እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብራ ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ሚላኖ ኢጣልያ
ደቂ ሰባት ኣብ ቀጻሊ ምንቅስቓስ እዮም ዝነብሩ። እንተስ ብኩናትን ህውከትን ተገዲዶም፡ እንተስ ንዝሓሸ ናብራን ህይወትን ብፍታዎም፡ ወይ ንዝለዓለ ትምህርቲ ንፍልጠት ወይ ንዝሓሸ ሕክምና ንድሕነት ካብ ዝተወልዱሉን ዝዓበዩሉ ቦታን ሃገርን እግሮም ወይ ዕድሎም ናብ ዝመርሖም ሃገር ይሳግሙ።
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምና ክሳብ 2017 መወዳእታ፡ 68.5 ሚልዮን ብግዴታ ዝተመዛበሉ ሰባት ከምዘለው የመልክት።
ካብዚኦም፡ 19.9 ሚልዮን ኣብ ትሕቲ ዩኤንኤችሲኣር ዝመሓደሩ ኮይኖም፡ ካብኦም 6.3 ሚልዮን ኣብ ኣፍሪቃ ይርከቡ። 40 ሚልዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝተመዛበሉ ክኸኑ እንከለው፡ 5.4 ሚልዮን ድማ ፍልስጤማውያን ኮይኖም በቲ ኣብ 1949 ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕቡራት ሃገራት ዝቖመ ትካል ይእለዩ።
እቶም 3.1 ሚልዮን ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተሰዲዶም ዑቕባ ዝሓተቱ ምዃኖም የረድእ።
ካብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ኣትሒዞም ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ ኣብ ቤቶም ዘጋጠሞም ጸገማት ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምሕደራን ወርሓዊ ኣስታት 4000 ሰባት ክስደዱ ከምዝጸንሑ ጸብጻባት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ብዘውዳዊ ስርዓት ሃይለስላሰን ደርግን ብዘጋጠሞም ሃድንን ዓፈናን ካብ ፈለማ ስሳታት ኣትሒዞም ናብ ሱዳንን ሃገራት ማእካላይ ምብራቕን ክስደዱ ጸኒሖም።
ክሳብ መፋርቕ ሰማንያታት ከኣ ኣዚዮም ውሑዳት ናብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ሰጊሮም። ከተማ ሚላኖ ኢጣልያ፡ ከኣ ሓንቲ ካብቶም ብዙሓት ኤርትራውያን ኣዴታት ብስራሕ ዝሳገማላን ሓያሎ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ሃድን መግዛእቲ ኢትየጵያ ኣምሊጦም ድሕሪ ክንደይ ኮለል ዝዓለቡላን ናብ ካልእ ሃገራት ዝተሳገሩላን ከተማ እያ።
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ እንተኾነ እውን ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ካብ ዘጋጠሞም ጸቕጥን ዓፈናን ደረት ኣልቦ ዕስክርናን ሃዲሞም ብሰሃራን ባሕርን ተሳጊሮም ዓሰርተታት ኬላታት ሞት ሓሊፎም እግሮም ዘዕልቡላን ደሃይ ደቂ ዓዶም ዝሓቱላን ሃገር ኢጣልያን ከተማታታን እያ።
ከተማ ሚላኖ ከኣ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝዕቆቡለንን ይሓይሽ ናብ ዝብሉወን ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝሰግሩላ እያ።
ተቐማጢት ሚላኖ ዝኾነት ኣኽበረት ወልዳይ ኣብ ሚላኖ ዳርጋ 36 ዓመት ዝነበረት ኮይና፡ ኣብ ሆስፒታል ከም ሰራሕተኛ ጽሬት (ኣፕራያ) ኮይና ትሰርሕ።
ኣኽበረት ኣደ ክልተ ቖልዑ ኮይና፡ ናብራ ሚላኖ ከቢድ ምዃኑ ኢያ ትገልጽ። "እቲ ናብራ ከቢድ እዩ፤ ምርጫ ሰለዘይብልና ግን ተጸጊዕና ንነብር፡ ዝበሉና ከኣ ንገብር። ናይ ግድን ንደክም፡ ዕርፍቲ ዘይብሉ ስራሕ ንሰርሕ፡ ከም ባርያ ይገዝኡና። ምኽንያቱ ስደተኛታት ምዃንና ስለዝፈልጡ" ትብል።
