እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጥዑይ ከስዐ ክህልወና ክንምገቦን ከነወግዶን ዘለና እንታይ እዩ?
ምኽንያቱ ብዘይንፈልጦ መንፋሕቲ፡ ረሸሽታ ወይ ዕግርግር እንተ ኢሉና፡ ከስዐና ብዛዕባ ጥዕናና ገለ ነገር ክብለና ደልዩ ኣሎ።
ጥዑይ ከስዐ ምውናን ንስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ጥራሕ ኣይኰነን ዝጠቅም።
ክንዮ'ዚ፡ ከስዕና ብዛዕብ ዓቕሚ ምክልኻልና፡ ኵነታት ኣእምሮኣዊ ጥዕናናን ዘለና ውህሉል ብርትዐ ወይ ሓይሊ'ውን ብዙሕ ክሕብረና ይኽእል'ዩ።
ኣብ ከስዐና ትሪልዮናት ባክተርያታትን ማይክሮብስን ኣለዉ፣ እዚኦም ከኣ ምዕሩይ ኣመጋግባ ብምዝውታር ኢና ምዕሩይነቶም ክንሕሉዎ እንኽእል።
እኹል ዘይንምገብን እንተ ተመገብና'ውን እኹል መኣዛታት ዘይብሉን ምስ ዝኸውን ግን፡ ነቶም ኣብ ከስዐና ዝርከቡ ከም ባክተርያ ዝኣመሰሉ 'ማይክሮባዮም' ስለ ዘዛብዖም፡ እዚ ንስርዓተ ምሕቃቕ መግብና ብምጽላው ንነድርን ሕዱር ሕማምን ከቃልዓና ይኽእል'ዩ።
ዶክተር ጁልያ ማክዶናልድ ካብ ኢምፐርያል ኮሌጅ ለንደን፡ ኣብ ከስዐና ዘይምዕሩይነት ምስ ዝህሉ፡ ብዘይካ ኣብ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ኣብ ካልኦት ሓያለ ነገራት'ውን ምልክታት ከም ዘርኢ ተብርህ።
ሰብ ዝተፈላለየ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ እዩ ዘለዎ።
እዚ ከኣ ብዘርኢ፡ ብኸባቢ፡ ብእንበልዖ መግብን ክንውለድ እንከለና ዝነበረና ሮቋሒታትን ክጽሎ ይኽእል።
ኣብ ሞንጎ ብንቡርን ብመብጣሕትን ዝተወለዱ ዕሸላት ዘሎ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ'ውን ዝተፈላለየ እዩ።
ተመራመርቲ ብዝገበሩዎ መጽናዕቲ፡ ስርዓተ ከስዐ ኣብ ሓድሕድ ሰብ ኣዝዩ ዝተፈለየን ልክዕ ከም ኣሰር ኣጻብዕቲ ንሓድሕዱ ዘይራኸብን ምዃኑ ክፈልጡ ክኢሎም'ዮም።
እዚ ከኣ ንተመራመርቲ ዓቢይ ብድሆ ኰይኑዎም ይርከብ።
እቶም ተመራመርቲ ኣብ ከስዐና ኰይኖም ንጥዕናና ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝዀኑ ጕጅለ ባክተርያታት'ኳ ከላልዩ እንተ ከኣሉ፡ እቶም ቀንዲ ጥዑይ ከስዐ ክህልወና ዝሕግዙን ጠንቂ ሕማም ዝዀኑን ጕጅለ ባክተርያታት ግን ክፈልጡዎም ኣይከኣሉን።
ንሕና እቲ እንበልዖ ኢና
ዶክተር በንጅሚን ምሉሽ ካብ ኢምፐርያል ኮሌጅ ለንደን፡ "ኣመጋግባን መግቢ ምምምራጽን ኣብ ክስዐና ዝርከቡ ከም ባክተርያ ዝኣመሰሉ ማይክሮባዮም ምዕሩያት ክዀኑ ይሕግዝ እዩ፡" ይብል።
