ራብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ሓሙሻይ ዝኣተወ ሄኖክ ሙሉብርሃን ብጫ ማልያ ኣረኪቡ

ተቐዳዳማይ ቶታል ኢነርጂ ቶማስ ቦነት ንራብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ክዕወተሉ እንከሎ፤ ኣብ ሓፈሻዊ ግዜ ካብ ሄኖክ ሙሉብርሃን ብ11 ካልኢት ጥራይ ተፈንቲቱ ብምጽንሑ ብጫ ማልያ ካብ ሄኖክ ተረኪቡ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ጸወታ መርክ ስቲዋርት ካብ ጋንታ ቦልተን ኢኲትስ ካልኣይ ክኣቱ እንከሎ ተጻዋታይ ቶታል ኢነርጂ ማትዮ ቨርቸር ሳልሳይ ዛዚሙ።

ብጫ ማልያ ገይሩ ናብዚ ውድድር ዝኣተወ ዕዉት ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካብ ቀዳማይ ብ31 ካልኢት ድሒሩ መበ ል ሓሙሻት ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።

ሄኖክ ኣብ ብጫ ማልያ ካብ ቶማስ ቦነት ብ20 ካልኢት ተፈንቲቱ ኣብ መበል ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ኣሎ።

ዳዊት የማነን መትከል እዮብን ከኣ ኣብ ብጫ ማልያ ኣብ መበል ሻሙናይን ታሽዓይን ተሰሪዖም ኣለዉ።

በዚ ኸኣ ሰለስተ ኣብ ብጫ ማልያ ሰለስተ ኤርትራውያን ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ተሰሪዖም ኣለዉ።

ኣብዚ ራብዓይ መድረኽ ዳዊት የማነ ካብ ባይክ አይድ መበል 11፡ መትከል እዮብ ካብ ትራንጋኑ ፖሊጎን መበል 21 ዳንኤል ተኽለሃይማኖት መበል 35፡ ሎሚ ንናይ ዓቐበት ነጥብታት ዳርጋ ንምብልኡ ዝገሓጦ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ መበል 37፡ ዓወት ዓማን መበል 42፡ ናሆም ዘርኣይ ካብ ጋንታ Q36.5 መበል 48፡ ሃገር ዓንደማርያም መበል 61፡ ዩኤል ሃብትኣብ ከኣ መበል 72 ወጺኦም።

ኣብ ብጫ ማልያ፡ ካብ ኤርትራውያን ተጻወትቲ ዳዊት የማነን መትከል እዮብን ካብ ቀዳማይ 31 ካልኢት ተፈንቲቶም መበል ሻሙናይን ታሽዓይን፡ ዓወት ዓመን መበል 31፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ መበል 44፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት መበል 57፡ ናሆም ዘርኣይ መበል 61፡ ዩኤል ሃብትኣብ መበል 63፡ ሃገር ዓንደማርያም ኸኣ መበል 67 ተሰሪዖም ኣለዉ።

ኣኽሊሉ ሎሚ ኣብ ናይ ዓቐበት ብዘዋህለሎ 30 ነጥቢ፡ ካብቲ ብ36 ኣብ ቅድሚት ዘሎ ኦሊቨፈር ብሪትዘን ብ6 ነጥቢ ድሒሩ ኣብ ሳልሳይ ይርከብ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ከኣ ብ13 ነጥቢ ሳልሳይ ኣሎ።

ንዝለጸጸ ኣፍሪቃዊ ኣብ ዝውሃብ ማልያ ሄኖክ ሙሉብርሃን ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ ዳዊት የማነን መትከል እዮብን ካልኣይን ሳልሳይን ይርከቡ፡ ዓወት የማነ ኸኣ ኣብ መበል ሳሙናይ ተሰሪዑ ኣሎ።

ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ካብ መጀመርታ ጸወታ ራብዓይ ርእሱ ብምውጻአድ፡ ነታ መራሒት ጉጅል ብዝርእዮ ዝነበረ ናይ ምቅላስን ምምራሕን ብቕዓት ናይዛ መድረኽ ዝበለጸ ተሃላላኻይ (Best Combative Rider) ኮይኑ ተሸሊሙ።

ሎሚ ዝተኻየደ ራብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ካብ ከተማ ሙሳንዘ ናብ ከተማ ካሮንጎ 138.5 ኪሎ ሜተር ዝሸፈነ’ዩ ነይሩ።

