ስለምንታይ እያ ብሪጣንያ ንሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ክትልእኾም ትደሊ?

መንግስቲ እንግሊዝ፡ ንገለ ካብቶም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑቕባ ንክሓቱ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ብመትረብ ኢንግሊዝ (ብሪቲሽ - ቻነል) ዝኣተው ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክሰዶም እዩ ።

እዚ ሕጋዊ ብድሆታት ዘለዎ ስጉምቲ፡ ካልኦት ሓተትቲ ዑቕባ፡ ስደተኛታት ንእንግሊዝ ቻነል ሰጊሮም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንኸይሰግሩ ዓጊቱዎም ኣሎ።

እቲ ናይ ርዋንዳ መደብ ዑቕባ እንታይ እዩ?

እቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሕ ናይ ፈተነ መስርሕ፡ ገለ ካብቶም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ ዑቕባ ክሓቱን ጉዳዮም ኣብኡ ኽረአን እዩ።

እቶም ቀዳሞት ጉጅለ ሎሚ ሰሉስ 14 ሰነ ክለኣኹ ምዃኖም ተሓቢሩ ኣሎ ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ እቲ ናይ ምስጓግ መደብ ነቶም ብኣዝዩ ሓደገኛ ሜላታት፡ ብናእሽቱ ጃላቡ ወይ ኣብ ማካይን ተሓቢኦም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ዘይሕጋውያን መንእሰያት ስደተኛታት ዘድሃበ ምዃኑን፡ ርዋንዳ ነቶም ናብ ሃገራ ዝለኣኹ ሰባት ማዕረ ናይ ስራሕ ዕድልን ኣገልግሎትን ከምእትህቦም ገሊጹ።

ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት እዮም ናብ ሩዋንዳ ክስደዱ ዝኽእሉ?

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ካብ 1 ጥሪ ኣትሒዙ፡ "ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተው፡ ቁጽሮም ብዘየገድስ ናብ ሩዋንዳክልኣኹ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።

ይኹን እምበር፡ ሓደ ናይ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ሰራሕተኛ፡ “ እቲ ተግባር፡ ዘመናዊ ባርነትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን’ዩ” ብምባል ብሕጋዊ ምጉት ምስተበደሀ ቁጽሪ እቶም ኣብ ፈለማ ከለኣኹ ተሓሲቦም ዝነበሩ 37 ሰባት ናብ 11 ከም ዝጎደለ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኬር- 4 ካሊስ፡ ዝተባህለ ናይ ግብረ ሰናይ ትካል እቶም ጽባሕ ንሩዋንዳ ብነፋሪት ዝምለሱ ሰባት 11 ምዃኖም ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እቲ ሕጋዊ ስጕምቲ እንታይ እዩ ?

ማሕበራት ግብረ ሰናይን ጠበቓታትን ንሓተትቲ ዑቕባ ብምውካል ንውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ይምጎትዎ ኣለው።

እቲ ትማሊ ሰኑይ ዝቐረበ ይግባይ:-

  • እቲ ሰማዕ ይግባይ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ ብኬር 4 ካሊስን ብናይ ህዝብን ንግድን ኣገልግሎትን በረራን ዝተባህለ ትካል፡ ነቲ ምስዳድ ደው ንምባል ዝቐረበ ሕቶ ነጺጉዎ።
  • ትካል ግብረ ሰናይ ኤይድ እውን እቲ በረራ ጠጠው ንኽብል ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓቲቱ ነይሩ፡ ግን ተነጺጉ

ኣሳይለም ኤይድ ዝተባህለ ትካል፡ እቲ ንሓተትቲ ዑቕባ ናይ ምምላስ ተግባር ዘይፍትሓዊ ምዃኑ፡ እኹል ሕጋዊ ሓገዝ ንክረኽቡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ምጽናሕ መሰል ክረኽቡ ክፍቀደሎም ከምዝግባእ ሓቲቱ።

ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እውን “ርዋንዳ ንሓተቲ ዑቕባ ውሑስቲ ድያ?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም። እቲ ፖሊሲ ነቲ ናይ ኤውሮጳ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ዘፍርስ’ዩ እውን ይብሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንፖሊሲ እቲ መንግስቲ "ኣዝዮም ንጡፋት ጠበቓታት" ክቃወምዎ ትጽቢት ከም ዝገበረ ገሊጹ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት መንግስቲ “ክፉት ናይ ስደት ማዕጾ ክህሉ እዮም ዝደልዩ” ብምባል “ እቲ ብዓዋሉ ዝግበር ዘይሕጋዊ ናይ ጀላቡ ምስግጋር” ደው ክብል ኣለዎ ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ርዋንዳ ህይወት ከመይ እዩ ዝመስል?

