ብዛዕባ ቈርበትና ዘደንጽዉ 10 ሓቅታት

ብሓቂ ብዛዕባ ቈርበትኹም ክሳብ ክንደይ ትፈልጡ?

እዚ ቀጢን ነጸላ ኣካልና፡ እቲ ዝዓበየ መከላኸሊ ኣንጻር ሕማምን ረኽስን እዩ።

ምስ ካልኦት ንኽንረዳዳእን ፍቕሪ ንኽስማዓናን ከይተረፈ እውን ይሕግዘና።

ብዘይካ'ዚ ግን፡ ቈርበትና ብዙሕ ዘገርም ባህርያት ይውንን።

ገለ ካብዚኦም እዞም ዝስዕቡ'ዮም።

1. ቈርበትና ካብ ኣካላትና'ቲ ዝዓበየ'ዩ

ብዙሕ ግዜ ትኹረት ዘይረክብ ቘርበትና፡ ብሓቂ 15 ሚእታዊት ክብደት ኣካላትና ዝሓዘ እዩ።

ሓደ ማእከላይ ሰብ ብግምት 10 ኪሎ ዝምዘንን ክልተ ትርብዒት ሜትሮ ዝሽፍንን ቈርበት ኣለዎ።

እዚ ግዳማዊ ኣካልና ብኽልተ ቀንዲ ነጸላታት ዝቖመ እዩ።

እቲ ግዳማዊ ነጸላ 'ኤፒደርሚስ' ይበሃል። ከም ወረቐት ቀጢን'ኳ እንተዀነ፡ ንመብዛሕትኡ ኣብ ቈርበት ዘሎ ተግባራት ምክልኻል ይሽፍን።

ኣብ ትሕቲ'ዚ ዘሎ ድማ 'ደርሚስ' ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ካብቲ ግዳማዊ ነጸላ ዝረጉድ ኰይኑ፡ ዝተፈላለየ ተራ ይፍጽም። ኮላጅንን ኤላስቲንን፡ ቈርበትና ቅርጺ፡ ስብሕን ተጣጣዕነትን ክህልዎ ይሕግዙ።

እዚ ድማ ልዕሊ 17 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ሰራውር ደም ዝሽፍን ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ጂብራልተር ድልድል ንምስራሕ ምኣኸለ ነይሩ።

ኣብ ቆርበትና ዝርከቡ ሚልዮናት ጽክታት ረሃጽ ድማ ሙቐት ብምዕቃብ ወይ ብምፍናው ንሙቐት ኣካላትና ይቆጻጸሩ።

ብሉጽ ተሃዋሲ ተቐበልቲ መትኒ እውን ዕለታዊ እማመታት ክንፍጽም የኽእሉና።

ብተወሳኺ ንጡፍ ሰራዊት ዋህዮታት ምክልኻል ሕማም ድማ ንዝዀነ ባዕዳዊ ኣካል ጣልቃ ከይኣቱ ይዓግቱ።

ቈርበት ምስቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ መጠኑ፡ ቀንዲ መከላኸሊ ኣካላትና እዩ።

2. ቈርበትና ኣብ ሕድሕድ ወርሒ ንገዛእ ርእሱ ይሕደስ

ከም ወረቐት ቀጢን ዝዀነ ግዳማዊ ቈርበትና ኣብ መዓልቲ ኣሽሓት ግዜ ይላሓጽ፡ ይጭፍለቕን ይዝርጋሕን፤ እንተዀነ ግን ብቐሊሉ ኣይጉዳእን ወይ'ውን ኣይደክምን'ዩ።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ መንደቕ ቈርበትና ብቐጻሊ 'ኬራቲኖሳይትስ' ዝተበሃሉ ሓደስቲ ህያዋን ዋህዮታት ስለዘቕርብ እዩ። እዞም ዋህዮታት እዚኣቶም ካብቲ ንምእማን ዘጸግም ኬራቲን ዝተበሃለ ብርቱዕ ተሪር ፕሮቲን ዝቖሙ እዮም።

እዚ ፕሮቲን ንጸጉርናን ጽፍርናን ከምኡ'ውን ኣብ እንስሳታት ዝርከብ ዘይስበር ጽፍርን ቀርኒን እውን ንምፍጣር ይሕግዝ። ኬራቲን ካብ ቐርኒ ዝብል ትርጉም ዝህብ ኬራስ ዝብል ጥንታዊት ግሪኽኛ ቃል ዝመጸ እዩ።

