እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጥዕና፡ ናይቶም ኣብ ቈርበትና ዝርከቡ ናእሽቱ ባክቴርያታት ረብሓ እንታይ'ዩ?
ኣብ ቈርበትና ብቢልዮናት ዝቑጸሩ ባክቴሪያ፡ ቫይረሳትን ዕሲን [ፋንገስ] ኣለው።
ቈርበትና ብመጉልሒ መነጽር እንተተራእዩ ካብ 10 ሽሕ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ባክቴሪያ ይርከቡዎ።
እዞም ዘይርኣዩ ባክቴሪያታት ኣብ ጥዕናና ልዑል እጃም ስለዘለዎም ከነወግዶም የብልናን።
ኣብ መዓናጡና ብዓይንኻ ዘይርኣዩ ብርክት ዝበሉ ባክቴሪያታት ኣለው።
ባክቴርያ፡ ቫይረስ፡ ዕሲን ካልኦት ንኣሽቱ ነፍሳት ሕማም ሽኮር፡ ኣዝማ፡ ጭንቀትን ካልኦት ሕማማትን ናይ ምክልኻል ተራ ኣለዎም።
ናይቶም ኣብ ቈርበትና ዝርከቡ ባክቴርያ ተራ ከኣ ካብዚ ዝዛየደ እዩ።
ንኣብነት፡ ገለ ኬሚካላት ኣካላትና ምስ ዝትንክፉ፡ ነቲ ኬሚካላት ብምብታን ስርዓተ ምክልኻል ኣካላትና ከምዝውስኽ ይገብሩ።
ድሕሪ መዓናጡና ዝበዝሑ ባክቴሪያ ኣብ ቈርበትና እዮም ዝርከቡ።
“ቈርበት ምስ ካልኦት ክፋላት ኣካላትና ክነጻጸር እንከሎ፡ ደረቕ ስለ ዝዀነ፡ ንሚልዮናት ዓመታት ንዝማዕበሉ ሚልዮናት ባክተርያ ዝተቓልዐ እዩ” ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሆል ዓባይ ብሪጣንያ እትምህር ሆሊ ዊንክሰን።
እዚ ፍልቀት እዚ ኣገዳሲ ምዃኑ ከኣ ትገልጽ።
ባክተርያ ኣብ ቈርበትና ክነብርሉ ዝደልዩዎ ክፋላት ይመርጹ እዮም።
‘ኩቲባክተርየም’ ዝበሃል ዓይነት ባክተርያ ኣብ ግንባር፡ ኣፍንጫን ሕቘን ይርከብ።
‘ስታፊሎኮከስን ኮሪባክተርየምን’ ድማ ኣብ ቱሽቱሽና ይነብሩ።
‘ፕሮፒኒባክተርየም’ ከኣ ኣብ መንጐ ኣጻብዕቲ እግሪ ይርከብ።
ከም ቅልጽምን እግርን ዝኣመሰሉ ከባቢታት ግን ደረቕ ስለ ዝዀኑ ንባክተርያ ኣይምችኡን።
ንዘመናት እዞም ደቀቕቲ ባክቴሪያታት ኣብ ደቂ ሰባት ጽግዕተኛ ኰይኖም ምንባር ለሚዶም እዮም። መግቢ’ውን ይረኽቡ።
ሰብነትና ክወሩ ንዝመጽኡ ዕብየትና ዘሰናኽሉን ኬሚካላት ከም ዝዓግቱ ከኣ እታ ክኢላ ትዛረብ።
ጽግዕተኛ ካልኦት እንስሳት ኰይኖም ዝነብሩ ባክቴሪያታት’ውን ኣለው።
ልክዕ ከምቶም ኣብ መዓናጡ ዝርከቡ ባክቴሪያ፡ ኣብ ቈርበትና ዘለው ባክቴሪያታት ድማ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንምህናጽ ወይ ንሰብነትና ንምልማድ ከም ዝሕግዙ ተመራመርቲ ይገልጹ።
ሰብነትና፡ ካብ እዋን ቍልዕነት ጀሚሩ ነየኒኦም ባክቴሪያታት ክከላኸል ከም ዘለዎምን ነየንኦም ክቕበል ከም ዘለዎን የላምዱዎ።
እዚ ድማ፡ ንኣለርጂ ናይ ምቅላዕ ተኽሎታት ከምዝንኪ ይገብር።
እዞም ንኣሽቱ ኣብ ቈርበትና ዝነብሩ ባክቴሪያታት ቈርበትና ክልስልስን ነቲ እንርእዮ መልክዑ ሒዙ ከምዝቕጽል ይገብሩ።
ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ዘሎ ፈሳሲ ብምሕላው እርጋን ቈርበት ይከላኸሉ።
መርዛም ኬሚካላት ንቈርበትና ልሒዀም ከይኣትውን ማይ ከይንስእንን’ውን ይከላኸሉ።
