ብሪጣንያ፡ ሰልፊ ሪፎርም 600,000 ስደተኛታት ንምስጓግ ይውጥን

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሰልፊ ሪፎርም ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስደተኛታት ንምምላስ ንሃገራት ክኸፍል ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ሰልፊ፡ ናብ ስልጣን እንተመጺኡ፡ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ንምስጓግ ዘኽእል ውጥን ከም ዝሓዘ ብምግላጽ፡ንከም በዓል ኣፍጋኒስታን ዝኣመሰላ ሃገራት ክኸፍል ምዃኑ ሓቢሩ።
መራሒ ሰልፊ ሪፎርም፡ ኒጀል ፋራጅ ንዅሎም ብዘይ ፍቓድ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምእሳርን ንምስጓግን ዘኽእል ናይ ሓሙሽተ ዓመት መደብ ኣውጺኡ ከም ዘውጽአ ገሊጹ።
እቲ ሰልፊ፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት፡ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ብሪጣንያ ዝኣትው ሓተትቲ ዕቝባ፡ ብጅምላ ክጥረዙ ከም ዝገብር ቃል ኣትዩ ነይሩ።
እዚ ድማ፡ ሰባት ክእሰሩን ክጥረዙን ምዃኖም እንተ ፈሊጦም ቀልጢፎም ካብ ምምጻእ ክቝጠቡ ከም ዝገብሮም መራሒ እቲ ሰልፊ ኒጀል ፋራጅ ተዛሪቡ'ዩ።
ብሰሉስ 26 ነሓሰ 2025 ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት 600,000 ሰባት ክስጐጕ ከም ዝኽእሉ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ብመሰረት እቲ 'ስርሒት ምምላስ ፍትሒ' ዝብል ስም ዝተዋህቦ ውጥን፡ ሰልፊ ሪፎርም ብሪጣንያ ዝዀነ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጽእ ዕቝባ ከይሓትት ይኽልክል፤ ነቶም ሰባት ድማ ክምለሱ ከም ዝገብር ይገልጽ።
እዚ ውጥን ውዕላት ምምላስ ስደተኛታት ንምዕዋት፡ክልተ ቢልዮን ፓውንድ ከም ዝስልዕን፡ ምስዚ ውጥን ኣብ ልዕሊ ዘይተሓባበራ ሃገራት እገዳ ክግበር ከም ዝኽእልን እቲ ሓላፊ ገሊጹ።
ፋራጅ ነዚ መደብ ወግዓዊ ኣብ ዝገበረሉ መድረኽ፡ ዘይሕጋዊ ስደት ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዘነጻጸረ "መዓት" እዩ ክብል ገሊጽዎ።
እተን ጀላቡ ደው ከነብለን እንኽእለሉ እንኮ መገዲ፡ በቲ መስመር ዝመጽእ ሰብ ብምእሳርን ብምስጓግን'ዩ ኢሉ።
ቅድሚ ሕጂ ፖለቲካዊ መገዲ ተጠቒምካ ጃምላዊ ምስጓግ ስደተኛታት ከተፈጽም ኣይክኣልን ኢሉ'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ እቲ ሰልፊ "ተኣማንነት ዘለዎ ውጥን ኣውጺኡ፡መንግስቲ እንተዀይኑ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ክንጥረዙ ምዃኖም ተዛሪቡ።
ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት 600,000 ሰባት ምስጓግ ክውንነታዊ ድዩ ተባሂሉ ዝተሓተተ ኣባል እቲ ሰልፊ፡ "እወ" ኢሉ።
እቲ ሓላፊ ካብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ 'እዚ ኣውጺኹሞ ዘለኹም ውጥን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓተትቲ ዑቕባ ናብተን ማእሰርቲ ግህሰትን ሞትን ከጓነፎም ዝኽእላ ሃገራት ምምላስ ዝብል እዩ። እዚ የተሓሳስበኩም ዶ?' ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ'ዩ።
ኒጀል፡ "የተሓሳስበኒ'ዶ? እቲ ንዓይ ዘሕስበኒ እቲ ኣብ ኣደባባያት ሃገርና [ዘጋጥም ዘሎ'ዩ]። እቲ ንዓይ ዘሕስበኒ እቲ ንዜጋታትና ዘጋጥሞም ዘሎ እዩ። እቲ ንዓይ ዘሕስበኒ እቲ ብመርታዖታት ዝተሰነየ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ደቀንስትዮናን ኣዋልድናን ዘለወን ስጋኣት እዩ።
