ካልኣይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካልኣይ ኣትዩ

ትማሊ ንቀዳማይ መድረኽ ዝተዓወተሉ ብሪጣንያዊ ኢታን ቬርኖን ደጊሙ ንኻልኣይ መድረኽ ኣብ ዝተዓወተሉ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካልኣይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።

ተቐዳዳማይ ትረንጋኑ ጆረን መይጀርስ ሳልሳይ ክወጽእ እንከሎ፡ ዳዊት የማነ መበል 16፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ መበል 20፡ መትከል እዮብ መበል 26፡ ሃገር ዓንደማርያም መበከል 59፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት 61፡ ናሆም ዘርኣይ፡ 67፡ ዩኤል ሃብተኣብ 68፡ ዓወት ኣማን 69 ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም።

ሄኖክ ሙሉብርሃን ንኢታን ቬርኖን ተኸቲሉ ኣብ ብጫ ማልያ ብተመሳሳሊ ግዜ ኣብ ካልኣይ ተስሪዑ ኣሎ።

ኣኽሊሉ ኣረፋይነ'ውን ኣብ ብጫ ማልያ ብተመሳሳሊ ግዜ ኣብ መበል 12 ተቐሚጡ ኣሎ።

ንብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቀዳዳማይ እትውሃብ ማልያ ትማሊ ዝተረከባ ሄኖክ ሙሉብርሃን ሎሚ'ውን ከውሕሳ እንከሎ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ካልኣይ ዳዊት የማነ ራብዓይ መትከል እዮብ ሓሙሻይ ኣለዉ።

ንትሕቲ 23 ዓመት እትውሃብ ማልያ፡ ንቀዳማይን ንካልኣይን መድረኽ ዝተዓወተሉ ብሪጣንያዊ ኢታን ቬርኖን ሒዝዋ ኣሎ።

ሎሚ ዝተኻየደ ካልኣይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ካብ ከተማ ኪጋሊ ተገጊሱ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ርዋንዳ እትርከብ ከተማ ጊሳጋራ ዝተዛዘመ 132.9 ኪሎሜተር ራሕቒ ዝነበሮ’ዩ።

እዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ሓጺርን ተሪርን ኮይኑ፡ ኣብ ምጅማር እቲ ውድድር ኣብ 5.8 ኪሎሜተር፡ 18.6 ኪሎሜተር ከምኡ ከኣ ኣብ መበል 38.4 ኪሎሜተር ንሓኾርቲ ነጥቢ ዘውህብ መስመራት ተሲሩዑሉ ኔሩ።

እዚ ካብ ምጅማር ጸወታ ኣትሒዙ ምሙላቕ ናይ ተጻወትቲ ዝተራኣዩ ውድድር፡ ተቐዳዳማይ ኢኤፍ ኢዲከሽን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ማርከ ፕሪትዘን ነተን ንናይ ኣንበሳ ዓቐብ ዝውሃባ ቀዳሞት ነጥብታት ንኹለን ቀሪምወን።

ማርከ ፕሪትዘን ጸወታ 47 ኪሎ ሜተር ጥራይ ምስ ተለዓሊ ምስ ዓባይ ጉጅለ ዝነበሮ ናይ ግዜ ፍልልይ ክሳብ ሸሞንተ ደቒቕ ከዕብዮ ክኢሉ ነይሩ’ዩ፡

ድሒራ ዝተበራበረት ዓባይ ጉጅል ብክለብ ሳውዳል ኵክ ስቴፕ እናተቀለስት ነቲ ብማርክ ፕሪትዘን ዝተነጸፈላ ጋግ ኣብ ምጽባብ’ያ ተጸሚዳ።

እቲ ሸሞንተ ደቒቕ በጺሑ ዝነበረ ናይ ግዜ ፍልልይ ክጸብብ’ውብ ግዜ ኣይወሰደን።

ኣብ መበል 73 ኪሎሜተፍ ብዙሓት ተጻወትቲ ኣብ ኣንጎሎ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ስለዘጋጠሞም ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ዓባይ ብሪጣንያ ጆሽ ቻርልቶን ዝርከቦም ገለ ተጻወትቲ ጸወታ ከቋርጹ እንከለዉ ዝተረፉ ግን ካብ ዝወደቕዎ ተሲኦም ንዓባይ ጉጅለ ኣርኪቦማ።

ጸወታ 80 ኪሎሜተር ምስ ተላዓሎ እቲ ኣብ መንጎ ዓባይ ጉጅለን ካብ መጀመርታ ንበይኑ ዝሃደመ ማርክ ትሪትዘንን ዝነበረ ናይ ግዜ ፍልልይ ናብ 3 ደቒቕ ወሪዱ።

ጸወታ 94 ኪሎሜተር ምስ ተለዓሎ ዓባይ ጉጅል ምስ ማርክ ትሪትዘን ዝነበራ ፍልልይ ናብ 1 ደቒቕን 20 ካልኢትን ኣብ ዘውረደትሉ፡ ኣብ ዓባይ ጉጅል ምውዳቕ ስለዘጋጠመ ተጻዋታይ ኢኤፍ ኢዲኬሽን ብሪጣንያዊ ቶቢ ፔሪን ተጻዋታይ Q36.5 ፍሊፖ ኮንካ ካብ ጸወታ ከቋርጹ ተገዲዶም።