ኬራቲኖሳይትስ ኣብ ዝዓሞቐ ነጸላ ቈርበት ካብ ዝርከቡ ዋህዮታት መበቆል ብቐጻሊ ይፍጠሩ፤ ኣብ ምሉእ ናይ ወርሒ ዕድሚኦም ድማ ክሳብ ከም ካቦት ወይ ማይ ዘይኣትዎ ብርቱዕ መከላኸሊ ክሳብ ዝፈጥሩ፡ ቀስ ብቐስ ብንጸላ ንላዕሊ ይንቀሳቐሱ።

ብድሕሪኡ ናብ ከባቢ ኣየር ይቕንጠጡ። ግዳማዊ መንደቕና ብተደጋጋሚ ምስ ዝህረምን ዝጉዳእን፡ ኤፒደርሚስና ልዕሊ ዓቐን ንጡፍ ኰይኑ ምላሽ ይህብ። ዝዀነ ኤፒደርሚሱ ብተደጋጋሚ ብምሕኻኽ ዝሳቐ ሰብ፡ ኣብ ቈርበቱ ከም በርጓድ ዝኣመሰሉ ነገር ከማዕብል ተኽእሎ ኣሎ።

3. ለይቲ ምብላዕ ንዳድ ጸሓይ ከስዕብ ይኽእል

ናይ ቀረባ እዋን መርትዖታት ከም ዝሕብርዎ፡ ዋህዮታት ቈርበትና ኣብ ሓንጎል ብዘሎ ናይ ኣካላትና 'ማስተር ሰዓት' ብዝተጸልወ ናይ 24 ሰዓታት ህርመት ዝሰርሑ ዝተሓላለኹ ውሽጣዊ ሰዓታት ዝሓዘ እዩ።

ኣብ ሓደ ለይቲ፡ ዋህዮታት ቈርበት ብቕልጡፍ ይበዝሑ፡ ግዳማዊ መከላኸሊና ድማ ንብርሃን ጸሓይን ኣብታ እትመጽእ መዓልቲ ንዝፍጠር ቁስልታትን ክዳለዉን ክለካኸልን ይሕግዙ። ብድሕሪኡ ኣብ መዓልቲ፡ እዞም ዋህዮታት እዚኣቶም፡ ነቲ ኣንጻር ኣልትራቫዮሌት (UV) ዝተበሃሉ ጩራታት ጸሓይ ዝከላኸል ሰረታት መሪጹ ክነጥፉ ይገብር።

ኣብ 2017 ዝተገብረ መጽናዕቲ ድማ፡ ለይቲ እንተበሊዕና፡ ሰዓት ቈርበትና ግዜ ድራር እዩ ኢሉ ስለዝግምት፡ ከም ሳዕቤኑ እቶም ናይ ንግሆ ሰረታት ምክልኻል ኣልትራቫዮሌት ዝነጥፉሉ እዋን ክናዋሕ ይገብር። እዚ ድማ ንጽባሒቱ ዝያዳ ንኣልትራቫዮሌት ተቓላዕቲ ክንከውን ይድርኽ።

ስለዚ ሕጽረት ድቃስ ንሓፈሻዊ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕናና ዝጎድእ ምዃኑ መጽናዕትታት የመልክቱ ኣለዉ። ቈርበትና ድማ ካብ ተወሳኺ ድቃስ ረብሓ ዝረክብ ይመስል።

4. ሕብራዊ ኣሕምልቲ ምብላዕ ስሕበት ቈርበትና ክውስኽ ይገበር

ኣሕምልቲ ክትምገቡ ዝያዳ ድርኺት ዘድልየኩም እንተዀይኑ፡ ሓደ ተወሳኺ ምኽንያት ክንህበኩም።

ኣሕምልቲን ኣትክልትን ምምጋብ፡ ቈርበትና ዝያዳ ሰሓቢ ክኸውን ከምዝገብሮ ሳይንስ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ካሮቲኖይድ፡ ኣብ ከም ካሮት፡ ኮሚደረን ኣራንሺን ዝኣመሰሉ ሕብራዊ ፍረታትን ኣሕምልትን ዝርከቡ ቀያሕቲ፡ ኣራንሺን ብጫን ባህርያዊ ሕብሪ ዝህቡ ፒግሜንቶ እዮም።

