እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብ ኣውሮጳ ዝሰግሩ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም
ሰደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምግምጣላ ኣስታት 65 ስደተኛታት ከም ዝሞቱ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
እቲ ሓደጋ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ካብታ ዝጠሐለት ጃልባ 16 ከም ዝደሓኑ'ውን እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ።
እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ከም ዝሐበርዎ፡ እታ ጃልባ ካብ ዛዋራ ሊብያ ሓሙስ መዓልቲ ከም ዝተበገሰትን፡ ብርቱዕ ማዕበል ምስ ኣጋጠማ ከም ዝገምጠለት ሓቢሮም።
ኣብ 2019 ጥራይ፡ ከባቢ 164 ሰደተኛታት ካብ ሊብያ ተበጊሶም ንኣውሮጳ ክኣትው ክፍትኑ እንከለው ከም ዝሞቱ ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት የመልክት።
እዚ ሓደጋ፡ ኣብዚ ዓመት እቲ ዝኸፈኣ ንሰደተኛታት ዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ኢዩ።
እቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰደተኛታት፡ ብሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ ተሓጊዞም ናብቲ ገማግም ከም ዝመጹን ንኽራግፍዎም ፍቃድ ይጽበዮ ከም ዘሎውን ተሓቢሩ። ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ሕክምናዊ ረድኤት ክረክብ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተላእከ ትካል ስደተኛታት ገሊጹ።
ሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ምስ ሰምዐ፡ ሽዑ ንሸዑ መርከብ ከም ዝለኣኸን፡ ጃልባ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ነቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት እናኣረየት እንከላ ከም ዝበጽሑን ካብ ሚኒስተሪ ምክልኻል ቱኒዝያ ዝወጸ ሓበሬታ ገሊጹ።
እቶም ሰደተኛታት፡ ካብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ምዃኖም'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰደተኛታታት፡ ዓመት ዓመት ካብ ሊብያ ተበጊሶም ብማእከላይ ባሕሪ ቆሪጾም ንኤውሮጳ ክኣትው ከም ዝፍትኑ ይግለጽ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዘይተጸገናን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሰብ ዝጸዓናን ጀላቡ ተሰቒሎም ጉዕዝኦም ከም ዝጅምሩን ካብኦም ብዙሓት ከም ዝሞቱን ይንገር።
ካብ መፋርቕ 2017፡ ቁጽሪ ተጓዕዝተቲ ስደተኛታት እናነከየ ከይዱ።
እቲ ቁጽሪ ስደተኛታት ዝጎደለሉ ምኽንያድ ድማ፡ ሓይሊ ባሕሪ ጥልያን ምስ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተሰማሚዑ ነቶም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ብምምላስ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኒ መዓስከራት ይሕዝዎም ስለዘለው እዩ።
ኣብዘን ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ 2019፤ ከባቢ 15,900 ሰደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ንኤውሮጳ ኣትዮም። እዚ ከኣ ምስ 2018 ክነጻጸር እንከሎ ብ 17% ሚእታዊ ነኪዩ።