ኤሎን ማስክ ናብ መዛግብቲ ግምጃ-ቤት ኣመሪካ ከይኣቱ ተኣጊዱ

ኤሎን ማስክ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ላዕለዋይ ፌደራላዊ ዳኛ ኣመሪካ፡ ኤሎን ማስክ፡ ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ገንዘብ [ግምጃ ቤት] ዝተታሕዙ መረዳእታታት ሚልዮናት ኣመሪካውያን ከይምርምር ዓጊቱ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንኤሎን ማስክ ዝፈጠሮ ትካል 'ክፍሊ ብቕዓት መንግስቲ' ወይ ብአሕፅሮተ-ቃል ዶጅ እናተብሃለ ዝፅዋዕ፡ ኣብ ኣመሪካ ዘይምርግጋዕ ይፈጥር ኣሎ።

ዳኛ ፖል ኤንግልሜየር ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ ንኤላን ማስክን ጉጅልኡን ነቲ ክሳብ ሕጂ ዝኣከብዎ ሓበሬታ'ውን ብቕልጡፍ ከጥፍእዎ ኣዚዙ።

ኣብ መንግስታዊ ትካላት ለውጢ ንምምጻእ ዝተመስረተ እዚ ናይ ማስክ ቤት ጽሕፈት፡ ካብ ክፍሊ ገንዘብ ሓበሬታ ድሕሪ ምእካቡ እዩ፡ ካብ 19 ግዝኣታት ኣኽበርቲ ሕጊ ክሲ ኣቕሪቦም ዘለዉ።

እቲ ክሲ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ዲጅ፡ ዕላዊ መንግስታዊ ትካል ስለዘይኮነ፡ እቲ ስጉምቲ ሕጊ ፌደራል ዝጥሕስ እዩ ይብል።

ኢላን መስክ ድሕሪ ውሳነ እቲ ዳኛ፡ ኣብ ኤክስ ገጹ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣዝዩ ዘገርም ነገር'ዩ" ኢሉ።

"እቲ ገንዘብ ኣብ ምንታይ ከምዝወዓለ እንተዘይፈሊጥና፡ ከመይ ገይርና ኢና ገንዘብ ከፈልቲ ግብሪ ከይባኽንን ምትላል ደው ክብልን ክንገብር እንኽእል" ኢሉ ጽሒፉ።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ብሰልፊ-ዲሞክራሲ ዝዕብለላ ግዝኣታት እዮም፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ትራምፕን ሚኒስተር ግምጃ-ቤት [ሚኒሰተር ገንዘብ] ስኮት ቤሳንትን ክሲ ዘቕረቡ።

እቲ ዳኛ ንውሳነኡ ኣብ ዘረደአሉ እዋን፡ "ኣዝዮም ተዃሳሕትን ምስጢራውን ሓበሬታ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል'ዩ" ኢሉ።

እቲ ዳኛ ዝሃቦ ውሳነ፡ ካብ'ቲ ሚኒሰትሪ ወጻኢ ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ፅሕፈት፡ ፖለቲካዊ ሹመኛታትን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ሓበሬታ ክረክብ ከምዘይክእል ይገልጽ።

እቲ ዳኛ ወሲኹ፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ ብዘይኣገባብ ሓበሬታ ዝኣከቡ ሰባት፡ ዝኾነ ኣብ ኢዶም ዘሎ 'ቅዳሓት' ብህጹጽ ከጥፍኡ ኣዚዙ ኣሎ።

ሓንቲ ካብቶም ከሰስቲ ዝኾነት ዋና ዓቃቢት ሕጊ ኒውዮርክ ለቲካ ጀምስ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንኤሎን ማስክ ንውልቃዊ ሓበሬታ ዶጅ "ዘይተገደበ መሰል ምርኣይ[ኣክሰስ]" ከምዝሃቦ ትገልጽ።

"ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ኒውዮርክ፡ ውልቃዊ ሓበሬታኦም ኣብ ኤሎን ማስክን ዶጅን ከምዝኣተወ ሓቢሮምኒ" ኢላ።

ቢልዮነር ኤሎን ማስክ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዳግማይ ንኽምረጽ ኣበርቲዑ ጎስጓስ ምክያዱ ዝዝከር እዩ።

እቲ ብእኡ ዝምራሕ ትካል ዶጅ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ብዙሓት መደባት ዘካይድ ኣመሪካዊ ትካል ማሕበራዊ ተራድኦ [USAID] ንጥፈታቱ ደው ንምባል ስጉምቲ ዝወሰደ ዀይኑ፡ ኣዘራራቢ ዀይኑ ቀንዩ ኣሎ።

ኤጀንሲ ዓለም ለኸ ተራድኦ ልምዓት ኣመሪካ፡ ንብዙሓት ሃገራት ብቢልዮናት ዝቑፀር ሓገዝ ይገብር።