በዞም መግብታት ዝሃብተመ ኣመጋግባ፡ ዋላ'ውን ብንጹር እንተዘይተራእየ፡ ቆርበት ሰሓቢ ነጸብራቕ ክህልዎ ከምዝሕግዝ መርትዖታት ይሕብሩ።

ኣብ ሓደ መጽናዕቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝዀነ ድሕረ ባይታ ሕብሪ ቈርበት ዘለዎም ገጽ ደቂ ተባዕትዮ ንክግምግማ ተሓቲተን።

እቶም ካብ ሕብራዊ ኣሕምልቲ ብጫ-ቀይሕ ነጸብራቕ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ካብቶም ፍሕሽው ዝበለ ቈርበት ዘለዎም ዝያዳ ሰሓብቲ ከምዝዀኑ እተን ተሳተፍቲ መስኪረን።

እቶም ወርቃዊ ነጸብራቕ ዘለዎም ድማ ገጾም ዝያዳ ከም ማግኔት ዝስሕብ ከምዝዀነ ኣረጋጊጸን።

5. ብርሃን ጸሓይ ከም ሓሽሽ ወልፊ ከትሕዝ ይኽእል'ዩ

እቲ ካብ ብርሃን ጸሓይ ምሟቕ ዝርከብ ባህ ዘብል ስምዒት፡ ቫይታሚን ዲ ንምርካብ ዝግበር ባህርያዊ ድፍኢት ክኸውን ይኽእል እዩ።

እዚ ኣገዳሲ ቪታሚን እዚ ኣብቲ ልዕሊ ቆርበትና ዘይንጡፍ ኰይኑ ይነጽሕ፤ ኣልትራቫዮሌት ጩራታት ጸሓይ ክሳብ ዘኽንቀሳቐሶን ንጡፍ ዝኸውን ድማ ኣብኡ ይጽበ።

ብርሃን ጸሓይ ኣብ ዓለምና'ውን እቲ ብብዝሒ ክርከብ ዝኽእል ካርሲኖጀን ኰይኑ፡ ነዚ ብንጥፈት ምድላይ ድማ መንሽሮ ቆርበት ናይ ምምዕባል ሓደጋ ክውስኽ ይገብር። እዚ ቃል ብቓሉ ወልፊ ጸሓይ ንዘለና ሰባት ፍሉይ ጸገም ዝፈጥር እዩ።

ንብርሃን ጸሓይ ምቅላዕ፡ ቈርበትና ቤታ-ኢንዶርፊን ንኽህልዎ ይድርኽ፡ እዚ ድማ ናብ ደም ኣትዩ ከም ኦፒዶይስ ዝመስል ውጽኢት የስዕብ። ኦፒዮይድስ ምስቶም ቃንዛ ዘቃልሉን ወልፊ ዘለዎምን ሞርፊንን ሄሮይንን ዝርክብዎም ዓሌት ዝምደብ እዩ።

ብሓቂ 20 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ጸሓይ ዝሞቑ ሰባት፡ ንመዐቀኒታት ምልክታት ወልፍን ምጥቃም ንጥረ ነገራትን ዘማልኡ ምልክታት ጽግዕተኛነት ጸሓይ የርእዩ'ዮም።

እዚ 'ታኖረክስያ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኵነታት፡ ናይ ብሓቂ ዘጋጥም ተርእዮ እዩ።

6. ኣብ ትሕቲ ቅልጽም ዝግበር ተኸላ-ባክተርያ ካብ ጨና ኣካላት ክፍውስ ይኽእል'ዩ

ፈተኹም ጸሊእኹም ቈርበትና ልዕሊ 1,000 ዓይነት ባክተርያ ሓዊሱ ብቢልዮናት ዝቑጸሩ ደቀቕቲ ነፍሳት ይስሕብ'ዩ።

ገለ ኣባላት ናይዞም ደቀቕቲ ነፍሳት ንቆርበትና ረብሓታት ክህቡ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ፍጹም ንሕማም ቈርበት ኣበርክቶ ዝገብሩ እዮም።

ንቈርበትና፡ 'ጽቡቕ' ባክተርያ ዘለዎም ፕሮባዮቲክስ ምልካይ፡ እንተላይ ኤክዚማን ፈጸጋን ዝኣመሰሉ ልሙዳት ኵነታት ቈርበት ንምፍዋስ ክሕግዝ ከምዝኽእል ሓድሽ መጽናዕቲ ይሕብር ኣሎ።

