ወጥሪ ዝዓሰሎ ንሕንሕ ከፍኩሳ ዝጽዕራ ዘለዋ ልዕለ-ሓያላን ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, EPA
ወዲ ጋንታ በይጂን ሳይክሎንስ ሄንሪ ሙ ነታ ኩዕሶ ክሕዝ ብጉያ ናብ ኩርናዕ ከይዱ፡ ይነጥር ነይሩ።
ሄንሪ ትንፋሱ ውሕጥ ኣቢሉ፡ "ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ኣብዚ ምርካበይ ኣዝየ ገሪሙኒ" ይብል።
"ኣዝዩ ከቢድ'ዩ፡ ብኣካልን ብኣእምሮን፡ ንፍርሕኻ ክትስዕሮ ኣለካ።"
ኣብዚ፡ ካብ በይጂን ንላዕሊ ምስ ባልቲሞር [ኣብ ኣመሪካ እትርከብ ከተማ] ከተተሓሕዞ እትኽእል ጋንታታት ስፖርት፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብሓባር ክጻወቱ ትርኢ።
ንብዙሓት ኣመሪካውያን እዚ ልዕሊ ጸወታ እዩ፤ መግለጺ ሃገራዊ መንነቶም እዩ።
ነዛ ቻይናዊት ጋንታ ግን፡ ሓድሽ ነገር'ዩ። ኣብታ ሃገር፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ደገፍቲ'ኳ እንተሃለዉ፡ ውሑዳት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ጥራይ'ዮም ዘለዉ።
እዚ ርክብ ‘ህዝቢ ንህዝቢ’፡ ቻይና ምስ ኣመሪካ ክትሃንጾ እትደልዮ ዓይነት ባህላዊ ምትእስሳራት እዩ።
እዘን ክልተ ተነሓናሕቲ ልዕለ-ሓያላን ሃገራት ነቲ ወጥሪ ዝመልኦ ዝምድናአን ከህድኣ ዝጽዕራሉ እዋን እዩ።
ፕረዚደንት ሺ ጂንፒን ዝሓለፈ ሕዳር ናብ ሳንፍራንሲስኮ ካብ ዝበጽሕ ንደሓር፡ ቻይና ኣብ ክንዲ ፍልልያት ምስ ኣመሪካ ዘቀራርብዋ ነገራት ከተጕልሕ እያ ትርአ።
በይጂን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ምዝሕሓል ዘርአየ ቍጠባኣ ንምንቕቓሕ ንናይ ወጻኢ ትካላት ንግዲ ክትስሕብ ኣብ እትፍትነሉ ዘላ እዋን፡ ልስሉስ ዲፕሎማስያዊ ቃና ዝወሰደት ትመስል።
ኣመሪካ ብወገና ብተደጋጋሚ ናብ ቻይና ልኡኻት ብምልኣኽ ምትሕብባር ከም እትደሊ ምልክት ሂባ ኣላ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ዓመት ኣብ ዘይመልእ ንኻልኣይ ግዜ ናብ ቻይና ዝገብሮ ዘሎ ዑደት፡ ካብቲ ጸሓፊት ገንዘብ ጃነት የለን ዘካየደቶ ዑደት ብዙሕ ዝደንጐየ ኣይኰነን።
ኣመሪካ ነቲ ሓድሽ ኣምር፡ ናይ "ጌጋ -ቅማረ” ክስዕቦ ዝኽእል ‘ዕድላት ግጭት’ ንምግታእ እተግበሮ ጻዕሪ፡ "ንሕንሕ ብሓላፍነት ምምራሕ" ኢላ እያ ትጽውዖ።
እዚ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣብ ቅድሚ መገሻ ሚስተር ብሊንከን ዝተዛረበ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Katherina Tse/BBC
ቀሊል ክኸውን እዩ ማለት ግን ኣይኰነን
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝምድና ኣመሪካን ቻይናን ከምዝተመሓየሸ ዘጠራጥር ኣይኰነን፡ እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ብሓውሲ ወጥሪን ጥርጣረን ዝተመልአ ዝምድና እዩ።
ትማሊ ረቡዕ ንጋዜጠኛታት ቢቢሲ ሓዊሱ ሰበስልጣንን ሪፖርተራትን ዝጸዓነት ነፋሪት ሚስተር ብሊንከን፤ ብልዕሊ ሰላማዊ ውቅያኖስ ተሓንቢባ፡ ናብቲ ኣብ ሰሜን ታይዋንን ባሕሪ ደቡብ ቻይናን ዝርከብ ‘ኣዘራራቢ’ ገማግም ባሕሪ ቻይና ኣቕኒዓ።
ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ዓመት ኣብዚ ክሊ ኣየር ኣብ ልዕሊ እቲ በረድ ዝዀነ ቀላያት ኣላስካ ዝንሳፈፍ ዝነበረ ጥርጡር ቻይናዊ ሰላዪ ባሎን፡ ዓለማውን ኣህጉራውን ቅልውላውን ዘስዐበ ኰይኑ፡ ኣብ ዝምድና ኣመሪካን ቻይናን ቅርሕቲ ኣልዒሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ሚስተር ብሊንከን ኣብ ምድሪ ሻንጋይ ረጊጹ ሒደት ሰዓታት ቅድሚ ምጽንሑ፡ ሰነት ኣመሪካ ንታይዋን ተወሳኺ 8 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ዝህብ ፓኬጅ እማመ ኣጽዲቑ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ታይዋን ብቻይና እንተተሃሪማ ኣመሪካ ክትከላኸለላ እያ ኢሉ።
ታይዋን፡ ንኣመሪካ ከም ዝዓበየት መሓዛኣ እትቝጸር ኰይና፡ ባዕላ እትመሓደር ደሴት እያ፤ ቻይና ድማ ኣካል ግዝኣታ ምዃና እያ ትኣምን።
