ብሰንኪ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ሃገሮም ዝሃድሙ ዘለዉ መንእሰያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝትግበር፡ ኣብ ዝተወሰነ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ዜጋታት ንዝተወሰነ ግዜ ዝጸንሑሉ፡ ኣብ ውትህድርና ይዅን ዝተፈላለየ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ንሕበረተሰቦምን ሃገሮምን ብክእለቶምን ዓቕሞምን ዘገልግሉሉ እዩ።
ኣብ ብዙሓት - ከከም ክውንነትን ቀዳምነታትን ሃገራት ኣተገባብራኡ ዝፈላለየ ይዅን እምበር፡ ምስ መሰልን ግቡኣትን ዜጋታት ተኣሳሲሩ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ብሕጊ ጸዲቝ ዝትገበር እዩ።
እዚ ይዅን ግን፡ እቲ ሕጉግ ዓንቀጻት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝጥሕሰሉ፣ ትግባረኡ ሓላፍ-ዘላፍ ምስ ዝህልዎ፣ ካብ ግቡእ ግዜኡ ክናዋሕ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ገለ ሃገራት ዝርአ ደረት ዘይብሉ ምስ ዝኸውን፣ ካብኡ ሓሊፉ ብግዴታ - ሃንደበት ብዝግበር ግፋን ተመሳሳሊ ኣገባባትን - ንናጽነታት መደባት ህይወት ውልቀ-ዜጋታት ኣብ ዝግህሰሉን ዝዘርገሉን፡ ዜጋታት ግብረመልሲ ክህብሉ ግድን እዩ።
ተዛማዲ ሓሳብካ ክትገልጸሉ እትኽእል ፖለቲካዊ መድረኽ ኣብ ዝሃነጻ ሃገራት፡ መንእሰያት ብዝተፈላለየ መገዲ ተቓውሞታት ዘስምዑ'ኳ እንተዀኑ፡ መብዛሕትአን ዓፈንቲ ስርዓታት ዝበሓቱወን ሃገራት ስለዝዀና ግን፡ መንእሰያት ሃገርካ ገዲፍካ ንስደት ምውጻእ ተቓውሞኦም ክገልጹ ኣብ ብዙሕ ተራእዩ እዩ።
ቀጺሉ ዝንበብ ዛንታ እምበኣር፡ ብግዱድ 'ሃገራዊ ኣገልግሎት' ዝተሳቐዩን ዝተቘጥዑን መንእሰያት ሓንቲ ሃገር ንስምዒቶም ዘንጸባርቕ እዩ።
ወዲ 24 ዓመት ነጣፊ’ዩ፤ ሮበርት ይበሃል።
“ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ሰራዊት ምግልጋል ዋጋ የብሉን፤ ምኽንያቱ ንሓድሕድና እምበር ምስ ናይ ደገ ወረርቲ ኣይኰንናን ንዋጋእ ዘለና። ኣብ ሰራዊት ከነገልግል እንተዄንና ነቲ ዝፍጽምዎ ግፍዒታት ኢድና ንሕውስ ኣለና ማለት’ዩ” ይብል።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ ሮበርት ፈጺሙ ናብቲ ሃገሩ ዝኣወጀቶ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ክኸይድ ኣይደልን።
ኣብ ሚያንማር፡ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ካብ ዝእወጅ ንደሓር፡ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ኣብ ኤምባሲታት ነዊሕ ሪጋ ሒዞም፡ እናተጸቓቐጡ ይርኣዩ።
ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ዝነበረ ሓደገኛ ጽቕጥቕጥ ጠንቂ ሞት ክልተ ሰባት ኰይኑ’ዩ።
ብሓደ ለካቲት 2021፡ ሰራዊት እታ ሃገር ብዕልዋ ናብ ስልጣን ደይቡ፤ ነቶም ብመረጻ ዝመጽኡ ሰባት ድማ ኣሲሩዎም።
ድሕሪኡ፡ እታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ናብ ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ኣትያ ትርከብ።
ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት እንተዀይኑ፡ ኣስታት 2.6 ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም፤ ኣሽሓት ድማ ተቐቲሎም’ዮም።
ወተሃደራዊ መንግስቲ ሚያንማር ኣብ ልዕሊ ምሕደራኡ ከቢድ ተቓውሞ ይገጥሞን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዝነበሮ ምቍጽጻር ብዕጡቓት ጕጅለታት ይምንዛዕ ከም ዘሎን ይፍለጥ።