'ተኸላ ባክተርያ' ብዝሒ ዘለዎም ባክተርያ ካብ ቆርበት ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ሰብ ናይ ምግዓዝ መስርሕ ኰይኑ፡ ጨና ኣካላት ከይተረፈ ንምፍዋስ ክሕግዝ ይኽእል'ዩ።

ኣብ 2017 ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ካብ ሓደ ፈጺሙ ዘይጨኑ ማንታ ቈርበት ትሽትሹ ተፋሒቑ ናብ ካልእ ብሓያል ጨና ኣካላት ዝሳቐ ማንታኡ ተወሲዱ ክልከይ ተገይሩ።

እቲ ዘገርም፡ ጨና ናይ'ቲ ካልኣይ ማንታ ጠፊኡ፤ እዚ ውጽኢት ድማ ንሓደ ዓመት ጸኒሑ!

7. ውቃጦ ብመሰረቱ ቅሪተ-ኣካላት ዋህዮታት ምክልኻል ሕማም እዮም

ስለምንታይ እዩ ኣብ ግዳማዊ ቈርበትና ዝተሳእለ ቀለም ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ዝጠፍእ?

ስለምንታይ'ከ ንቕሳት ንዕድመ ምሉእ ይጸንሕ? ስለምንታይ ኣብ 5000 ዓመት ዝዕድሚኣ ሙሚ ከይተረፈ ክረአ ይኽእል?

ንቕሳት ማለት ብጸሊም ቀለም ዝተጠልቀየ መርፍእ ካብ ትሕቲ ግዳማዊ ቈርበትን ናብቲ ዝዓሞቐ ቈርበት ዝኣቱ መስርሕ ዘጠቓልል'ዩ።

እቲ መርፍእ ኣብ ካልኢት ብግምት ሚእቲ ግዜ ናብ ቆርበትና ብምውጋእን ኰነ ኢሉ ብዙሕ ደቀቕቲ ቁስሊ ክፈጥር ይግበር።

ኣብ ቆርበት ዝርከቡ 'ማክሮፋጅስ' ብዝብል ዝጽውኡ ዋህዮታት ምክልኻል ሕማም፡ ብብዝሒ ናብቲ ዝተጎድአ ቦታ ይጓየዩ፤ ነቲ ንጥረ ነገራት ቀለም ድማ ባዕዳውያን ባክተርያ ከምዝዀኑ ብምእማን ይውሕጥዎ።

ማክሮፋጅስ ኣዒንቶም ካብ ከብዶም ይዓቢ፣ ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ተቐርቂሮም ይተርፉ።

እቲ ቀለም'ውን ኣብ ውሽጦም ተዓጽዩ፡ ከም ዝተሓላለኸ ቅሪተ-ኣካላት ኣብ መንደቕ በዓቲ ተሸንኪሉ ይተርፍ።

ክትንቀሱ ድሌት እንተሃልይኩም፡ ነቶም ረኽሲ ዝቃለሱ ዘለዉ መሲልዎም ናብ ውግእ ዝኣተዉ፡ ኣብ ክንድኡ ግን ዝተረፈ ዕድሚኦም ኣብቲ ቈርበት ዘሎ ስነ-ጥበብካ ተሰዂዖም ከሕልፉ ዝተረገሙ ንኣሽቱ ዋህዮታትኩም ሕሰቡ።

8. ረሃጽ ፈውሲ ፍቕሪ እዩ

ኣብ ቈርበትና ዝርከቡ ኣፍረይቲ ረሃጽ፡ ቃል ብቓሉ ሸንከሎ ምሉእ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ በምፍናው ንኣካላትና ከዝሕሉ ዓቕሚ ኣለዎም።

ግን ሓደ ፍሉይ ዓይነት ረሃጽ ኣሎ። እዚ ረሃጽ'ዚ፡ ኣብ ከባቢታት ቅልጽምን ሽምጢን ብዝርከቡ ጽክታት ኣፖክሪን ዝፍጠር ኰይኑ፡ ንኣዝዩ ዝተፈልየ ዕላማ እውን የገልግል።

ኣብዚ ረሃጽ ዝርከቡ ፕሮቲናት፡ ሽኮርን ስቴሮይድን ብባክተርያ ቆርበት ተበታቲኖም ጨና ኣካላት ይፈጥሩ።

ሳይንስ ካብቲ ተፈጥሮኣዊ ጨና ዝተፈለዩ ፌሮሞናት እኳ እንተዘይኣለለየ፡ ደቂ ሰባት ግን ብዝዀነ መንገዲ 'ዓይነት ጨና' መጻምድቶም ኣብ ምፍላጥ ብሉጽ ብቕዓት ኣለዎም።