ናብራ ስደትን ሚላኖን ከቢድ እኳ እንተኾነ ካብ ናብራ ኤርትራ ግን ዝሓሸ ምዃኑ ብምግላጽ። "ንሕና እንተወሓደስ ንበልዕ - ኣይንጠምን፡ ንረዊ - ካልእ ይትረፍ ጽሩይ ማይ እኳ ንሰቲ" ድማ ትብል።
ቀዳሞት ኣዴታትና ብኽበረት በልየን ንሕና ግና ብኸርተት ንበሊ ኣለና ዝበለት ኣኽበረት፡ ንኽልተ ደቃ ባዕላ ከምእተዕብየን፡ ስደት ስለዝነውሓን ደቃ ንዓዲ ክኸዳ ሰለዘይክእላን ኣብ ሚላኖ ባህለንን ቋንቐአንን ኣጥፊኣን ይነብራ ምህላወን ትገልጽ።
''ኣብ ኤርትራ ኣመሓዳድራ መንግስቲ ሕማቅ ስለዘሎ፡ ደቅና ምሳና ጠፊአን ባህልና ጠፈኡ፤ ኣብ ስደት ምንባር ነዊሑ ምውዳእ ኣቡዩና'' ድማ ትብል። ኣብ ከተማ ሚላኖ ከም ጓል ኣንስተይቲ እንታይ ጸገማት ከም ዘጓንፋ ክትሕብር እንከላ ከኣ፡ "እቶም ኣሕዋትና ክብረት ናይ ኣሕዋቶም ሰለዘይብሎምን፤ ወሊድካ ሰለዘይትኸብርን ደቅና ከርተት ኢልና ባዕልና ነዕብዮም፡ ስራሕ እንተስኢንና ድማ ጸሎት ጌርና ኣብ ጸልማት ኢና ንነብር" ብምባል ንናብራ ስደት ብምረት ትገልጾ።
ኣብ ዓዲ ጥልያን 1986 ዝተሰደት ከም ኣጽራይት ገዛ ኮይና እትሰርሕ ተቐማጢት ሚላኖ ርግኣት ኣርኣያ ብወገና፡ ህይወት ስደት ጽቡቕ ከም ዘይኮነ ትዛረብ። ኣማራጺ ስለዘይብላ ግን ተገዲዳ ኣብ ስደት ከም እትንነብር ትሕብር።
ንሳ፡ "ከም ዓድኻ ዝመስሎ የለን" ትብል እሞ ንጸገማት ስደት ተጸሚምካ ክትሰግሮ ከም ዘለካ እያ ትገልጽ። ''ኣብ ስደት ናይ መንበሪ ወረቐት ናይ ገዛ ጸገምን ስእነት መሰልን ኣሎ፤ ግን እናተቃለስካ ትነብር" ድማ ትብል።
ኣብ ኤርትራ ክብደት ናብራ ስለዘሎ ካብቲ እትረኽቦ ኣታዊ ንስድራ ከም እትሕግዝን እዚ ኸኣ ንናብራኣ ዝያዳ ከምዘኽብዶን ትሕብር።
ኣብ 1978 ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ ክሳብ ናጽነት ዝተጋደለን፡ ድሕሪ ናጽነት ንሕክምና ንሚላኖ ዝኣተወ ተጋዳላይ ብርሃነ ተኽለ ብወገኑ፡ "ህይወት ዓዲ ጥልያን መሪር እኳ እንተኾነ ንኽትስዕሮ ከቢድ ጻዕሪ እዩ ዝሓትት" ብምባል፡ ብሳላ ሓርኮትኮቱ፡ ለይትን ቀትርን ጽዒሩ ሓንቲ ባር ወኒኑ ህይወቱ ይመርሕ ኣሎ።
ናብራ ስደት ብሓፈሽኡ ከቢድ እዩ፤ ህይወት ሚላኖ ከኣ ዝኸበደ እዩ ዝበለ ተጋዳላይ ብርሃነ፡ ''ኣብ ሚላኖ ብገለ ኣጋጠሚታትን ዕድልን እንተዘይተሓጊዝካ፡ ናይ ስራሕ ዕድል ረኺብካ ምስቲ ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ክትወሃሃድ ከቢድ እዩ" ይብል።
ኩሉ እቲ ተሰዲዱ መጺኡ ዘሎ ህዝቢ ናይ ስራሕ ዕድል ስለዘየጋጥሞን እንተረኸበ እውን እቲ ክፍሊት ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ስለዝኸውን ኩሉ ከቢድ ህይወት ከምዘሕልፍ ይዛረብ።
ብሰንኪ እዚ ከኣ ብዙሓት ሓደስቲ ዝመጹ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብገበርቲ ሰናይ ኣብ ዝመሓደር ንድኻታትን ጽጉማትን ግዝያዊ መጽለሊ ዘቕርብ ኣባይትን፤ ኣብ ጀራዲንን፤ ግዳምን ከይተረፈ ከምዝድቅሱ ይሕብር።
ብሓጺሩ ህይወት ስደት ኣብ ኢጣልያ ቀሊል ዘይምዃኑ እዩ ዘረድእ። ጸብጻባት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኮነ ዝተፈላለያ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ብርሃነ ዝበሎ ሓቂ እዩ ዘራጉድ።
ዓዱን ዓውዱን ዝገደፈ ሰብ ኣብ ዓዲ ጓና ስለዘይከብር ንዘጋጠመና ናይ ስደት ብደሆታት ፈቲና ጸሊእና ክንገጥሞ ግዴታ እዩ ይብል "እሞ ከም ዜጋታት ኣብ ዓድናን መሬትናን ክንነብርን ክንከብርን እንተኾይንና ንመሰልና ክንጣበቕ" ይግባእ ይብል።