ኣብ 107 ኪሎሜተር ዓባይ ጉጅል ነቲ ንልዕሊ 90 ኪሎሜተር በይኑ ዝዘወረ ማርከ ፕሪትዘን ዘንጸፈላ ግዜ ኣጽቢባ ኣርኪባረቶ፡ እንተርፎ ውሑዳት ንድሕሪት ዘርጠብጠብ ዝብሉ ዝነበሩ ተጻወትቲ ኸኣ እታ ጉጅለ ብምልእታ ብሓባር ተጠርኒፋ ንዝጽበያ ዝነበረ ተሪር ዓቐበት ዝለዎ 15 ኪሎ ሜተር ከተቋምት ጀሚራ።

ሓሓሊፉ’ኳ ብርዋንዳውያን ተቐዳደምቲ ናይ ምህዳም ፈተነ ይካየድ እንተነበረ፡ ዓባይ ጉጅለ ግን ግዜ ከከይሃበት ኣርኪባ ትውሕጦም ነይራ።

ጸወታ ክዛዘም 10 ኪሎ ሜተር ምስ ተረፎ ሽዱሽተ ናይ ዝተፈላለያ ጋንታታት ተጻወትቲ ካብ ዓባይ ጉጅል ብምፍላይ እቲ ብርቱዕ ጸሓይ ዝነበሮ ኩነታት ኣየር ተወዳኺ ረስኒ ወሲኸምሉ፡ ካብ ዓባይ ጉጅለ ግን ከምልጡ ኣይክኣሉን፡ ትማሊ ንቀዳማይ መድረኽ ዝተዓወተሉ ብሪጣንያዊ ኢታን ቬርኖን ደጉሙ ንኻልኣይ መድረኽ’ውን ተዓዊትሉ።

ኣብዛ ናይ ሎሚ መድረኽ ተቐዳደምቲ ብድምር 2553 ሜትሮ ብራኽ’የም ደይቦም።

ንዕዉታት ዝውሃብ ሽልማት

ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ርዋንዳ፡ ሎሚ ዓመት ንዕውታት ተቐዳደምቲ ዝኸውን 45500 ዩሮ’ዩ ሰልዲ ሰሊዑ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ ቀዳማይ ክሳብ 20 ዝወጽኡ ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ናይ ገንዘብ ሽልማት ይውሃቦም።

ንቀዳማይ ዝወጽአ 1250 ዩሮ፡ ንኻልኣይ 600 ዩሮ፡ ንሳልሳይ 300 ዩሮ፡ ንራብዓይ 200 እናበለ ካብ 17 ክሳብ 20 ንዝወጽኡ ኸኣ ነፍሲ ወከፎም 20 ዩሮ ይውሃቦም።

ኣብ ሸሞንት መዓልታት ኸኣ ብሓፈሻ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ ካብ ቀዳማይ ክሳብ 20 ንዝወጽኡ ብድምር 26 ሽሕ ዩሮ ሽልማት ክውሃብ’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ብጫ ማልያ ካብ ቀዳማይ ክሳብ 20 ዝወጽኡ’ውን ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ገንዘባዊ ሽልማት ክውሃቦም’ዩ።

ኣብ ብጫ ማልያ ቀዳማይ ኮይኑ ውድድሩ ዝዘዘመ 3600 ዩሮ፡ ንኻልኣይ 2100 ዩሮ፡ ንሳልሳይ 1500 ዩሮ ንራብዓይ 1200 ዩሮ ፡ እቲ መጠን ከከም ደረጀኦም እናጎደለ ካብ 18 ክሳብ መበል 20 ንዝጽወኡ ኸኣ ነፍሲ ወከፎም 50 ዩሮ ክሽለሙ’ዮም።

ኣብ መወዳእታ እዚ ውድድር ቀዳመይቲ ኮይና ውድድራ ንዛዘመት ጋንታ 1000 ዩሮ፡ ንኻልኣይቲ 550፡ ንሳልሰይቲ 300፡ ራብዓይቲ 150 ዩሮ ሓሙሽይቲ ኸኣ 100 ዩሮ ክሽለማ’የን።

ኣብ ንጉስ ዓቐብ፡ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ዝውሃብ ነጥቢ፡ ዝበለጸ መንእሰይ፡ ዝበለጸ ኣፍሪቃ ተቐዳዳሚ፡ ዝበለጸ ርዋንዳዊ ተቐዳዳሚን ኣብ ጸወታ ብርቱዕ ናይ ጸወታ ምትህልላኽ ዘርኣየ ተቐዳዳሚን ከኣ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብቕደም ተኸተል ነፍሲ ወከፎም 350 ዩሮ፡ 150 ዩሮ፡ 100 ዩሮ ክሽለሙ’ዮም።

ኣብ ምሉእ ሸሞንቲኡ መድረኻት ንበይኑ ሃዲሙ ነዊሕ ዝዘወረ ሓደ ተጻዋታይ ኸኣ 100 ዩሮ ክሽለም’ዩ።