"ስለዚ ወገን መን ኢኻ እዩ እቲ ሕቶ። ወገን እንግሊዛውያን ዲኻ ዋላስ ወገን እቶም ወጻእተኛታት? ስለዚ ምናልባት'ውን ሃገራት በዚ ክሰማማዓ ምስ ዘይክእላ ሃገርና ድልዱል ዲፕሎማስያዊ ዓቅማ ክትጥቐም እያ፡" ክብል መሊሱ።
ኣብዚ ዓመት፡ ክሳብ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ምስ ዑቕባ ዝተኣሳሰሩ 10, 652 ስደተኛታት ክምለሱ ከም ዝተገብረ መረዳእታ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ይሕብር።
ብመሰረት እቲ ውጥን፡ ሰባት ምስ በጽሑ ክእሰሩ፡ ኣብ ስምምዕ እንተተበጺሑ ድማ ናብ ኤርትራን ኣፍጋኒስታንን ሓዊሱ ናብ መበቆል ሃገሮም ክምለሱን እዮም፤ መብዛሕትኦም እዞም ስደተኛታት ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብታ ሃገር ዝኣተው እዮም።
እቲ ሰልፊ ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ክሳብ 24 ሽሕ ሰባት ኣብ ርሕቕ ዝበሉ ከባቢታት እታ ሃገር ማእከላት ዝእሰርሉ ቦታታት ከም ዘዳሉ ይገልጽ።
እቲ ሰልፊ ንስደተኛታት ንምስጓግ፡ ከም በዓል ርዋንዳን ኣልባንያን ዝኣመሰላ ሃገራት'ውን ኣብ ግምት ከእቱ'ዩ።
ብሪጣንያ፡ ናይ ምስጓግ ቻርተር በረራታት ኣብ መዓልቲ ናብ ሓሙሽተ ንምዕባይ ዕላማ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
መንግስቲ ሰልፊ ሪፎርም ንስደተኛታት ብወለንታኦም ክምለሱ ኣማራጺ ክህቦምን ነዚ ንዝቕበሉ ድማ 2500 ፓውንድ ክህቦም ምዃኑን ይገልጽ።
ሰልፊ ሪፎርም እቲ ውጥናት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ኣስታት 10 ቢልዮን ፓውንድ ክውድእ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ነቲ መንግስቲ ኣብ ሆቴላት ዕቝባ ዘውጽኦ ገንዘብን ካልእ ወጻኢታትን ግን ኣብ ነዊሕ እዋን ክቝጥብ ምዃኑ ገሊጹ።
ቁልፊ ናይቲ ውጥን ድማ፡ዘይሕጋዊ ስደት (ጃምላዊ ምስጓግ) ዝበሃል ሓድሽ እማመ ምጽዳቕ እዩ።
እቲ እማመ ምኒስትሪ ዘቤታዊ ጉዳያት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናይ ምእላይ ሕጋዊ ግዴታ ዝህብ ምዃኑን፡ ዝተሰጎገ ሰብ ዕድመ ልክዕ ናብ ብሪጣንያ ዳግማይ ከይኣቱ ዝእግድ ምዃኑን ገሊጹ።
እንተዀነ እዚ እማመ፡ ሕጋዊ ብድሆታት ክገጥሞ ይኽእል'ዩ።
ጕዳይ ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝኣትው ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሕቶ ዕቝባ ንኽውስኽ ኣበርክቶ ዝገበረ ኰይኑ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ መሳገሪታት ደው ከብሎ ይደሊ።
ኣብዚ ዓመት 28,288 ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም ኣትዮም ኣለው፤ ዝበዝሑ ስደተኛታት ድማ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን፡ ሶርያ፡ ኤርትራ፡ ኢራናን ሱዳንን እዮም።
መንግስቲ ሌበር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሓምለ ካብ ዝምረጽ ንደሓር፡ ንመሓውር እቶም ኣሰጋገርቲ ጕጅለታት "ብምስባር" ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝግበር ጕዕዞ ስደተኛተት ንምምካት ቃል ኣትዩ።
መንግስቲ እታ ሃገር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ፈረንሳ "one in, one out" ዝብል ስምምዕ ብምግባር ስደተኛታት ንምምላስ'ውን ይሸባሸብ ኣሎ።
ክንደይ ሰባት ናብ ፈረንሳ ክለኣኹ ከም ዝኽእሉ ዛጊት ብንጹር ኣይተቐመጠን።
ብመሰረት እዚ ስምምዕ ዓባይ ብሪጣንያ ማዕረ ቍጽሪ ናይቶም ክሰግሩ ዘይፈተኑን ናይ ጸጥታን ብቕዓትን ምጽራይ ክሓልፉ ዝኽእሉ ሓተትቲ ዕቝባ ክትቅበል እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