ንነዊሕ እዋን ንእትፈትዎ ሰብ ምሽታት፡ ሕጉስ ተዘክሮታት ክለዓዓልን ደረጃ ጸቕጢ ክቕንስን ይኽእል።

ደቂ ኣንስትዮ ረሃጽ ዘለዎ ቲሸርት ክሽትታ ከለዋ፡ በቶም ረሃጽ ናይቶም ዘይመሳሰል ናይ ምክልኻል ሰረት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ከም ዝስሕባ ኣረጋጊጹ ሓደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ርክብ ቈርበትን ኣፍንጫን ንደቂ ሰባት ምስ ዘመድ ኣዝማድ ካብ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ንኽርሕቑ እውን ክሕግዞም ይኽእል'ዩ።

9. ሕፍረት ማሕበራዊ ስሕተት ከቕልል ይኽእል

ብዙሓት ሰባት ኤሪትሮፎብያ (ፍርሒ ምሕፋር) ኣለዎም፤ ቈርበቶም ከም ዝሓፈሩ ምልክት ክህብ እንከሎ ድማ ደስ ዝብሎም ነገር ኣይኰነን።

ካልኦት ብቈርበቶም ኣቢሎም ናብ ኣእምሮኦም ክርእዩ ዝኽእሉ ኰይኑ'ዩ ዝስምዖም።

ሓደ ሓደ ግዜ ብዘይፍቓድና ክንሓፍር እንከለና መሬት እንተትውሕጠና ንምነ።

ይዅን'ምበር ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ስነ-ኣእምሮኣዊ መጽናዕቲ ግን ምሕፋር ብሓቂ ንእወታዊ ማሕበራዊ ዕላማ ከምዘገልግል ይሕብር።

ክንሓፍረ ከለና ንኻልኦት ሓደ ማሕበራዊ ስርዓት ከምዝተሰብረ ንኸስተውዕሉ ምልክት ይኸውን።

ነቲ ዝተፈጸመ ስሕተት ድማ ይቕሬታ ኣብ ምሕታት ይሕግዝ። እቲ ዝገርም፡ ሓደ ሰብ ማሕበራዊ ጌጋ ድሕሪ ምፍጻሙ እንተሓፊሩ፡ ካብቶም ዘይሓፍሩ ብዝበለጸ ምቹእ ተገይሩ'ዩ ዝረአ።

10. ሎሚ 10 ሚልዮን ሰባት ብቈርበቶም ወይ ብሰንኪ ቈርበቶም ይሳቐዩ

ቈርበት ብሉጽ ማሕበራዊ ኣካል እዩ፤ እቲ ዘሕዝን ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ዝኸፍአ ደረጃ ሰብኣውነት እዩ ዘርኢ።

ኣልቢኒዝም ወይ ስረታዊ ህላወ ናይቲ ንቆርበት ጸሊም ቀለም ዝህብ ሜላኒን ዘይብሎም ሰባት፡ ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ንዅሉ ዓይነት መንሽሮ ቈርበት ይቃልዑ።

ናይ ምሉእ ዕድመ መከላኸሊ ጸሓይ ከምኡ'ውን ጽፉፍ ኣቓልቦን ሕክምናን እንተዘይተገይሩሎም ድማ ህይወቶም ብዘሕዝን መንገዲ ይሓጽር።

ንገለ ኣልቢኒዝም ዘለዎም ሰባት ግን ካልእ ዝፈርሕዎ ብዙሕ ነገር ኣሎ - ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ።

ስስዐ ጠንቆልቲን ድኽነት ህዝቢ ገጠርን፡ ክፍሊ ኣካላት ኣልቢኖ ንጽቡቕ ዕድል፡ ሃብትን ፖለቲካዊ ስልጣንን ከምጽእ ይኽእል'ዩ ንዝብል እምነት ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

ምሉእ ኣካላት ኣልቢኖ ዘለዎ ሰብ ክሳብ 100,000 ዶላር ክሽየጥ ኣብ ዝኽእልሉ እዋን፡ ጠንቆልቲ ንቕትለት ዝተመልመሉ ሰባት ኣብ ምርካብ ዘይምጽጋሞም ምርዳእ ይከኣል፤ እዚ ጨካን ተግባር ድማ ብዘሕዝን መንገዲ እናወሰኸ ይርከብ።