ኣመሪካን ቻይናን፡ ዝጸንሐን ንግዳዊ ወጥሪ ዘህድእ ውጥን ከም ዝሓንጸጻ ገሊጸን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣመሪካን ቻይናን ኣብ ሓድሕደን ዝጸንሐ ንግዳዊ ወጥሪ ከዝሕላ ብመትከል ከም ዝተሰማምዓ ይገልጻ።
ምኒስተር ንግዲ ኣመሪካ ሃዋርድ ሉትኒክ፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ ፍሉያት ኣገደስቲ ማዕድናትን ማግኔታትን ዝጸንሐ ገደብ ክፈትሕ ክኽእል ኣለዎ ኢሉ።
እቶም ብሰኑይ ኣብ ለንደን ዝተራኸቡ ልኡኻት ናይዘን ኣብ ቍጠባ ዓለም ዝለዓለ እጃም ዘለወን ዓበይቲ ሃገራት፡ እቲ ዝተሰማምዕሉ ውጥን ንምጽዳቕ ናብ ፕረዚደንታት ዶናልድ ትራምፕን ሺ ጂንፒንን ከም ዝወስዱዎ ገሊጾም።
እዚ ዝተገልጸ፡ ኣብ መንጐ ላዕለዎት ሰበስልጣን በይጂንን ዋሽንግተንን ንኽልተ መዓልታት ኣብ ለንደን ድሕሪ ዝተኻየደ ዘተ እዩ።
እቲ ቻይና እትልእኮ ንዘመናዊ ቴክኖሎጂ ወሳኒ ዝዀነ ፍሉይ ማዕድናት ሓደ ካብቶም ቀንዲ ናይቲ ኣጀንዳታት ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ክልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ንግዳዊ ቀረጽ ግዝያዊ ዕርቂ ክገብራ ተሰማሚዐን እኳ እንተ ነበራ፡ ካብ ሽዑ ጀሚረን ግን እታ ሓንቲ ውዕል ከም ዘፍረሰት ሓድሕደን ክካሰሳ ጸኒሐን።
ኣመሪካ፡ ቻይና ካብ ተሌፎናት ክሳብ ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ንምፍራይ ኣገደስቲ ዝዀኑ ሓጻውንን ማግኔታትን ክትሰድድ ደንጉያ ከም ዘላ ገሊጻ።
ማዕረ ማዕረኡ ድማ ዋሽንግተን፡ ቻይና እትደልዮም ከም ሰሚኮንዳክተራትን ካልኦት ምስ ኪነታዊ-ብልሒ (AI) ዝተኣሳሰሩ ቴክኖሎጂታትን ዝኣመሰሉ ፍርያት ኣመሪካ ካብ ምርካብ ደሪታታ ኣላ።
ሉትኒክ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ናይ ጀነቫ ምርድዳእ ንምትግባር ኣብ ሓደ ደረጃ በጺሕና ኣለና፡" ኢሉ።
"እቶም ፕረዚደንታት ምስ ኣጽደቕዎ፡ ንምትግባሩ ክንጽዕር ኢና፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ ሓድሽ ዙርያ ዘተ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጐ ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ቻይና ሺ ጂንፒንን ድሕሪ ዝተገብረ ዝርርብ ተሌፎን ዝሰዓበ እዩ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ድማ ንርክቦም፡ "ኣዝዩ ጽቡቕ ወግዒ፡" ክብል ገሊጹዎ።
ምክትል ምኒስተር ንግዲ ቻይና ሊ ቸንጋንግ፡ ክልተኦም ወገናት ነቲ ፕረዚደንታቶም ብ5 ሰነ ዝገበሩዎ ናይ ተሌፎን ዝርርብን ኣብ ኣኼባ ጀነቫ ዝተበጽሐ ምርድዳእን ንምትግባር ኣብ ሓደ ዘሰማምዕ ነጥቢ ከም ዝበጽሑ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ካብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ናብ ሃገሩ ኣብ ዝኣቱ ንብረት ስፍሕ ዝበለ ቀረጽ ከም ዝስልዕ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ቻይና ብኸቢድ ተሃስያ እያ። በይጂን'ውን ኣብ ልዕሊ ኣቝሑ ኣመሪካ ልዑል ቀረጽ ብምንባር ምላሽ ሂባ። በዚ ድማ ሓድሕደን ክተሃላለኻ ቀረጽ ክሳብ 145 ሚእታዊት በጺሑ።
ኣብ ግንቦት፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ብዝተኻየደ ዝርርብ፡ ትራምፕ "ፍጹም ዳግመ ምትዕርራይ" ዝበሎ ግዝያዊ ዕርቂ ስዒቡ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ቻይና ዝነበራ ቀረጽ ናብ 30 ሚእታዊት ክወርድ እንከሎ፡ በይጂን ድማ ኣብ ልዕሊ ኣቝሑ ኣመሪካ ዝነበራ ቀረጽ ናብ 10 ሚእታዊት ከም ዝቐነሰትን ኣብ ወሳኒ ሰደድ ማዕድናት ዝነበረ ዕንቅፋታት ከም ዝልዓልን ቃል ኣትያ።
እቲ ስምምዕ ንኽልተኦም ወገናት ኣብ ንግዳዊ ስምምዕ ንምብጻሕ ንኽጽዕሩ፡ 90 መዓልታት ገደብ ግዜ ሂቡዎም።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን እቲ ዝምድናታት ዝደኸመ ይመስል። ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ "[ቻይና] ምሳና ዝገበረቶ ስምምዕ ፍጹም ጥሒሳ፡" ክብል ድሕሪ ምግላጹ፡ ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት ድማ ቻይና፡ ኣመሪካ ነቲ ስምምዕ ብኸቢድ ጥሒሳ፡" ኢላ።
ወኪል ንግዲ ኣመሪካ ጄሚሰን ግሪር ቻይና ኣብ ሰደድ ፍሉያት መዓድናትን ማግኔትን ንዘንበረቶ እገዳታት ከተልዕሎ ከም ዘይከኣለት ገሊጹ።
በይጂን ብወገና፡ ኣመሪካ ነቲ ዝኣተወቶ ስምምዕ ብምጥሓስ፡ መሸጣ ሶፍትዌር ዲዛይናት (ቺፕ ኮምፒዩተር) ደው ብምባል፡ ሰባት ብኹባንያ ሁዋዌ ዝስራሕ ቺፕ ከይጥቀሙን ቻይናውያን ተምሃሮ ቪዛ ከይረኽቡን ከም ዝገበረት ከሲሳ።
ምኒስትሪ ንግዲ ቻይና ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዝቐረበሎም ሕቶታት ፍሉያት መዓድናት ክልኣኽ ከም ዘጽደቐ እኳ እንተ ገለጸ፡ ንኣየኖት ሃገራት ከም ዘጠቓልል ግን ኣይገለጸን።
ትራምፕ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ሺ ንግዲ ፍሉያት መዓድናት ዳግማይ ክጅምር ከም ዝተሰማምዐ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