ብምቕጻል፡ "ኣብ ዘካየድናዮ መጽናዕትታት ከም ዝርኣናዮ፡ ኣመጋግባኻ ምቕያር፡ ንኣብነት ስጋ ምውሓድ ወይ ጽሕጎ ዘለዎም መግብታት ምዝያድ፡ ኣብ ከስዐና ኣብ ዝርከቡ ባክተርያታት ርኡይ ለውጢ'ዩ ዘምጽእ፡" ይብል።
ንኣብነት፡ ርግኦ ምብላዕ እቶም ንኣካላትና ጠቐምቲ ዝዀኑ ባክተርያታት ኣብ ከስዐና ንኽስስኑ ከም ዝሕግዝ መጽናዕትታት ይሕብሩ።
እንተዀነ፡ ንጥዕና ከስዐና እቲ ቀንዲ ሮቋሒ መግቢ ጥራሕ ኣይኰነን።
ጥዑይ ከስዐ ንኽህልወና ክንፈልጦም ዘለና ካልኦት ተወሰኽቲ ነጥብታት'ውን ኣለዉ። ገለ ካብኦም፤
- ድቃስን ጸቕጥን፡ ዋሕዲ ድቃስን ሕዱር ሕማም ጸቕጥን ኣብ ከስዐና ዓቢይ ኣሉታዊ ጽልዋ'ዩ ዘለዎ።
- ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታር ጥዑይ ከስዐ ክህልወና ዓቢይ ግደ ኣለዎ።
- ጸረ-ተሃዋስያን፡ ኣብ ሕክምናን ሕርሻን ልዕሊ ዓቐን ጸረ ተሃዋስያን ምጥቃም፡ ኣብ ከስዐና ዝርከቡ ባክተርያ ክስስኑን ነቲ ጸረ-ተሃዋስያን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ከጥርዩን ስለ ዝሕግዞም ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጃፓን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዝያዳ ጥረታትን ኣሕምልትን ምምጋብ፡ ነቶም ጠቐምቲ ዝዀኑ ባክተርያታት ብምስሳን ሕዱር ጸቕጢ ከም ዘጕድል ከረጋገጽ ክኢሉ'ዩ።
እቲ ኣብ ኣስታት 1,000 ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ጥረታትን ኣሕምልትን ነቶም ንጥዕና ከስዐና ኣዝዮም ሓገዝቲ ዝዀኑ 'ሎችኖስፒራ' ዝበሃሉ ዓይነታት ባክተርያ ኣዝዩ ከሰስኖም ተራእዩ።
ዶክተር ምሉሽ ብተወሳኺ፡ ኣብ ሞንጎ ሓንጎልን ከስዐን ዘሎ ምትእስሳር'ውን የልዕል፣ "እቲ ቫጉስ ዝበሃል ንኸስዐ ምስ ሓንጎል ዘተኣሳስር መትኒ፡" ከም ሰሮቲንን ዶፓሚንን ከም ዘመንጩ ይገልጽ።
"እዞም ሕጂ ዝካየዱ ዘለዉ ምርምራትን ዝርከብ ዘሎ ውጽኢትን ከስዐና ንባህርና፡ ንመጠን ጸቕጥናን ኵነታት ኣእምሮኣዊ ጥዕናናን ይጸልዎ'ዩ።"
ጥዑይ ከስዐ ክህልወና ዝሕግዙ መግብታት
በዂዑ ዝስራሕ መግቢ ኣብ ውሽጡ ባክተርያታት ኣለዎ። እዚ ከኣ ኣብ ከስዐና ምዕሩይ ዝዀነ ማክሮባዮም ክህልወና ይሕግዝ።
እዚ፡ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ንኽቀላጠፍ፡ መንፋሕቲ ከስዐ ክንክን ስርዓተ ምክልኻልና ክድልድን ይሕግዝ።
ካብቶም ፍሉጣት በዂዖም ዝስርሑ መግብታት ንምጥቃስ፤
- ርግኦ
- ካብ ጸባ ላም፡ ጤልን በጊዕን ዝተሰርሐ ኣጅቦ