ብዙሓት ነቲ ጁንታ ኣብ ምቅዋምን ተቓውሞታት ኣብ ምምራሕን መሪሕ ተራ ዝተጻወቱ ዘለው መንእሰያት በርማውያን፡ ሕጂ ነቲ ስርዓት ክቃለሱ ከም ዝግደዱ ይንገሮም ኣሎ።
ወተሃደራዊ ዕስክርና ግዴታ ምዃኑ ምስ ተኣወጀ፡ መብዛሕትኦም ካብታ ሃገር ዝወጽእሉ መገዲታት የናድዩ ኣለው።
“ለይቲ ሰዓት ትሸዓት መጺአ፤ ድሮ 40 ዝዀኑ ሰባት ቪዛ ክሓቱ ሪጋ ሒዞም ጸኒሖምኒ” ትብል ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ታይላንድ ቢቢሲ ዘዘራረባ ጐርዞ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት፡ እዚ ቍጽሪ ናብ ልዕሊ 300 ሰባት ከም ዝበጽሐ ትዛረብ።
“ካብዚ ንላዕሊ እንተተጸብየ፡ ኣብ መንጐ ዝተላዕለ ህውከት እቲ ኤምባሲ መስርሕ ቪዛ ከቋርጾ’ዩ ኢለ ፈሪሐ ነይረ” ብምባል፡ ገለ ሰባት ሪጋ ዝሕዙሉ ቍጽሪ ከይረኸቡ ንሰለስተ መዓልታት ከም ዝተጸበዩ ትሕብር።
ኣብታ እቶም ሞት ክልተ ሰባት ዘጋጠመላ ከተማ ማንዳላይ፡ ካልእ ከቢድ መጉዳእቲ እውን ከም ዘጋጠመ ቢቢሲ ዝበጽሖ ሓበሬታ የመልክት፣ ሓደ ሰብ ኣብ ናብ ጉድጓድ ማይ ድሕሪ ምውዳቑ እግሩ ክስበር ከሎ፡ ካልእ ድማ ኣስናኑ ተሰይሩ።
ካልኦት ሽዱሽተ ድማ ጸገም ምስትንፋስ ከም ዘጋጠሞም ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብ ኢንስቲትዩት ኣህጉራዊ መጽናዕቲ ደኒማርክ፡ ተመራማሪት ሚያንማር ዝዀነት ጃስቲን ቻምበርስ፡ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ነቲ ኣብታ ሃገር ሰውራ ዝመርሑ ዘለው ሲቪላውያን መንእሰያት ንምእላይ ዝሕግዝ መገዲ ምዃኑ ትዛረብ።
“ሕጊ ወተሃደራዊ ዕስክርና ከመይ ኢሉ ምልክት ድኽመት ሰራዊት ሚያንማር ከም ዝዀነ ክንትንትን ንኽእል ኢና፤ ኣብ መወዳእታ ግን ህይወት ንምጥፋእ ዝዓለመ'ዩ . . . ገሊኦም ክሃድሙ’ዮም፡ ብዙሓት ግን ኣንጻር ደቂ ሃገሮም ሰብኣዊ ዋልታ ክዀኑ እዮም” ትብል።
ኣብ 2021 እቲ ጁንታ፡ ንተቓወምቲ ብምድጋፎም 145 ሽሕ መምህራንን ሰራሕተኛታት ዩኒቨርሲቲን ካብ ስራሕ ከም ዝኣገደ ፈደረሽን መማህራን ሚያንማር ይገልጽ።
ኣብተን ተቓወምቲ ዝተቘጻጸሩወን ከባቢታት ዝርከባ ገለ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ በቲ ውግእ ወይ ብደብዳብ ነፈርቲ ዓንየን ኣለዋ።
ድሕሪኡ፡ ዶብ ሰጊሮም ዕቝባ ዝሓተቱ ክኣ ስድራኦም ንምሕጋዝ ስራሕ ዝደልዩ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ኣለዉ።
ገለ መናእሰይ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝህቡዎ ዘለው ርእይቶታት፡ ኣብ ክንዲ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ገዳም ክኣትው ወይ’ውን ብኣጋኡ ክምርዓው ከም ዝመርጹ ይገልጹ።
እቲ ጁንታ፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ንዝርከቡ ሰባት፡ ዝተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ስንኩላን፡ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘይበቕዑ ተባሂሎም ዝተገምገሙን "ብወተሃደራዊ ቦርድ ነጻ ዝዀኑን"፡ ካብቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናጻ ከም ዝገብሮም ይገልጽ።
ካብዚ ወጻእ ኰይኑ ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክሃድም ዝፍትን ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርትን መቕጻዕትን ከም ዝጽበዮ የጠንቅቕ።
ሮበርት ግን ወተሃደራዊ መሪሕነት እታ ሃገር ነዚ ከኽብር እዩ ዝብል እምነት የብሉን።
“እቲ፡ ጁንታ ንዝደለዮ ሰብ ክኣስርን ክጨውን ይኽእል’ዩ፤ ልዕልና ሕጊ ስለ ዘለየለ ኣብ ቅድሚ ዝዀነ ሰብ ክሕተቱ ኣይክእሉን’ዮም” ኢሉ።
