እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ቀልቀል ሰብ ብዝተሰርሐ ከኒና ንሓደገኛታት ውሽጣዊ ባልዓት ንምጥፋእ ይፍተን ኣሎ
እንግሊዛውያን ሓካይም፡ ኣብ ከስዐ ወዲ ሰብ ብምዃን ንኽፍወስ ዘጸግም ረኽሲ ዝፈጥሩ ባልዓት ንምጥፋእ ካብ ቀልቀል ሰብ ብዝተሰርሐ ከኒና ይፍትኑ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።
እቲ ከኒና ዝተሰርሓሉ ቀልቀል ካብ ኣዝዩ ጥዑይ ውልቀ ሰብ ብልግሲ ዝተረኸበ ኮይኑ ባክተርያ ተሓዊስዎ ብዛሕሊ ዝደረቐ'ዩ።
እቶም ሓካይም፡ እዚ ፈተነ ነቶም ጸረ ባክተርያ መድሃኒታት ናይ ምጽዋር ዘጥረዩ ባልዕ ንምጥፋእ ዝግበር ዘሎ ፈተን ከምዝኾነ ገሊጾም።
ብውሽጣዊ ባልዓት ዝስዕብ ክሓዊ ዘይክእል ወይ ዘጸግም ሕማም ዓመታዊ ሚልዮናት ሰባት ከምዝሞቱ ብምሕባር፡ እዚ ከኒና ዕዉት ኮይኑ እንተተረኺቡ ህይወት ሚልዮናት ካብ ሞት ከትርፍ ከምዝኽእል ተተስፍዮም ኣለዉ።
ነቲ ምርምር ብምምራሕ ኣብ ሆስፒታላት ጋይስን ቅዱስ ቶማስን ኣብ ልዕሊ ሕሙማት ዝፍትኖ ዘሎ ዶክተር ብለይር ማሪክ፡ "ቀንዲ ኣተክሮና ኣብቲ ዝበዝሑ ንጸረ ባክተርያ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ዘጥረዩ ባልዓት ዝእከብሉ መዓናጡ'ዩ" ኢሉ።
እቶም መድሃኒት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ዘጥረዩ 'ሱፐርባግስ' ወይ ውሽጣዊ ባልዓት ካብቲ ቀንዲ ሰፈሮም ዝኾነ መዓናጡ ወጺኦም ኣብ ካልእ ክፋላት ውሽጣዊ ኣካላት ደቂ ሰብ ጸገም ዘስዕቡን ከም ረኽሲ ሻምብቆ ሽንቲ ወይ ደም ከምጽኡ ዝኽእሉ ሓደገኛታት ባልዓት'ዮም።
ዶክተር ብለይር ማርክ "ስለዚ ካብ ከርስና ጠቕሊሎም ክወጽኡ ይኽእልኡ ድዮም ዝብል ሕቶ ብዙሓት ዘልዕልዎ ኣገዳሲ ሕቶ'ዩ" ይብል።
እቲ ዶክተር፡ ካብ ቀልቀል ከኒና ምስራሕ ኣብዚ እዋን ብምእፋፍ ዝርአ ከምዘይኮነ ብምሕባር፡ ኣቐድም ኣቢሉ ብወግዒ ተቐባልነት ዝረኸበ ቀልቀል ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ሰብ ብምስግጋር ንኸም ሸሮኽ ዝኣመሰለ ሕማማት ኣብ ምፍዋስ ኣብ ኣገልግሎት ይውዕል ከምዘሎ ኣብሪሁ።
እዚ ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ኵሊቱ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ምስ እትኸውን፡ ካብ ካልእ ጥዑይ ሰብ ኵሊት ተለጊስሉ ዝፍወስ፡ ሓደ ብሸሮኽ ዝተጠቐዐ ሰብ'ውን ብተመሳሳሊ ካብ ጥዑይ ሰብ ቀልቀል ተለጊስሉ ክፍወስ ከምዝኽእል'ዩ ዘርኢ።
ተመራመርቲ ኣቐድም ኣቢሎም ቀልቀል ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ሰብ ኣብ ምስግጋረ ኣብ ዝተገበረ መስርሓት፡ ውሽጣዊ ባልዓት ኣብ ምፍዋስ'ውን ርኡይ ወጽኢት ስለዝርኣይሉ'ዮም ብመልክዕ ከኒና ንምድላዉ ተበግሶታት ወሲዶም።
እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ መድሃኒት ብዝጻወሩ ባክተርያ ዝመጽእ ረኽሲን ሓማማትን ኣቶኲሩ'ዩ ክካየድ ጸኒሑ።
ነፍሲ ወከፍ ቅምሶ ቀልቐል ዝኾነ ጎዳኢ ውሽጣዊ ባልዕ ከምዘይብሉ ንምርግጋጽ ይምርመር፣ ከይሓቐቐ ዝወጽአ መግቢ ተኣልዩ ኣብ በረድ ከምዝነቕጽ ብምግባር ተጣሒኑ ብመልክዕ ሓሩጭ ይዳሎ።
ብድሕሪ'ዚ ብመልክዕ ከኒና ይዳሎ፡ እቲ ገበር ናይ ከኒና እቲ ዝተጠሓነ ቀልቀል ከይተበታተነ ናብ መዓንጣ ንኽበጽሕ ይሕግዞ።
ኣብ መዓንጣ ምስ በጽሐ እቲ ገበረ ናይቲ ከኒና መሽሚሹ ምስ ተበተነ፡ እቲ ቀልቀል ግቡእ ፍወስኡ ይጅምር።
እቲ ከኒና ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከባ ክልተ ሆስፒታላት ኣብ ዝርከቡ 41 ወለንተኛታት'ዩ ፈተነ ነኻይድሉ፡ እቲ ዝተረኸበ ውጽኢት ከኣ ኣብ ዝበዝሑ ሰባት ንኽፍተን ተስፋ ዝህብ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።
እቲ ከኒና ዝተውሃቦም ሕሙማት፡ እቲ ምስቲ ቀልቀል ብመልክዕ ከኒና ናብ ከብዶም ዝኣተወ ባክተርያ፡ ደሕሪ ወርሒ ኣብ ውሽጢ ማዓናጥኦም ካልኦት ባልዓት ኣብ ምጥፋእ ኣብ ንጡፍ ስራሕ ከምዝነበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ዶክተር ብለይር ማሪክ "ኣዝዩ ትስፉው ዝኾነ ምልክታት ኢና ንርኢ ዘለና፡ እቶም ምስቲ ብመልክዕ ከኒና ምስቲ ቀልቀል ናብ ከስዐ ዝኣትዉ ባክተርያታት ነቶም ካብ ውሽጢ መዓናጡ ተበጊሶም ከም ረኽሲ ሽንትን ድምን ካልኦት ረኽስታትን ዝስዕቡ ባልዓት፡ ጉድኣት ከውርድሉ ናብ ዘይክእሉ ቁጽሪ ከውርድዎም እንተኽኢሎም፡ ካብዚ ዝዓቢ ዓወት የለን"ኢሉ።
እቲ መጽናዕቲ፡ ድሕሪ እቲ ፍወሳ፡ ኣብ መዓናጡ ምዕሩይነት ባክተርያ ዝተፈለየ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ'ውን ዶክተር ብለይር ማርክ ይገልጽ።
"እዚ ምልክት ጽቡቕ ጥዕናን ምናልባት'ውን መርኣያ ናይቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ውሽጣዊ ባልዓት ዝተራእየ ዓብላልነት ዘንጸባርቕ'ዩ፡ ስለዚ ሓደስቲ ተላባዕቲ ባልዕ ንኽኣትዉ ዝኸበደ'ዩ ከኸውን"
ዶክተር ብለይር ማርክ ብምስዓብ "ኣዝዩ መሳጢ'ዩ። ካብቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ኩሎም ባክተርያን ቫይረሳትን ጎዳእቲ'ዮም ዝብል ዝነበረ ርድኢት ወጺእና ንሓፈሻዊ ጥዕናና ምሉእ ብምሉእ ኣድለይቲ ምዃኖም ዝተረዳእናሉ ኢና በጺሕና ዘለና" ኢሉ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ዕሸላት ምስ ተወለዱ ኣብ ዘለዋ ቀዳሞት ሰዓታት ኣብ ኣካላቶም ንባክተርያ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ምስ ዘጥሪ፡ ኣብ መዋእሎም ብረኽሲ ሳንቡእ ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎኦም ብፍርቂ ከምዝንኪ ከረጋግጹ ክኢሎም'ዮም።