መራሒ ኔቶ፡ ወጻኢታት ምክልኻል ኣባል ሃገራት ብምዕባይ ንትራምፕ ከሐጕስ ይብገስ

ምንጪ ስእሊ, EPA
መራሒ ወተሃደራዊ ኪዳን ኣትላንቲክ ማርክ ሩት፡ ኣብ 2016 ዘጓነፈ ፍጻመ ምእንቲ ከይድገም፡ ኣብዚ ዝካየድ ዋዕላ ኔቶ ሓሳባት ትራምፕ ክዕወት ክሰርሕ ከም ዝደሊ ተገሊጹ።
ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ መሓዙት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ከፈልቲ ግብሪ ኣመሪካ ስለ ዝምርኰሳ፡ ኣብ ምክልኻል እኹል ወጻኢታት ከም ዘይገብራ ነቒፉ ነይሩ።
ትራምፕ ንሓባራዊ ዝምድናታት ከም ናይ እንካን-ሃባን ርክብ ገይሩ እዩ ዝርእዮ - ዋላ ንሓባራዊ ጉዳያት ድሕነት።
ስለዝዀነ፡ ሩት ብሓሙስ ኣብ ብራስለስ ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣባላት ኔቶ 5 ሚእታዊት ካብ ሓፈሻዊ ግምጃ እቶተን (GDP) ንምክልኻል ክስልዓ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
እዚ ድማ ምስቲ ትራምፕ ብግልጺ ክጽውዖ ዝጸንሐ ዝቃዶ እዩ።
እዚ ዝጥለብ ዘሎ ወሰኽ፡ ኣባላት ኔቶ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ካብ ሓፈሻዊ ግምጃ እቶተን 2 ሚእታዊት ክስልዓ ሓንጺጸንኦ ዝነበራ ልዕሊ ዕጽፊ ክኸውን እዩ፣ ንብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ድማ ዓቢይ ግድል ክዀነን እዩ።
እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ፡ ንሩስያ ንምዕጋት ዝዓለመ ድዩ ወይስ ንዶናልድ ትራምፕ ንምህዳእ - ገሊኦም ዝሓቱዎ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ርተ ምእንቲ ዘተ ክብል ገለ ነገር ምሕዳጉ ነቲ ጾር ቍሩብ ከቃልሎ እዩ። ሃገራት ንኣውራ ወጻኢታት ምክልኻለን ናብ 3.5 ሚእታዊት ካብ ሓፈሻዊ ግምጃ እቶተን ክብ ከብልኦ ክጠልብ እንከሎ፡ እቲ ዝተረፈ 1.5 ሚእታዊት ድማ ምስ ምክልኻል ኣብ ዝተኣሳሰሩ ወጻኢታት ከውዕልኦ ይሓትት።
እዚ ኣበሃህላ ንጹር ስለ ዘይኰነ፡ ክተዓጻጸፉ ከኽእሎም እዩ። ርተ፡ ንህንጸት መሰረተ-ልምዓትን ኢንዱስትሪን ከጠቓልል ከም ዝኽእል ይገልጽ።
ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ነቲ ሓድሽ ውጥን ከም እትሰማምዓሉ ብምግላጽ፡ ኣመሪካ ድሮ'ውን 3.4 ሚእታዊት ንምክልኻላ ስለ እተውጽእ ዝቐለለ ከም ዝኸውን ሓቢሩ።
እቲ ሓቀኛ ብድሆ እቲ ዝተኣትወ መብጽዓ ዘይኰነስ ብሓቂ ይሰርሕ ድዩ ኣይሰርሕን ዝብል እዩ። እቶም ኣብ ሄግ ክሰማምዑ ትጽቢት ዝግበረሎም መራሕቲ፡ ሃገራቶም ነቲ ሓድሽ ዕላማ ንምዕዋት ኣብ ዘድልየሉ እዋን ክጠፍኡ እዮም።
ክሳዕ ሕጂ ንጹር መደብ የሎን፣ ምናልባት ግን ኣስታት 10 ዓመት ክወስድ እዩ። ኔቶ እውን ነቲ ዕላማ ንዘየማልኣ ሃገራት ሓቀኛ መቕጻዕቲ የብሉን። ውሑዳት ሃገራት ገና ነቲ ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝተቐመጠ ሸቶ 2 ሚእታዊት ከማልኣ ኣለወን።
ርተ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሃገራት ምስ ግዜ ነቲ ሸቶ ከም ዘማልኣ ከረጋግጽ ይኽእል እንተዀይኑ ተሓቲቱ።
መራሕቲ ተሓተትቲ ንምግባር፡ "ውርጹጽ ውጥን" ከም ዘለዎ ገሊጹ። ሃገራት ነቲ ሓድሽ ሸቶ 5 ሚእታዊት ንምብጻሕ፡ በብዓመቱ ወጻኢታተን ብኸመይ ከም ዝውስኻ ንምርኣይ ዓመታዊ መደባት ከም ዝሰርሓ ኣብሪሁ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ርተ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ብምኻድ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ሰር ኬር ስታርመር ክራኸብ እዩ። እቲ ርተ ዘቕረቦ ሓድሽ ውጥን ወጻኢታት፡ ካብቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ እዋን'ዚ እትውጥኖ ዘላ ኣዝዩ ዝዓበየ እዩ። ዓባይ ብሪጣንያ ክሳዕ 2027፡ 2.5 ሚእታዊት ካብ ግምጃ እቶት ሃገራ ኣብ ምክልኻል ከተውዕሎ መደብ ከም ዘለዋን ኣብ ዝቕጽል መንግስቲ ድማ ነዚ ናብ 3 ሚእታዊት ክብ ከተብሎ ተስፋ ከም እትገብርን ይግለጽ።
ብሓሙስ ምኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ከም ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ሃገራት ባልቲክን ኖርዲክን፡ ፖላንድ፡ ግሪኽን ሃንጋሪን ዝኣመሰላ ሃገራት ድሮ 5 ሚእታዊት ወጻኢታት ክገብራ ቃል ከም ዝኣተዋ ገሊጹ።
እተን ቃል ዘይኣተዋ ሃገራት ግን መነ-መን ምዃነን ኣይገለጸን። እንተዀነ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብቲ ሸቶ ክትበጽሕ እያ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ሄግሰት፡ "ኵሉ ሰብ ክበጽሖ እዩ ኢልና ንሓስብ፣ ብሓቂ ድማ ክንበጽሖ ኢና። ንሳቶም ክበጽሑዎ ኣገዳሲ'ዩ - ብፍላይ ድማ ዓባይ ብሪጣንያ፡" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