ጸወታ ኸኣ ብኣቆጻጽራ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን ጀሚሩ።

እዚ መድረኽ ኣብ መበል 29 ኪሎሜተር 8.9 ሚኢታዊት ትሪ ዘለዋ ዓቐብ፡ ኣብ መበል 72 ኪሎሜተር ን8 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ፡ 3.9 ሚኢታዊት ትሪ ዘለዎ ዓቐብ ኣብ መበል 105 ኪሎሜተር ከኣ 9 ኪሎሜተር ዝሽፍን 4.5 ሚኢታዊት ትሪ ዘለዎ ዓቐብ ዝነበሮ፡ ዓቐበት ናይ ምሕኳር ዓቕሚ ዘለዎም ተጻወትቲ ክኸስቡሉ ዝኽእሉ መድረኽ ተባሂሉ’ዩ ተገሊጹ።

ጸወታ ብኣጋኡ ናህሪ ዝተሰነዮ’ዩ ነይሩ፡ ካብ ፈለማ ጀሚሮም ኸኣ ተቐዳደምቲ ናይ ምህዳም ፈተነታት የካየዱ ነይሮም።

ኣብ ብጫ ማልያ መበል 20 ዘሎ ተጻዋታይ ካብ ቀዳማይ ኮይኑ ዝመርሕ ዘሎ ሄኖክ ሙሉብርሃን ናይ 27 ካልኢት ጥራይ ፍልልይ ስለዝነበሮ፡ መን ሃዲሙ ንመት ትሕዝ ነቶም ንብጫ ማልያ ዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ ምስ ጋንትኦም ኣብ ጽኑዕ ሓለዋ ዘእቱ ጥምጥም’ዩ።

ኣብ መበል 15 ኪሎሜተር ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ዝርከቦም ኣርባዕተ ተቐዳደምቲ ካብ ዓባይ ጉጅል ብምህዳም ነታ ኣብ መበል 22 ኪሎሜተር ዝነበረት፡ ነጥቢ እተውህብ መስመር፡ ስቲዋርት ካብ ጋንታ ቦልተን ኢኲትስ፡ ኢርባር ጋብ ጋንታ ኢስካልተል ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምዃን ተዓዊቶሙላ።

ጸወታ 28 ኪሎሜተር ምስ ተለዓሎ፡ ኣብ መንጎ መራሒት ጉጅለን ዓባይ ጉጅለን ዝነበረ ፍልልይ ናብ ክልተ ደቂቐን 45 ካልኢትን በጺሑ።

ኣብ መበል 29 ኪሎሜተር ኣብ ዝነበረት ነጥቢ ተውህብ ዓቐበት ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ጉጅለ ብምርታዕ ቀዳማይ ወጺኡ ነተን ዝነበራ ነጥቢ ሓፊስወን።

ኣብ ሞንጎ እታ ኣርባዕተ ተጻወትቲ ዝሓዘት መራሒት ጉጅለን ዓባይ ጉጅለን ዝነበረ ናይ ግዜ ፍልልይ መመሊሱ’ዩ ዝውስኽ ነይሩ፡ መራሒት ጉጅለ ዓቐበት ወዲኣ ቁልቁለት ምስሓዘት መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጸወታ ብኣኽሊሉ ኣረፋይነ እናተቐለሰ ኣብታ ቀዳመይቲ ሰዓት 44 ኪሎሜተር ብምሽፋን ቁልቁል ወዲኦም ነቲ ኣብ መበል 54 ኪሎሜተር ዝጅምር ዓቐበት ከቋምቱ ጀሚሮም።

ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ኣርባዕተ ተቐዳደምቲ ኣባል ጋንታ ኢስካልተል ኢርባር ኡናኒ ኣብ ብጫ ማልያ ካብ ሄኖክ ሙሉብርሃን ብ 49 ካልኢት ጥራይ ተፈልዩ ኣብ መበል 24 ስለዝነበረ ዘየቕሰና ብጫ ማልያ ዝሓዘት ጋንታ ናይ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ [ግሪን ፕሮጀክት ባርድያኒ ሲኤስኤፍ] ነቲ ተነጺፉ ዝነበረ 3 ደቒቕን 5 ካልኢትን ንምጽባብ ክትሰርሕ ጀሚራ።

ኣብ ሞንጎ መራሒት ጉጅለን ዓባይ ጉጅለን ዝነበረ ናይ ግዜ ፍልልይ ኸኣ በብቑሩብ ክጸብብ ጀሚሩ ኣብ መበል 66 ኪሎሜተር ኸኣ ናብ 2 ደቂቕን 45 ካልኢትን ወሪዱ።

ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ነታ ኣብ 72 ኪሎሜተር ተሰሪዓ ዝነበረት ናይ ዓቐበት ነጥቢ እተውህብ ሕንጻጽ’ውን ብተመሳሳሊ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰለስተ ተቐዳደምቲ ብምብላጽ ቀዳማይ ወጺኡ ነጥቡ ክብ ከብል ክኢሉ።