ሃብታማት፡ ስድራቤቶም ናብ ወጻኢ ሃገራት ንምግዓዝ ይሓስቡ ኣለዉ፣ ታይላንድን ሲንጋፖርን ክኣ ቀንዲ ኣማራጺታት ኰይነን ኣለዋ።
ገሊኦም ግን ዕድመኦም ንወተሃደራዊ ምልመላ ዝበቕዑ ደቈም ቀዋሚ መንበሪ ወይ ዜግነት ክረኽቡ’ዮም ዝብል ተስፋ ሒዞም ክሳብ ኣይስላንድ የመዓድው።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካልኦት ድማ፡ ናብ ሓይልታት ተቓውሞ ከም ዝተጸንበሩ ይግለጽ።
“ዜና ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምስ ሰማዕኩ ኣዝየ ሓሪቐ፤ ብፍላይ ነቶም ከማይ መንእሰያት ዝዀኑ ድማ ሓዚነ። ብዙሓት መንእሰያት ሕጂ ኣንጻር እቲ ጁንታ ክዋግኡ ይምዝገቡ ኣለው” ይብል ወዲ 23 ዓመት ኣንግ ሴተ።
ንሱ፡ ኣባል እቲ ወተሃደራዊ ምሕደር ናይ ምቅላስ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ፈደሬሽን ማሕበር ተምሃሮ መላእ በርማ’ዩ።
ገለ ተዓዘብቲ፡ እቲ ጁንታ ነዚ ሕጊ ተግባራዊ ክገብር ምጅማሩ ኣብታ ሃገር ዘለዎ ምቍጽጻር እናነከየ ይኸይድ ከም ዘሎ ዘቃልዕ’ዩ ይብሉ። ኣብ ዶባት ባንግላድሽን ህንድን ዝርከቡ ሰፋሕቲ ከባቢታት ብዕጡቓት ተመንዚዑ’ዩ።
ብመሰረት እቲ ንርእሱ መንግስቲ ሚያንማር ኢሉ ዝጽውዕ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት፡ ልዕሊ 60 ሚእታዊት መሬት ሚያንማር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ተቓውሞ ይርከብ።
“ድሕሪ ብብሄራዊ ዕጡቓት ውድባት ዝበጽሖ ተኸታታሊ ኣዕናዊን ዘዋርድን ስዕረት፡ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ምጅማር፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክሳብ ክንደይ ተስፋ ከም ዝቘረጸ’ዩ ዘረድእ” ክብል ኣብ ኢንስቲትዩት ሰላም ኣመሪካ ዳይረክተር ፕሮግራም በርማ ጄሰን ታወር ይዛረብ።
ታወር፡ እቲ ስጕምቲ ክፈሽል ትጽቢት ኣለዎ።
“ብዙሓት ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝሃድሙ መንእሰያት ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ካብ ምህዳም ሓሊፎም ካልእ ኣማራጺ ኣይክህልዎምን'ዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ዞባ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዋሕዚ ስደተኛታትን ክህሉ ክገብር’ዩ። በዚ ታይላንድ፡ ህንዲ፡ ቻይናን ባንግላድሽን ነቲ ጁንታ ዘለወን ደገፍ ክቕየር ክገብሮ ይኽእል” ኢሉ።
ዋላ’ውን እቲ ወተሃደራዊ ስርዓት፡ ብኣስገዳድ ቍጽሪ ሰራዊት ክውስኽ እንተኽኢሉ፡ እዚ ነቲ ኣብ መሳርዕ ዝፈርስ ዘሎ ሞራል ንምጽጋን ርኡይ ሓገዝ ዘይክገብር ይኽእል።
ነቶም ሓደስቲ ሰራዊት ንምስልጣን እውን ኣዋርሕ ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ።
“ሚያንማር ንመንእሰያት ብኣካልን ስነ-ኣእምሮን ናይ ብሓቂ ከቢድ ኰይኑ ጸኒሑ’ዩ። ሕልምታትና፡ ተስፋናን መንእሰያትናን ጠፊኦም’ዮም። በቃ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ክኸውን ኣይክእልን'ዩ" ይብል መራሒ ተምሃሮ ኣንግ ሴተ።
"እዘን ሰለስተ ዓመታት ከምዛ ዋዛ ሓሊፈን። ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣንጻር ፈተውትናን መሳርሕትናን ስኢንና ብዙሓት ስድራቤታት ድማ ዝፈትውዎም ሰባት ስኢኖም’ዮም። መዓልታዊ እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ዝፍጽሞም ግፍዒታት ኢና ንርኢ ዘለና። በቃ ብቓላት ክገልጾ ኣይክእልን እየ።”




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







