ካብ 32 መራሕቲ ሓደ ጥራይ ዝስመዓሉ ኣኼባ ኔቶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃገራት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ - ኔቶ፡ ኣብ ሄግ ኣኼባ ንምክያድ ኣብ ዝዳለዋሉ ዘለዋ፡ ኣብ ክንዲ ኵለን ዝሰማማዓሉ ሓሳብ ሓደ ሰብ ጥራይ ዓብሊሉ ክወጽእ ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።
ዋና ጸሓፊ ኔቶ ማርክ ርተ፡ ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ንኔቶ ዝህቦ ገንዘብን ወተሃደራዊ ንዋትን ብገዚፍ ከጕድሎ ዘንቀሎ ሓሳብ ንምቕያር ዓቢ ዕዮ ገዛ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ'ሎ።
ኣኼባ ኔቶ ወጥሪ ኣመሪካን ኤውሮጳን ኣብ ዝልዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ ክካየድ ብምዃኑ ኣመሪካ ንኔቶ ትምውሎ ዝነበረት ሰፍ ዘይብል ሰልዲ ናብ እንግድዓ ሃገራት ኤውሮጳ ክጸዓን ከም ዝኽእል'ዩ ዝግመት።
ትራምፕ'ውን ኣቐድም ኣቢሉ ነዚ ደጋጊሙ ክዛረበሉ ጸኒሑ'ዩ።
ምስ ዶናልድ ትራምፕ ጽቡቕ ርክብ ዘለዎ ዋና ጸሓፊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ማርክ ርተ ክሳብ ሕጂ ንትራምፕ ንምእማን ዝገበሮ ፈተነ ክሰልጦ ኣይከኣለን።
ኣኼባ ኣባላት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ዝመጽእ ሰሉስን ረቡዕን'ዩ ክካየድ።
ብጠለብ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እቲ ቀንዲ ኣኼባ ንሰለስተ ሰዓታት ጥራይ ክካየድን፡ ደምዳሚ መግለጺ ናይቲ ኣኼባ ካብ ሓሙሽተ ገጽ ኣይክዛይድን'ዩ።
ኣብቲ ኣኼባ መራሕቲ 32 መራሕቲ ኣባላት ኔቶ ክሳተፉ'ዮም፡ ዶናልድ ትራምፕ ከኣ ሓደ ካብኦም'ዮም።
ካልኦት መራሕቲ መሓዙት ኔቶ ዝዀና ሃገራት'ውን ክሳተፉ'ዮም።
ነቲ ኣኼባ ብጽፈት ንምክያድ መንግስቲ ሆላንድ፡ ኣብ ታሪኹ ዝልዓለ ባጀት ሰሊዑ ኣሎ፣ ናይዚ ኣኼባ ጸጥታ ንምኽባር 210 ሚልዮን ዶላር ተሰሊዑ ኣሎ።
ሃገራት ኤውሮጳ ንኔቶ ካብ ዝወጽእ ባጀት 30 ሚእታዊት ጥራይ'የን ዝሽፍና።
ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ ዘሎ ሃጓፍ ንምሽፋን ካብ ጃምላ ሃገራዊ እቶተን ነቲ 5 ሚእታዊት ንምክልኻል ክስልዐኦ'የን ዝሕተታ ዘለዋ።
ድሮ ነዚ ከተግብረኦ ክቀራረባ ዝጀመራ ሃገራት'ውን ኣለዋ።
እተን ዝበዝሓ ሃገራት ግን ካብ 2 ሚእታዊት ክሓልፋ ኣይከኣላን ዘለዋ።
ኣብዚ ኣኼባ፡ ጉዳይ ኵናት ሩስያንን ዩክረይንን ከምኡ ከኣ እስራኤልን ኢራንን ክዝተየሉ ዓቢ ትጽቢት ኣሎ።
ዋና ጸሓፊ ኔቶ ማርክ ርተ፡ ኵለን ኣባላት ኔቶ ካብ ጃምላ ሃገራዊ እቶተን 3.5 ሚእታዊት ንምክልኻል ክስልዓ እቲ ዝተረፈ 1.5 ምእታዊት ከኣ ምስ ምክልኻል ኣብ ዝተሓሓዝ ነገራት ክስልዐኦ'ዩ ጸቒጡ ዝዘራረብ ዘሎ።
እዚ ከኣ ካብ 2032 ክሳብ 2035 ኣብ ዘሎ ግዜ ተግባራዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ቅማረ ወጺኡ ኣሎ።
ቀዳማይ ምኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ሰር ኬር ስታመር ሃገሩ ካብ ጃምላዊ ሃገራዊ እቶታ ካብ መዓስ ጀሚራ ናብ 3 ሚእታዊት ክብ ከም እተብሎ ኣየፍለጠን ዘሎ።
ብዙሓት ተንተንቲ ግን ትራምፕ፡ ናብዚ ኣኼባ ከስምዕ'ምበር ክሰምዕ ኢሉ ከም ዘይክይድ ይዛረቡ። እቶም ካልኦት መራሕቲ'ውን ክሰምዑ'ምበር ከስምዑ ከም ዘይክእሉ ይፈልጡ'ዮም ይብሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