- ኪምቺ፡ ካብ ካውሎ፡ ጻዕዳ ሽጉርቲ፡ በርበረ፡ መረቕ ዓሳ፡ ጨውን ካልእን ዝስራሕ ዝውቱር መግቢ ኮርያውያን
- ሚሶ፡ ካብ ፓስታ፡ ሩዝ፡ ሶያን ካልእን ዝስራሕ መግቢ ጃፓናውያን
- ከም ኮምቡቻ፡ ዶሳ ዝበሃል መግቢ ህንድን ናቶ ዝበሃል መግቢ ጃፓናውያንን
መተሓሳሰቢ፡ በዂዑ ዝሰተርሐ መግቢ ንመጀመርታኹም ትፍትንዎ እንተ ሃሊኹም፡ ብቝሩብ መጠን ጀምሩዎ።
ጽሕጎ ዘለዎም መግብታት፡ ኣብ ከስዐና ዝርከቡ ጠቐምቲ ባክተርያታት ኣድለይቲ ኰይኖም፡ ስርዓተ ምሕቃቕ መግብና ንኽቀላጠፍ ሓገዝቲ'ዮም።
ክሳዕ ሕጂ ዝተኻየዱ ምርምራት፡ ብጽሕጎ ሃብታማት ዝዀኑ መግብታት ኣብ ከስዐና ከጋጥም ዝኽእል ሕማማት ብምንካይ፡ ምዕሩይ ሚዛን ክህልወና ይሕግዙ።
ገለ ካብቶም ጽሕጎ ዘለዎም መግብታት፤
- ከም ዓደስን ዓይኒ ዓተርን ዝኣመሰሉ ጥረታት
- ከም ባናና፡ ሜለን በሪን ዝኣመሰሉ ፍረታት
- ከም ብሮኮሊን ካሮትን ዝኣመሰሉ ኣሕምልቲ
- ከም ኣልሞንድ፡ ሸያሲድ፡ ፈላክሲት ዝኣመሰሉ ኣዝርእቲ
መተሓሳሰቢ፡ ጽሕጎ ዘለዎም መግብታት ብምዝውታር መንፋሕትን ዘይምችኡነትን ከነወግድ ንኽእል ኢና። ብዙሕ ማይ ምስታይ ከኣ እቶም ጭሕጎታት ቀልጢፎም ክሓቁ ይሕግዝ።
ፖሊፖኖሊስ፡ ዝበሃል ትሕዝቶ ዘለዎም መግብታትን ፈሰስትን ጸረ-ኦክሲዳንት ስለ ዘለዎም፡ ኣብ ከስዐና ዘየድልዩ ተሃዋስያን ኣብ ምውጋድ ኣዝዮም ይሕግዙ።
ገለ ካብቶም ትሕዝቶ ፖሊፖኖሊስ ዘለዎም መግብታትን ፈሰስትን፤
- ጸሊም ቾኮላታ (ብውህዱ 70 ሚእታዊት ካካዋ ዝዀነ)
- ቀጠልያ ሻሂ
- ቤሪ
- ዘይቲ ኣውሊዕ
መተሓሳሰቢ፡ ትሕስቶ ፖሊፖኖሊስ ዘለዎ መግቢ ምስ ከም ኣቮካዶ ዝኣመሰለ ጥዑይ ስብሒ ዘለዎ መግቢ ሓዊስካ ምብላዕ ንጥዕናና ኣዝዩ ጠቓሚ'ዩ።
ንኸስዐና ሃሰይቲ ዝዀኑ መግብታት
ዝተመስርሐ መግቢ፡ ዝተመስርሐ መግቢ ሰብ-ሰርሖ ቀመማት ስለ ዘለዎም፡ ነቶም ኣብ ከስዐና ዝርከቡ ባክተርያታት ብምንዳር፡ መንፋሕትን ክሰዐን ከስዕቡልና ይኽእሉ'ዮም።
ገለ ካብቶም ዝተመስርሑ መግብታት፤
- ዕሹጋት መግብታት (ከም ጥቡስ ድንሽ፡ ንዱልስን ክራከርስን)
- ዝተመስርሐ ስጋ (ከም ሆት ዶግ፡ ሶሴጅ፡ ቤኮንን ካልእን)
- ከም ሴራልስ ዝኣመሰሉ ሽኮራውያን
- ዕሹግ መግቢ
ሰብ-ሰርሖ መመቀሪ፡ እዞም ኣብ ጸብሒ፡ መግብን ካልእን ከም መመቀሪ ዝኣተዉ ሰብ-ሰርሖ መመቀሪ፡ ኣብ ከስዐና ንዝርከቡ ባክተርያታት ኣሉታዊ ጽለዋ ብምፍጣር፡ ኣብ መጠን ግሉኮስና ምዝባዕ ይፈጥሩ፣ ንስርዓት ምሕቃቅ መግብና'ውን ይጸልዉ እዮም።።
ገለ ካብቶም ሰብ-ሰርሖ መመቀሪ ዘለዎም መግብታት፤
- ከም ኮካ፡ ፋንታ፡ ስፕራይት ዝኣመሰሉ መስተታት
- ሽኮር ዘይብሉ ማስቲካ
- ውሑድ ካሎሪ ዘለዎም ዕሹግ መግብታት።