ዓቐበት ወዲኦም ናብ ቁልቑለት ኣብ ዘምርሕሉ ኣኽሊሉ ካብ መራሒት ጉጅለ’ኳ ክሃድም እንተፈተነ፡ እቶም ሰለስት ዕድል ኣይሃብዎን፡ ቀልጢፎም ኣርኪቦሞ፡ ኣርባዕተኦም ኸኣ ምስ ዓባይ ጉጅል ዝነበሮም ፍልልይ ዓቒቦም ብሓባር ክጉዓዙ ጀሚሮም።

ተቐዳዳምቲ ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ሰዓታት ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሰዓት 41 ዘኪሎሜተር እናዘወሩ’ዮም ዝጉዓዙ ነይሮም።

ኣብ መበል 89 ኪሎሜተር፡ ምስ ቀዳመይቲ ጉጅለ ዝነበረ ርዋንዳዊ ማኒዛባዮ ነቲ ብብዓል ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ዝርገጽ ዝነበረ ስካቶ ክጻወሮ ስለዘይክኣለ ካብ መራሒት ጉጅለ ዘልሓጥ ክብል ተራእዩ።

ኣብ መበል 94 ኪሎሜተር መራሒት ጉጅለ ንማኒዛብዮ ናይ 35 ካልኢት ፍልልይ ከተንጽፈሉ እንከላ ዓባይ ጉጅል ካብ ብዓል ኣኽሊሉ ኣረፋይነ 2 ደቒቕን 20 ካልኢትን ድሒራ ትስዕብ።

ጸወታ ክዛዘም 38 ኪሎ ሜተር ምስ ተረፈ ዓባይ ጉጅል ንርዋንዳዊ ማኒዛብዩ ብምርካብ ምስ መራሒት ጉጅለ ዝነበራ ፍልልይ ናብ ሓደ ደቒቕን 30 ካልኢትን ኣውሪዳቶ።

ጸወታ 113 ኪሎሜተር ምስ ተለዓሎ፡ ካብ ዓባይ ጉጅለ ሃዲሞም ዝወጽኡ ቦነትን ቨርቸርን ካብ ቶታል ኢነርጂ ንመራሒት ጉጅለ ኣርኪቦማ ምስ ዓባይ ጉጅለ ዝነበረ ፍልልይ ኸኣ ናብ 40 ካልኢት ወሪዱ።

ጉጅለ ብሓባር ምጥራናፋ ከምዘይተርፍ ዝተረድኦም ኣባላት ጋንታ ግሪን ፕሮጀክት ምስ ሄኖክ ሙሉብርሃን ዘላ ብጫ ማልያ ንምውሓስ ኣብ ቅድሚት ወጺኦም ጸወታ ክቅልስዎ ጀሚሮም።

ጸወታ ክዛዘም 10 ኪሎሜተር ኣብ ዝተረፈሉ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ካብ መራሒት ጉጅለ ክተርፍ ተራእዩ።

ቦነት ካብ ቶታል ኢነርጂ ኣብ ቅድሚት ምውጽኡ፡ ኣብ ብጫ ማልያ ካብ ሄኖክ ሙሉብርሃን ብ11 ካልኢት ጥራይ ድሒሩ ስለዝነበረ፡ እቲ ጸወታ ከምዘየርብሖም ዝተረድኦም ጋንታ ግሪን ፕሮጀክት ነቲ ፍልልይ ንምጽባብ ኣብ ሓያል ምርብራብ ኣትዮም።

ጸወታ ክዛዘም 3 ኪሎሜተር ኣብ ዝተረፈሉ ኣብ ሞንጎ መራሒት ጉጅለን ዓባይ ጉጅለን ዝነበረ ናይ ግዜ ፍልልይ 35 ካልኢት ኮይኑ።

ተቐዳዳማይ ቶታል ኢነርጂ ቶማስ ቦነት ቀዳማይ ብምውጻእ ካብ መወዳድርቱ ብነዊሕ ፈልዩ ዕዉት እዚ መድረኽ ብምዃን ብጫ ማልያ ካብ ሄኖክ ሙሉብርሃን ተረኪቡ።

ተቐዳደምቲ ጽባሕ ኣብ ዝካየድ ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ካብ ከተማ ሩዙኪ ተበጊሶም ብገምገም ቀላይ ኪቪ ኣብ ዶብ ርዋንዳን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊ ኮንጎን ኣብ እትርከብ ከተማ ሩባቩ ውድድሮም ክዛዝሙ’ዮም።

እዛ መድረኽ 195.5 ኪሎሜተር ራሕቒ ዘለዋ ኮይና ብንውሓታ ካብ ሸሞንቲአን መድረኻት ኣብ ካልኣይ’ያ ትስራዕ።