ኪም ጆንግ ኡን ምስ ፑቲንን ካልኦት መራሕትን ኣብ ወተሃደራዊ ምርኢት ቻይና ክርከብ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፡ ኣብቲ ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ኣብ በይዢንግ ዝካየድ ወተሃደራዊ ምርኢት ከም ዝርከብ ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ኣፍሊጡ። ኪም ጆንግ መራሕቲ ዓለም ኣብ ዝተረኸበሉ ዓቢ ዓለምለኻዊ መድረኽ ክርከብ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።
እዚ "መዓልቲ ዓወት" ተባሂሉ ዝፅዋዕ ምርኢት፡ መበል 80 ዓመት ቻይና ኣንፃር ጃፓን ዝገበረቶ ኵናትን ምብቃዕ ካልኣይ ኵናት ዓለምን ንምዝካር ዝዓለመ እዩ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፒቲን'ውን፡ ካብ መንጎ ኣብቲ ወተሃደራዊ ምርኢት ክርከቡ ትፅቢት ዝግበረሎም 26 መራሕቲ ሃገራት እዩ። ፕረዚደንት አመርካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንኪም ጆንግ ኡን ክረኽቦ ከም ዝደሊ ኣብ ዝገለፀሉ ድሕሪ መዓልታት'ዩ፡ እዚ ወተሃደራዊ ምርኢት ክካየድ።
ቻይና፡ ኣማኢት ነፈርቲ ኵናት፡ ታንክታትን ቴክኖሎጂ ፀረ ድሮንን ሓዊሱ፡ ሓደሽቲ ኣፅዋራታ ንፈለማ እዋን ኣብዚ ወተሃደራዊ ፅንብል ከተርኢ ትፅቢት ይግበር።
ኣብቲ ኣዝዩ ዝተዋደደ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቻይና ተባሂሎም ካብ ዝፅውዑ 45 ወተሃደራዊ ኣሃዱታትን ገዳይም ወተሃደራትን ሓዊሱ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝፀሩ ወተሃደራት ኣብ ኣደባባይ ቲያናንመን ክስለፉ'ዮም።
እቲ መራሒ ቻይና ሺ ጂፒንግ ብጥንቃቐ እናተኸታተሎ ን70 ደቓይቕ ዝካየድ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ተንተንትን ምዕራባውያን ሓያላት ሃገራትን ብቐረባ ክከታተልዎ ትፅቢት ይግበር።
ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ፒዮንግያ ዝዀነት በይዢንግ፡ ንረዚንን ነዊሕ ዝፀንሐን ምሕዝነት ጐረቤታ ሰሜን ኮርያ ብምንኣድ፡ ክልቲአን ሃገራት "ኣብ ሰላምን ርግኣትን እቲ ዞባ" ምስራሐን ከም ዝቕፅላ ገሊፁ።
ኪም ጆንግ ኡን ሎሚ ዝርከበሉ ወተሃደራዊ ምርኢት ቻይና ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ 2015 ላዕለዋይ ብዓልመዚ ፒዮንግያንግ ቹ ርዮንግ ሄ ዝተልኣኸሉ ፅንብል ዓወት ቻይና ክነጻጸር እንከሎ ዝተፈልየ ዓቢ ትርጕም ኣለዎ።
ኪም ኣብቲ ኣብ በይዢንግ ዝካየድ ወተሃደራዊ ምርኢት ምስ ፑቲንን ሺ ጂፒንግን ደው ምባሉ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ መልእኽቲ ዘሕልፍን ምሳልያውን ህሞት ክኸውን እዩ።
ንሺ ጂፒንግ'ውን ግና ዓቢ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ክኸውን'ዩ።
ፕረዚደንት ኣመርካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኵናት ዩክረይን ንምግታእ ምስ ፑቲን ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ይፍትን ኣሎ።
ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ንመራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፡ ንኻልኣይ ግዜ ክረኽቦ ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
መራሒ ቻይና ሺ ጂፒንግ ዓለማዊ ፖለቲካ እዚ እዋን ኣብ ቍፅፅሩ ከም ዘሎ ብዘይገለ ቃላት መልእኽቲ እዩ ዘሕልፍ ዘሎ። ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም መራሕቲ (ኪም ጆንግ ኡንን ቭላድሚር ፑቲንን) ፅልዋ ኣለዎ፡ ግና ድሩት እዩ።
ሰለስቲኦም መራሕቲ ዝራኸብሉ እዋን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ዋይት ሃውስ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መወዳእታ ዝመፅእ ጥቅምቲ ናብቲ ዞባ ብምምራሕ ምስ ሺ ጂፒንግ ክዘራረብ ከም ዝኽእል ኣአንፊቱ።
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ በይጂንግ ምብፃሕ ካብ ዘካይድ ሽድሽተ ዓመታት ተቘፂሮም።
ኣብ 2019 መበል 70 ዓመት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምፅንባል ናብ በይጂንግ በፂሑ ነይሩ።
መራሒ እታ ካብ ዓለም ዝተነፀለት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፡ ሳሕቲ'ዩ ዓለምለኻዊ መገሻታት ዘካይድ። ናብ በይጂንግ ግና ኣብ 2018 ሰለስተ ግዜ ዑደት ከም ዝገበረ ይፍለጥ።
ብዙሓት መራሕቲ ምዕራባውያን ሃገራት ብሰንኪ ኵናት ዩክረይን ምስ መራሒ ሩስያ ብዘለዎም ኣፈላላይ፡ ኣብዚ ናይ ቻይና ወተሃደራዊ ፅንብል ክርከቡ ትፅቢት ኣይግበርን።
ጃፓን፡ እቲ ብዓል "ፀረ ጃፓን መልእኽቲ ዘለዎ'ዩ" ብምባል፡ መራሕቲ ዓለም ኣብ ፅንብል ዓወት ቻይና ከይርከቡ ፀዊዓ ነይራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







