ዴንማርክ፡ ንፈለማ እዋን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ወተሃደራዊ ዕስክርና ክትምልምል'ያ

ዴንማርክ ኣስታት 20 ሽሕ ንጡፍ ሰራዊት ኣለዋ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ዴንማርክ ንፈለማ እዋን፡ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ወተሃደራዊ ዕስክርና ክኸዳ ክትምልምል ከም ዝጀመረትን ስሩዕ ናይ ኣገልግሎት ግዜ ንምንዋሕ መደብ ከም ዘለዋን ኣፍሊጣ።

ብተወሳኺ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ባጀት ምክልኻል እታ ሃገር ብኣስታት 6 ቢልዮን ዶላር ብምዕባይ ሸቶታት ኔቶ ንምዕዋት ድልየት ከም ዘለዋ ገሊጻ።

“ኲናት ስለ ደዝደለና ኣይኰንናን ዳግም ንዓጥቕ ዘለና፤ እኳ ድኣ፡ ኲናት ከነወግድ ስለ እንደሊ ኢና ዳግማይ ንዕጠቅ ዘለና” ክትብል ቀዳመይቲ ሚኒስትር ሜተር ፍረደሪክሰን ተዛሪባ።

ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ሙሉእ ወራር ድሕሪ ምፍጻማ ኣብ ኤውሮጳ ወጥሪ እናወሰኸ መጺኡ ኣሎ።

ቀዳመይቲ ሚኒስትር ፍረደሪክሰን፡ መንግስቲ “ኣብ ሞንጐ ጾታታት ሙሉእ ማዕርነት” ንምርግጋጽ ይጽዕር ከም ዘሎ ገሊጻ።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ሚኒስትር ምክልኻል ትሮልስ ሉንድ ፖልሰን፡ “ምሉእ ጾታዊ ማዕርነት ሓዊሱ ዝያዳ ድልዱል ምውፋር ወተሃደራት ክህሉ ምግባር፡ ኣብ ምፍታሕ ብድሆታት ምክልኻል፡ ሃገራዊ ምውህሃድን ዕጡቓት ሓይልታትና ሰራሕተኛታትን እጃም ክህልዎ ኣለዎ” ኢሉ።

ኣብታ ስካንዲኒቭያዊት ሃገር ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብወለንታ ክሰርሓ ይኽእላ እየን።

ሕጂ፡ መንግስቲ ካብ 2026 ጀሚሩ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምትእታው መደብ ኣውጺኡ ኣሎ።

እዚ፡ ንኖርወይን ስዊድንን ስዒባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዕጡቕ ሓይልታት ከገልግላ ትገብር ዘላ ሳልሰይቲ ኤውሮጳዊት ሃገር ይገብራ።

ብተወሳኺ እቲ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ኣርባዕተ ናብ 11 ኣዋርሕ ክናዋሕ ምዃኑ ትገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 4700 ሰባት ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝነበሩ ኰይኖም፡ ካብዚኦም ኣስታት 25% ደቂ ኣንስትዮ እየን። እዚ ቁጽሪ ዓመታዊ ናብ 5 ሽሕ ክዓቢ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝሒ ዕጡቓት ሓይልታት ዴንማርክ ኣስታት 9,000 ሞያውያን ወተሃደራት ዝርከቡዎ ኣስታት 20 ሽሕ ንጡፋት ኣባላት ዘለውዎ’ዩ።

ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ዴንማርክ፡ ወተሃደራዊ ወጻኢታታ’ውን ካብቲ ሕጂ ዘሎ 1.4% ካብ ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ናብ 2% ብምዕባይ፡ ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ዘቐመጦ ሸቶታት ንምዕዋት ክትሰርሕ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ስራሕቲ ዝግበር ወጻኢታት ንምዕባይ፡ ኣብ ጽድያ ዝካየዱ ህዝባዊ በዓል ክስረዙ ኣድሚጾም ነይሮም።

ዴንማርክ ሓንቲ ካብተን ጽኑዓት ደገፍቲ ዩክረይን ኰይና፡ ብዙሕ ኣጽዋርን ገንዘብን ክትሕግዛ ጸኒሓ ኣላ፤ ከምኡ’ውን ንዩክረናውያን ኣብረርቲ ነተን ስርሓት ኣመሪካ ዝዀና ነፈርቲ ውግእ ኤፍ-16 ኣብ ምብራር ከተሰልጥን ጸኒሓ ኣላ።