ብተወሳኺ፡ ቻይናዊ መበቆሉ ቲክቶክ እንተዘይተመሓይሹ፡ ኣብ ውሽጢ ትሸዓተ ወርሒ ክእገድ ድምጺ ክህብ እዩ።
ሚስ የለን፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ዝገበረቶ መገሻ፡ ሕሱር ኣቝሑ ቻይና ኣብ ዕዳጋ ኣመሪካ ከየዕለቕለቐ ብምኽልካል፡ ቀጺዓታ ነይራ።
ቻይና በዚ ኵሉ ምዕባለታት ሕጕስቲ ኣይኰነትን፤ እዞም ፍጻመታት፡ ዋሽንግተን ብቍጠባ ንምግታእን ብጂኦ-ፖለቲካዊ መዳይ ንምኽባብን እትገብሮ ፈተነታት ገይራ እያ ትርእዮም።
ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ቻይና ስግኣት እገዳን ቀረጽን ክለዓል ወይ ክልተኣዊ ስምምዓት ክፈኵስ እንድሕር ደልያ፡ በይጂን መገዳ ክትቅይር እዮም ዝደልዩ።
ሚስተር ብሊንከን ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዋንግ ዪ፡ ቻይና ናብ ሩስያ እትሰዶም ማሽናት፡ መሳርሒታትን ማይክሮቺፕን ክትገትእ ከምዘለዋ ከጠንቅቕ ትጽቢት ይግበረሉ።
ሞስኮ ኣብ ዩክረይን ኣብ እትገብሮ ኲናት ነዚኦም መሳርሕታት ንረብሓ ኣጽዋር ከም እትጥቀመሎም ይግለጽ።
በይጂን ነዚ "መሰረት ዘይብሉ ክሲ" ኢላቶ።
ዋሽንግተን ንኪቭ ብቢልዮናት ዝቝጸር ተወሳኺ ሓገዝ ድሕሪ ምድጋፋ ምዃኑ ድማ ከም ምስሉይነት እያ ትርእዮ።
በይጂን ንዋሽንግተን፡ ካልእ ናይ ገዛእ ርእሳ መጠንቀቕታ ክተስምዕ እያ።
ቅድሚ ምምጻእ ሚስተር ብሊንከን፡ ካብቲ ዝርርብ እንታይ ከም ዝጽበዩ ዝገልጽ ነዊሕን ተረርቲ ቃላት ዝሓዘን መግለጺ ኣውጺኣ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስታዊ ሚድያታትን ምሁራት ቻይናን እውን ነዚ መልእኽቲ ኣጋዊሖም ኣለዉ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ፕሮፌሰር ሊ ሃይዶን ንጋዜጣ ግሎባል ታይምስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብሊንከን ንቻይና ናይ መወዳእታ ደወል ከስምዕ ዝመጸ እዩ ዝመስል። ንሕና ኢድና ኣይንህብን ኢና፤ ቀንዲ ረብሓታትና ድማ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይንኣቱን ኢና።"
ዋንግ ዮንግ ካብ ቤት ትምህርቲ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዩኒቨርሲቲ ፐኪን፡ ኣብቲ ዝምድና ‘ሓበራዊ ዓወት” ክረጋገጽ ከምዝኽእል እኳ እንተገለጸ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቻይና "ዝንቡዕ ኣረኣእያ" ከምዘለዋን፡ እዚ ከተዕሪ ከምዘለዋን ይምዕድ።
ኣብዚ ሰሙን በይጂን፡ ዝርርብ ዝካየድ እንተዀይኑ፡ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ተኣፋፊ ጉዳያት ታይዋን ከምዝኸውን፡ ኣብ ሲንጋፖር ዝመደበሩ ክኢላ ኣልፍረድ ዉ ይግምት።
ሚስተር ብሊንከን፡ ነቲ ብበይጂን ዘይድለ፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ታይዋን ኰይኑ ዝተሸመ ዊልያም፡ ቅድሚ በዓለ ሽመቱ፡ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ እዋን እዩ ናብ ቻይና ዝበጽሕ ዘሎ።
እዚ፡ ኣብ ደቡብ ቻይና ወጥሪ ክውስኽ ከምዝገብር ስክፍታታት ኣሎ።
"ቻይና ነቶም ቀያሕቲ መስመራት ከተጕልሕ ትደሊ። ክልቲኦም ወገናት ብፍላይ ኣብ ቅድሚ እቲ ብ20 ግንቦት ዝካየድ ጽንብል ዝዀነ ይዅን ምዕባለ ከምዘይህሉ ንምርግጋጽ መሰረት ከንጽፉ ይደልዩ" ይብል ሚስተር ዉ።
ካብቲ ዕለት ንላዕሊ እውን እንተዀነ፡ ኣመሪካ ናብ ካልእ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣብ እትምርሸሉ ዘላ እዋን፡ ክልቲኦም ሕጹያት ኣብ ልዕሊ ቻይና ተሪር መርገጺ ክህልዎም ኣብ ዝወዳደሩሉ ዘለዉ እዋን፡ ምምሕያሽ እቲ ዝምድና ዝያዳ ክፍተን እዩ።
ናብ በይጂን ሳይክሎንስ - ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ምስ ተመሊስና፡ እቲ ሓሳባት ኣብ ስፖርትን ፖለቲካን እዩ።
ሙ ያንግ ሓደ እዋን ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ሱፐርቦውል ንደገፍቲ ቻይና፡ "ዓቢ ክብሪ" ዝብል ርእይቶ ሂቡ።
ኣብ መጻኢ ኣብ መንጐ ቻይናን ኣመሪካን ዝያዳ ምቅርራብ ክህሉ ተስፋ ኣለዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