ላዕለዋይ ክፍሊ ቈርበትና ስትራተም ኮርነም ይብሃል።
እዚ ኮርኒሳይትስ ካብ ዝተባህለ ዝሞቱ ህዋሳት ዝተሰርሐ እዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማንቸስተር ክኢላ ምርመር ቈርበት ፕሮፌሰር ካትሪን ኦኒል፡ “ኣዝዩ ጽኑዕ ማይ ዘይኣትዎን ክፍሊ ቈርበት እዩ። ዝናብ ክሃርመና እንከሎ ቈርበትና ዘይህሰ ብምኽንያት እዚ ክፍሊ ቈርበት እዩ” ትብል።
ቀጺሎም ዝርከቡ ተደራረብቲ ክፋላት ቈርበት ካራቲንሳይንትስ ይብሃሉ።
እዚኦም ኣብ መንጐ ህዋሳት ቈርበት ዝርከቡ ንኣሽቱ ክፍተታት ኰይኖም ማይ የሕልፉ።
“እዚ ክፍሊ፡ ኵሉ ነገር ሒዙ ዝነብር እዩ” ትብል ፕሮፌሰር ካትሪን።
ማይ ዘየማህምኖ ሊፒድ ዝተባህለ ህዋስ ንክፈሪ፡ ንኣሽቱ ባክቴሪያታት ናብ ቈርበትና መልእኽቲ የመሓላልፉ።
እቶም ባክቴሪያ’ውን ሊፒድ የመንጭው።
ኵቲ ባክቴሪያ ዝተባህለ ዓይነት ባክቴሪያ ኣዝዩ ልዑል መጠን ሊፒድ ዘለዎ፡ ‘ሴቡም’ ዝተባህለ ንጥረ ነገር ከምዝፈሪ ይገብር።
እቲ ንጥረ ነገር፡ ቈርበትና ማይ ንክሕዝን ንከይደርቕን ጥዕናኡ ንክሕሎን ይሕግዞ።
ኣብ ቈርበትና ዘሎ መጠን ንኣሽቱ ባክቴሪያታት ዘይመጣጠን ክኸውን እንከሎ ግን ንሓደጋ የቃልዓና።
ኣቶፒክ ደርምስታይተስ ዝተባህለ ሕማም ቈርበት ዝርከቦም፡ ምቅጻል፡ ምሕባጥ፡ ምቕራፍ፡ ምድራቕ፡ ምስንጣቕን ካልኦት ምልክታትን ዘለዎም ሕማማት ቈርበት ይኽሰቱ።
እዚ ሕማማት ግን ብባክቴሪያ ቈርበት ዝመጽእ እዩ ክበሃል ኣይከኣልን እዩ።
እዞም ሕማማት፡ ባህሪ እቲ ናይ ቈርበት ባክቴሪያ ስለ ዝቕይሩዎ’ውን ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ግልጺ ኣይኰነን።
ብቐጥታ ምስቶም ባክቴሪያታት ክተኣሳሰር ዝኽእል ምእራግ ቈርበት እዩ።
ዕድመ ክውስኽ እንከሎ ዓይነት እቶም ኣብ ቈርበትና ዘለው ባክቴሪያታት ይቕየር።
መጠን ኣብ ቈርበትና ዘለው ጠቐምቲ ባክቴሪያታት እውን እናነከየ ብጐዳእቲ ባክቴሪያታት ይትካእ።
እቶም ንቈርበትና ጠቐምቲ ዝዀኑ ባክቴሪያታት ረኽሲ [ኢንፌክሽን] ከምኡ’ውን ድርቀት ቈርበት ዝከላኸሉ እዮም።
ሆሊ ከም እትብሎ፡ ምህርቲ ሊፒድ ዘተባብዑ ዓይነታት ባክቴሪያ ክንክዩ እንከለው፡ ቈርበት ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት እናደረቐ ይኸይድ።
“እዚ ድማ፡ ንረኽሲ ቈርበት እትቃልዓሉ ዕድላት ይወስኽ። ብኸምኡ ከኣ እዩ ዕድመ ክንውስኽ እንከለና ቈርበትና ቀልጢፉ ዝጕዳእ” ትብል።
እቶም ጐዳእቲ ዓይነታት ባክቴሪያ፡ ካብ ሕማምና ቀልጢፍና ንከይንሓዊ ይድሩቱና።
ክኢላ መጽናዕቲ ቈርበት ኤልሳቤጥ ግሪስ፡ ባክቴሪያ ቈርበት ጐዳኢ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ካብ ሕማም እንሓውየሉ ግዜ ይነውሕ ትብል።
ዓይነት ኣብ ቈርበትና ዘሎ ባክቴሪያ ብምርኣይ፡ ካብ ሕማም እንፍወሰሉ ግዜ ንምዕቃን ምርምር ተኻይዱ እዩ።