ሽኮራውያን መግብታት፡ እዞም ሽኮራውያን መግብታት ንኸስዕና ኣዝዮም ሃሰይቲ'ዮም፤
ገለ ካብቶም ሽኮራውያን መግብታት፤
- ፖስተን ኬክን
- ባኒንን ፓስታን
- ከም ኮካ፡ ሓይሊ ዝህቡ መስተታትን ዝተመስርሑ ጽማቛትን
ኵሎም ኣልኮላውያን መስተታት ንኸስዐና ብኣሉታ ክጸልውዎ ይኽእሉ'ዮም።
ኣልኮላዊ መስተ ንስርዓተ ድቃስና ብምዝራግ ኣብ ጥዕና ኣእምሮና ኣሉታዊ ጽልዋ ክፈጥር ይኽእል'ዩ።
ቀይሕ ወይኒ ብፖሊፊኖል ዝሃብተመ እኳ እንተዀነ፡ ኣማኻሪትን ክኢላ ኣመጋግባ ኪርስተን ጃክሰን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣልኮላዊ መስተ ንጥዕናናን ከስዐናን ሓጋዚ'ዩ ዝብል ኣረዳድኣ ኣዝዩ ግጉይ ምዃኑ'ያ ትሕብር።
መጠን እንወስዶ ኣልኮል ኣብ ዝውስኸሉ ከኣ ዝያዳ ጥዕናዊ ጸገማት ከም ዘስዕብ እታ ክኢላ ትሕብር።
ንእሽቶ ለውጢ ብዙሕ ጽልዋ
ዶክተር ማክዶናልድ፡ ጽሕጎ ዘለዎም መግብታት ምዝውታር ንጥዕና ከስዐና ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ'ያ ትሕብር።
ክኢላ ስነኣመጋግባ ክሪስቲን ጃክሰን ብወገና፡ መዓልታዊ 30 ግራም ዝኸውን ትሕዝቶ ዘለዎ መግቢ ክንበልዕ ከም ዘለና ትመክር።
እዚ ከኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ካብ ኣዝርእቲ፡ ፈረታት፡ ኣሕምልትን ካልእን ክንረኽቦ ንኽእል ኢና።
ንኸስዐና ሓገዝቲ ዝዀኑ መግብታት፤
- ኣመጋግባና ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ክህሉዎ ይግባእ፣
- ከም ርግኦን ከፊርን ዝኣመሰሉ 'ፕሮቦቲክ' መግብታት ምስ ጽቡቕ ትሕዝቶ ጽሕጎ ዘለዎም መግብታት ሓናፊጽካ ምምጋብ፣
- እኹል ፈሳሲ ምስታይ ንስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ሓጋዚ ስለ ዝዀነ ፈሳሲ ምዝውታር፣
- ኣካላዊ ምንቅስቓስን እኹል ድቃስን ብምዝውታር ጸቕጢ ምጕዳል ወይ ምውጋድ፣
- ከም ጸረ ነፍሳት ዝኣመሰሉ መድሃኒታት ብብዝሒ ዘይምውሳድ።
ኪርስተን ጃክሰን፡ ንእሽቶን ቀጻልነት ዘለዎን ለውጢ ኣመጋግባ ንኸስዐና ኣዝዩ ጠቓሚ ምዃኑ ተብርህ።
ንኣመጋግባና ዝምልከት ሰሙናዊ ክንገብሮ እንኽእል ቅልል ዝበለ መደባት ምውጻእ ሓጋዚ'ዩ።
ኣብ ኣመጋግባናን ኣነባብራናን ለውጢ ብምግባር፡ ንስርዓተ ምሕቃቕ መግብና ከነቀላጥፍ፡ ስርዓት ምክልኻልና ከነደልድልን ይምዓድ'ዩ።
ብተወሳኺ፡ ጥዑይ መግቢ ጥዑይ ከስዐ ንኽህልዋና፡ ጥዑይ ከስዐ ከኣ ጥዑይ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ንኽህለዋና ኣዝዩ ሓጋዚ'ዩ።