ቀዳሞት ሃብታማት ኣፍሪቃን ዓለምን ኣብዚ እዋን ብዓል መን'ዮም?

ጆሃን ሩፐርት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሞንጎ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይጀርያን ዘሎ ዲፕሎማስያዊን ቁጠባውን ውድድር ናብ ጎባልል ሃብታማተን ዝሰገረ'ዩ ዝመስል።

ትካል ቡሉምበርግ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ናይዚ ዓመት ዝተሃብተመ ኣፍሪቃዊ ጆሃን ሩፐርት ምዃኑ ጠቒሱ'ሎ።

እቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጻዕዳ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቀዳማይ ተሰሪዑ ዝነበረ ናይጀርያዊ ኣሊኮ ዳንጎተ ብምቕዳም'ዩ ዝመርሕ ዘሎ።

ሩፐርት፡ ብዓለም ደረጃ ኣብ ዝወጸ ዝርዝር'ውን መበል 147 ተሰሪዑ ይርከብ።

ንሓያለ ዓመታት ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዑ ሃብታማት ዝኾነ ዳንጎተ ድማ 13.4 ቢልዮን ዶላር ብምውናን ካልኣይ ኣፍሪቃዊ ብዓል ጸጋ ኮይኑ'ሎ። ብዓለም ደረጃ ድማ መበል 158 ኮይኑ ተመዝጊቡ።

ኣብ ሸቐጥ ክቡር ኣቚት ዝርከቦ ዝተፈላለየ ዓውድታት ንግዲ ዝነጥፍ ሩፐርትን ስድራቤቱን 14.1 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ጸጋ ከምዘለዎም እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሃብተመ ኣፍሪቃዊ ዝነበረ ዳንጎተ ኣብ ወጻኢ ገዛ ክገዝእ ከምዘይደሊ ምግላጹ፡ ንብዙሓት ናይጀርያውያን ዘገረመ'ዩ ነይሩ።

ብዙሓት ሃብታማት ናይጀርያውያን ኣብ ዱባይ፡ ኣመሪካን ለንደንን ኣባይቲ ከምዝውንኑ ይፍለጥ።

ንሱ ግን፡ ንሃገሩ ብኢንዱስትሪ ንምምዕባል ካብ ዘለዎ ሃረርታ ዝነቐለ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።

ምጉዳል ሃብቲ ዳንጎተ፡ ኣብ ናይጀርያ ዘሎ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ዘርኢ ምዃኑ'ዮም ተንተንቲ ዝገልጹ።

ብኣንጻሩ፡ ጠለብ ክቡር ዋጋታት ዘለዎ ኣቚሑ ብምውሳኹ፡ ውህሉል ሃብቲ እቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ክብርክት ክኢሉ።

ሩፐርት፡ ነቲ ካብቲ ኣብ ንግዲ ትምባኾ ተዋፊሩ ዝነበረ ወላዲኡ ዝወረሶ ንግዳዊ ትካላት ብምስፋሕን ብምምዕባልን'ዩ ናብዚ ደረጃ ክበጽሕ በቒዑ።

ብተመሳሳሊ ብውርሻ ዝሃብተመት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኒኪ ኦፐንሃይመር'ውን ወናኒት 11.3 ቢልዮን ዶላር ብምዃን ኣብታ ኣህጉር ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ። ቀንዲ ምንጪ ሃብቲ ስድራቤት ኦፐንሃመር ዕደና ኣልማዝን ወርቅን ምዃኑ ይንገር።

ኣስታት 9.5 ቢልዮን ዶላር ዘለዎ ግብጻዊ ናሰፍ ሳዊሪስ ራባዓይ፡ ካልእ ናቲ ኪርሽ ዝተባህለት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ድማ ሓሙሻይ ደረጃታት ሒዞም ከምዘለዉ ዝርዝር ቡሉንበርግ ኣስፊሩ'ሎ። ሓዉ ነቲ ግብጻዊ ዝኾነ ናጊብ ሳዊሪስ'ውን 7.2 ቢልዮን ሒዙ ይኽተሎም ኣሎ።

ብደረጃ ዓለምከ ብዓል መን ይመርሑ ኣለዉ?

ኢሎን ማስክ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቀዳሞት 10 ሃብታማት ዓለም ሕጂ'ውን ከም ወትሩ ብኣመሪካውያን ዝተዓብለለ'ዩ።

ኣስታት 233 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሃብቲ ዘኻዕበተ ኣርሓ ቴክኖሎጂ ኢሎን ማስክ ቀዳማይ ደረጃ ተቖጻጺርዎ ኣሎ።

ሸቃጥ ኣቚሑ ፈረንሳዊ በርናርደ ኣርኖልት ድማ 196 ቢልዮን ዶላር ጅብኡ መሊኡ ይኽተሎ ኣሎ። ኣርኖልት ኣብ 2022 ንማስክረ ረጊጹ ኣብ ጥርዚ በጺሑ ዝነበረ'ዩ።

ካብኦም ቀጺሎም ድማ 8 ኣመሪካውያን፡ ወናኒ ኣማዞን ጀፍ ቢዞስ (195 ቢልዮን)፡ ዋና መታ (ፈይስቡክ) ማርክ ዛከርበርግ (184 ቢልዮን)፡ ወናኒ ማይክሮሶፍት ቢል ገይትስ (160 ቢልዮን) ላሪ ኤሊሰን (153 ቢልዮን)፡ ላሪ ፔጅ (147 ቢልዮን)፡ ዋረን ባፈት (146 ቢልዮን) ከምኡ'ውን ስቲቭ ባልመር (143) ቢልዮን ሃብቲ ሒዞም ተሰሪዖም ኣለዉ።

ቀዳማይ ህንዳዊ ሃብታም ሙከሽ ኣምባኒ ድማ 112 ቢልዮን ዶላር ብምውናን ኣብ ዓለም መበል 11 ኮይኑ'ሎ።

ኣብ ዴሳዊት ቻይና ጎብለል ኮይኑ ዘሎ ዞንግ ሻንሻን ድማ 46.5 ቢልዮን ሒዙ መበል 28 ሃብታም ዓለም ብምዃን ኣብ መዝገብ ሃብታማት ርእሰማላውያን ተሰሪዑ ይርከብ።

ኣብ ዓለም መበል 52 ብምዃን ኣብዚ ዓመት ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ ዘሎ ሩስያዊ ብላዲሚር ፖታኒን ብወገኑ 32.3 ቢልዮን ዝግመት ሃብቲ ከምዘለዎ ቡሉምበር ይጠቅስ።