ርዋንዳ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ኣብ ዝርከብ ቦታ፡ ነቶም ካብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝመጽኡዋ ስደተኛታት መሰረታዊ መዕቆብን መጽለልን ኣዳልያ ኣላ ።

እታ ሃገር ካብ ጎረቤት ቡሩንዲን ዲሞክራሲ ሪፖብሊክ ኮንጎን ዛጊት ኣስታት 150,000 ስደተኛታት ኣለውዋ።

ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ማእከላይ ባሕሪ ንኽሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት እውን ተአንግድ እያ።

ገሊኦም ስደተኛታት ኣብ ሕርሻታት ገሊኦም ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኣገልግሎት ትካላት ይሰርሑ። ዝበዝሑ ግን ስራሕ ዘይብሎም በተን መንግስቲ ኣብ ወርሒ ዝህቦም 35 ፓውንድ እዮም ዝነባበሩ።

መንግስቲ ርዋንዳ፡ እታ ሃገር ድሕሪ እቲ ኣብ 1994 ኣስታት 800,000 ሰባት ዝቐተለ ጃምላዊ ህልቂት ተኣምራዊ ምዕባለ ተርኢ ከምዘላ እዩ ዝገልጽ።

ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ሃገራዊ እቶት ርዋንዳ ብዓሰርተ ዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ ።

ሓፈሻዊ “ናይ ምንባር ዕድመ” ደቂ እታ ሃገር ከኣ ካብ 1990ታት ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ 69 ዓመት ኰይኑ ኣሎ።

ይኹን እምበር ፡ ካብቲ 13 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ፡ እቶም 70% ሓረስቶት እዮም። እዚ ማለት ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ኣፍርዮም ዝሸጡ፡ ዘፍረዩዎ እኽሊ ዘህልኹን ዝበልዑን እዮም።

ዓባይ ብሪጣንያ ክንደይ እያ ክትከፍል?

ብሪጣንያ፡ ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለን ዕብየትን ሩዋንዳ ዝውዕል 120 ሚልዮን ፓውንድ ክትህብ እያ።

ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ፕሪቲ ፓተል፡ ነቲ እትፍጽሞ ዘላ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ተግባር ብገንዘብ ዝልካዕ ኣይኮነን ዝብል እምነት ስለዘለዋ ነቲ ፖሊሲ ኽትትግብር በይናዊ ሓላፍነት ክትወስድ ወሲና እያ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ስርዓተ ዑቕባ ዓዲ-እንግሊዝ ዓመታዊ 1.5 ናቕፋ የውጽእ። ነቶም ዝቕበሎም ስደተኛታት ኣብ ሆቴላት ከተኣናግድ ንመዓልቲ ልዕሊ 4.7 ሚልዮን ፓውንድወጻኢ ይገብር።

ምስቲ ኣውስትራሊያ ኣብ 2021-22፡ ኣብ ስግር ባሕሪ እተሳልጦ፡ 957ሚልዮን ዶላር ወይ (546 ሚልዮን ፓውንድ) ዝውድእ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ክረአ እንከሎ ናይ ብሪጣንያ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ።

ኣብ 2020 ንሓደ ሰብ ብፍልይቲ ነፋሪት (ብቻርተር) ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምምላስ ልዕሊ 13,000 ፓውንድ ወጻኢይሓትት ነይሩ ።

ክንደይ ስደተኛታት እዮም ብመትረብ ኢንግሉዝ ዝሰግሩ? እንታዎት’ከ እዮም?

ኣብ ግንቦት 2022 ኣስታት 2,871 ሰባት ኣትዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን 1,619 ጥራይ ነይሮም ።

ኣብ ምሉኡ ዓመተ 2021፡ ኣስታት 28,526 ሰባት ብናእሽቱጃላቡ ተሳጊሮም። ብ2020 ግንኣስታት 8,404 ጥራይ ኣቢሎም ነይሮም። ብመሰረት ሰበ-ስልጣን ምክትታል ዶባት ብሪጣንያ፡ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ዝተመዝገበ ቝጽሪ ስደተኛታት ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ ።

ኣብ ዓመተ 2021 ኣስታት 75% ካብቶም ስደተኛታት ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 39 ዓመት ነይሮም ። ኣስታት 5% ከኣ ዕድሚኦም ልዕሊ 40 ዓመት ዝበጽሑ ሰብኡት እዮም። 7% ከኣ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚአን ደቀንስትዮ እየን። 12% ከኣ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ኮይኖም ካብዚኦም እቶም ሰለስተ ርብዒ ደቂ ተባዕትዮ እዮም ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ እቶም ዝበዝሑ ስደተኛታት ኢራናውያን እዮም ነይሮም። ኣብ 2018 ኣስታት 80% ዝነበሩ ኣብ 2019 ናብ 66% ነክዮም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን እቲ ብቻነል ኢንግሊዝ ዝሰግሩ ዘለው ስደተኛታት ካብ ኩሉ ዓሌትን ሃገርን ዝተሓዋወሱ እዮም። ኢራናውያን 30% ዒራቓውያን 21% ፡ ኤርትራውያን 11% ፡ ሶርያውያን ከኣ 9% ምዃኖም ቤትጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ይገልጽ ።