም ዝኣምኑ።
"ህይወት ከባድ እያ፣ ግን ከመይ ከም ትጾራ ተማሂርና ለና፣ ነገራት ሓደ መዓልቲ ክዕረዩ እዮም፡" ይብል ኢርፋን።
ንሱ ይዅን ካልኦት ግን፡ ብኸመይን መዓስን ንዝብል ሕቶ ዝኸውን ምላሽ የብሎምን።