“ንዘይፍወስ ሕማም ዝቃልዑ ሰባት እንታዎት ከም ዝዀኑ ኣብ ቀረባ ዓመታት ክንፈልጥ ኢና ኢልና ተስፋ ንገብር። ኣቐዲምና እንተፈሊጥና ድማ፡ ኣቐዲምና ሕክምና ክንህብ ክንክእል ኢና። እቲ ሕክምና ረኽሲ ዘለዎ ቦታ ምውጋድ ወይ ከኣ እግሪ ምቑራጽ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ክትብል ተረድእ።
ብኻልእ ወገን፡ ንኣሽቱ ባክቴሪያታት ቈርበት ቀልጢፍና ካብ ሕማማት ንክንፍወስ ከም ዝሕግዙ ገለ መጽናዕቲታት የመልክቱ።
ኣብ ፈርዒ [ጅን] ጕድኣት ካብ ዘብጽሕ ጸርጊ [ኣልትራቫዮሌት ሬድየሽን] እዞም ባክቴሪያታት ከም ዝከላኸሉዎ የርእዩ።
ቈርበት ብተፈጥርኡ ካብ ጸርጊ ንነብሱ ክከላኸል ይኽእል’ዩ።
ፕሮፌሰር ካትሪን ከም እትብሎ፡ እቶም ባክቴሪያታት ምርባሕ ደው ከብሉ እንከለው ፈርዒ ሰብነት ንገዛእ ነብሱ ይሕክም።
“[ነቲ ሕማም] ክፍውሱዎ እንተዘይክኢሎም፡ እቶም ህዋሳት ንገዛእ ነብሶም ይቐትሉ” ትብል።
ጌና ንሕትመት ዘይበቕዐ መጽናዕቲ ፕሮፌሰር ካትሪን፡ ንኣሽቱ ባክቴሪያታት ቈርበት እንተዘይሃልዮም’ውን፡ ዝተጐድአ ክፍሊ ፈርዒ ኣብ ዘለወሉ እውን እንተዀነ ህዋሳት ቈርበት ከም ዝራብሑ የመልክት።
“ካብ ሕበጥ ንምክልኻል ኣዝዩ ጠቓሚ መገዲ እዩ፤ ነዚ ንኣሽቱ ባክቴሪያታት ቈርበት ዝለዓለ ብጽሒት ኣለዎም” ኢላ።
ኣብ ኣናጹ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ እዞም ባክቴሪያታት፡ ንጸርጊ ንኸይትቃላዕ ይሕግዙ።
ዋላ’ውን ቈርበት ሰብነት ጕድኣት እንተበጽሖ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከዕብዩ ይኽእሉ’ዮም።
ቈርበት ንጸርጊ ክቃላዕ እንከሎ ዝፍጠር ምቅጻል ብምሕካም ረኽሲ ሰብነት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ’ውን ኣለዎም።
ኣብ ልዕሊ ቈርበት ዝፍጠር ጕድኣት መስርሕ ምብልላዕ መግቢ ሰብነት ክልውጦ ከም ዝኽእል ኣብ ቀረባ ዝተኻየዱ መጽናዕቲታት የመልክቱ።
ሓላፊ ኤስ-ባዮሜትሪክ በርናንድ ፓዞልድ፡ ዘይስሩዕ ኣመጋግባ ኣብ ልዕሊ ቈርበት ልዑል ጽልዋ ከም ዘሕድር ይገልጽ።
“ቈርበትና ጸገም ከጋጥሞ እንከሎ ውጽኣት ክሕዘና ይኽእል፤ ዘይስሩዕ ኣመጋግባ ድማ ኣብ ልዕሊ ቈርበትና ጕድኣት እዩ ዘስዕብ። ንሓድሕዶም ተመጋገብቲ’ዮም” ኢሉ።
ባክቴሪያታት ቈርበት ሰብነት ምስ ኣሰራርሓ ሓንጐል ዘለዎም ምትእስሳር ንምፍላጥ መጽናዕቲ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ቀረባ እዋን 20 ሰባት ንኣእምሮኦም ዝፍትን ዕዮ ተዋሂቡዎም ምስ ባክቴሪያ ቈርበት ዘለዎ ምትእስሳር ንምርዳእ ጻዕሪ ተገይሩ ኣሎ።
ኣብ ገንበር ዘሎ መጠን ባክቴሪያ ክንኪ እንከሎ ትኹረት ኣእምሮ ከም ዝውስኽ ድማ እቲ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
ነዚ’ዩ ጠቐምቲን ጐዳእቲን ባክቴሪያታት ቈርበት ምፍላይ ዘድሊ።
ጐዳኢ ባክቴሪያ ቈርበት ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እቶም ጠቐምቲ’ውን ሓቢሮም ክውገዱ ዝኽእልሉ ዕድል ግን ኣሎ።
ኣብ ከባቢና ዘለው ነገራት ንዓይነት ባክቴሪያ ቈርበትና ይጸልውዎ’ዮም። መመላኻዕቲ ቈርበት’ውን ከምኡ።