እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዙር ርዋንዳ 2023፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት እቲ ብርዋንዳውያን ኣዝዩ ዝተፈትወ ተቐዳዳማይ
ሎሚ ዓመት ንመበል 15 ግዜ ዝካየድ ዙር ርዋንዳ 2023 ካብ 19 ክሳብ 26 ለካቲት’ዩ ክካየድ፡ እቶም ኣብ ዙር ርዋንዳ ዓቢ ስም፥ ዓቢ ዓወትን ብዙሓት ደገፍትን ዘለዎም ኣባላት ሃገራዊት ጋንታን ምስ ካልእ ክለባት ዝጻወቱን ኤርትራውያን ኸኣ ብምሉኦም መምስ ጋንትኦም ብምዃን ናብ ኪጋሊ ኣትዮም ኣለዉ።
ዕዉት ዙር ርዋንዳ 2010 ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምዃን ድሕሪ 2011 ንመጀመርታ ግዜ ናብዚ ውድድር ተመሊሱ ኣሎ።
ኣብ ርዋንዳ ብዙሓት ሰዓብቲ ዘለውዋ ሮያል ኤፍ-ኤም ዝተብሃለት መደበር ራድዮን መርበብ ሓበሬታን ‘Kuki Teklehaimanot yakunzwe na benshi mu Banyarwanda? [ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ንምንታይ’ዩም ርዋንዳውያን ማዕረ ርዋንዳውያን ዝድግፍዎ?] ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ሸፈነ ብምሃብ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ናብ ዙር ርዋንዳ 2023 ምምጽኡ ሓደ ካብ ቀመማት እዚ ውድድር ከምዝኸውን ኣብ ዓምዳ ኣስፊራ።
ዙር ርዋንዳ ኣብ 2009 ብዩ-ሲ-ኣይ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ኣብ 2009 ክካየድ ምስ ጀመረ እቲ ቅድሚኡ ውሑዳት ሃገራት ጥራይ ዓዲሞም ዘካይድዎ ዝነበሩ ውድድር ዝጎናጸፍዎ ዝነበሩ ዓወትን ብቐሊሉ ዝርከብ ኣይኮነሎምን።
2009 ሞሮካዊ ጃሊል ዓድል፡ 2010 ኤርትራዊ ዳንኤል ተክለሃይማኖት፡ 2011 ኣሜሪካዊ ረይጀንየ፡ 2012 ከምኡ ከኣ 2013 ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሊል ዳረንን ግሪድሊስቶን ዳያላን ተዓዊቶሙሉ።
እታ መርበብ ሓበሬታ ነቶም ካብ 2009 ክሳብ 2013 ነቲ ውድድር ዝተዓወትሉ ደቂ ካልእ ሃገር ተቐዳደምቲ ብምዝርዛር፡ ነቲ ብመልክዑን ብሕብሩን ንርዋንዳውያን ዝመስል ዘይደገፉ ድኣ ንመንከ ክድግፉ ብምባል ንተፈታውነት ዳንኤል ገሊጻቶ።
ዳንኤል ኣብ 2010 ዕዉት ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድርን ዕዉት ብጫ ማልያን ዙር ርዋንዳ ምዃኑ ተወሲኽዎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ’ውን ብናይ ግዜን ናይ ጽርግያ ውድድር ክዕወት ብምኽኣሉ ኣብ ልቢ ርዋንዳውያን ዓቢ ስፍራ ንኽረክብ ሓጊዝዎ’ዩ።
እታ ብደረጃ ዓለም’ውን ፍሉጣትን ጸለውትን ተቐዳደምቲ ከተፍሪ ዝኸኣለት ኤርትራ፡ ኣብ ዙር ርዋንዳ’ውን ዛጊት ሓያለ ክብሪ’ያ ኣመዝጊባ ዘላ።
ሓደ ካብኡ፡ ዙር ርዋንዳ ናብ 2.1 ካብ ዝሰጋገር ሎሚ ዓመት ንሓሙሻይ ግዙኡ’ዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዝተኻየደ ዓርባዕተ ዓመታት ኸኣ ኤርትውያን ሰለስተ ግዜ ብጫ ማልያ ክውንኑ ክኢሎም።
ኣብ 2019 ብመንገዲ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ 2020 ከምኡ'ውን ኣብ 2022 ኸኣ ብመንገዲ ናትናኤል ተስፋጽዮን።
ሎሚ ዓመት ንሻሙናይ ግዚኡ ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝሳተፍ ዘሎ ኤርትራዊ መትከል እዮብ ብወገኑ፡ ኣብ 2013፡ 2015፡ 2016 ከምኡ ኸኣ 2017 ሓሙሽተ ግዜ ናይ መድረኽ ዕዉት ክኸውን እንከሎ መክሰብ ደበሳይ ከኣ ኣብ 2014ን ኣብ 2015ን ኣብ ዙር ርዋንዳ ኣርባዕተ ግዜ ተዓዋቲ ናይ መድረኽ ክኸውን ክኢሉ’ዩ።
ብዘይካ’ዚ ኤርትራውያን ኣብ ዙር ርዋንዳ 24 ግዜ ናይ መድረኽ ዕውታት ብምዃን ልዕሊ ዝኾነት ሃገርን ክለብን ጸብለል ክብሉ እንከለዉ ርዋንዳውያን 20 ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ንኤርትራ ይስዕብዋ።
ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሎም ሎሚ ዓመት ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝሳተፉ ገዲም ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ሃገር ዓንደማርያም፡ ዩኤል ሃብተኣብ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ዓወት ኣማንን ኮይኖም ብኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል እናተኣልዩ ውድድሮም ከካይዱ’ዮም።
ሎሚ ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ኸኣ ናብ ርዋንዳ ኣትዮም ኣለዉ።
ብዘይካ እዚኦም ምስ ጋንታ ባይክ አይድ ዝወዳደር ዕዉት ዙር ሰርብያ 2022 ዳዊት የማነ ምስ ጋንትኡ ብምዃን ንብጫ ማልያ ክወዳደር’ዩ።
ምሰ ጋንታ ባርድያኒ ዝወዳደር ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ምስ ጋንታ ትረንጋኑ ዝወዳደር መትከል እዮብ ከምኡ’ውን ምስታ ብኤርትራዊ ኣሰልጣኒ ኣኽሊሉ ሃይለ እትስልጥን ኮንቲነታል ጋንታ መይ ስታር’ውን ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ኣቤል ብርሃነን ኣሮን ስምኦንን ምስ ሰለስተ ርዋንዳውያን ብምጥርናፍ ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ'ያ።
ሓጺር ድሕረ ባይታ ዙር ርዋንዳ
ዙር ርዋንዳ ብወግዒ ኣብ 1988'ኳ እንተጀመረ፡ ንሰለስተ ዓመታት ብተኸታታሊ ድሕሪ ምክያዱ ካብ 1991 ክሳብ 2000 ብሰንኪ እቲ ኣብ ርዋንዳ ዝነበረ ኵናት ሓድሕድን ንሱ ዘስዓቦ ዘይርጉእነት ናይታ ሃገርን ክካየድ ኣይክኣለን።
ኣብ 2001 ዳግማይ ብምጅማር ክሳብ 2008 ንጎረባብቲ ሃገራት ርዋንዳ ጥራይ እዩ ዘሳትፍ ነይሩ።
ከም መርኣይኡ እንትርፎ እቲ ኣብ 2006 ነቲ ውድድር ዝተዓወተሉ ኬንያዊ ፔተር ካማኡ እንተዘይኮይኑ እቲ ዝተረፈ ኩሉ ርዋንዳውያን እዮም ተዓዊቶምሉ።
ነቲ ውድድር ካብ 2002 ክሳብ 2005 ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ ዓመት ከምኡ'ውን ኣብ 2007 ዝተዓወተሉ ርዋንዳዊ ኣብርሃም ርሁማሪዛ ከኣ ልዕሊ ዝኾነ ጸብለል ኢሉ ንረኽቦ።
ሓድሽ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2008-2019
ዙር ርዋንዳ ክሳብ 2008 ዞባዊ ውድድር ኮይኑ ጥራይ ውድድራት ከሰላስል ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2008 ብዩሲኣይ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ናይ 2.2 መለክዒ ሒዙ ክካየድ ጀሚሩ።
'ቱር ዲ ርዋንዳ' ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ ውድድር ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ንሃገራት ብሩንዲ፣ ታንዛንያ፣ ኡጋንዳን ኬንያን ጥራይ የሳተፍ ምንባሩ ይሕብር።
ኣብቲ እዋን ፕረዘደንት ሃገራዊ ፌደሬሽን ቅድድም ብሽክለታ ርዋንዳ ኮይኑ ዝተመረጸ ባይንጋን ዳይሬክተር ቴክኒክ እቲ ፌደረሽን ጆክ ቦየርን ብሓባር ብምዃን ነቲ ውድድር ዓለምለኻዊ መልክዕ ንኽሕዝ ከም ዝሰርሑ'ውን እቲ መርበብ ሓበሬታ ይገልጽ።
ካብ 2008 ጀሚሩ ኸኣ ሓደ ካብ ዝበለጹ ውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ክኸውን ግዜ ኣይወሰደሉን።
ማዕረ ማዕሪኡ ኸኣ ተሳተፍቲ ጋንታታት ካብ ኣፍሪቃ ጥራይ ከይተሓጸራ ካብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ክመጽኣ ጀሚረን።
ከም መርኣይኡ'ውን ኣብቲ ዙር፡ ውድድራት እናሓየለ ክኸይድን እቲ ብርዋንዳውያን ተዓብሊሉ ዝነበረ ዓወታት ኣብ 2009 ሞሮካዊ ዓደል ጃሉል፣ ኣብ 2010 ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፣ ኣብ 2011 ኣመሪካዊ ከይል ረይጀንን፣ ኣብ 2012 ከምኡ'ውን 2013 ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዳረን ሊልን ድይላን ግሪድልስቶን ክዕወትሉ ክኢሎም።
ዙር ርዋንዳ ካብ 2008 ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ተኸሊሱ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ሓደ ኢሉ ምቁጻር ብምጅማር ድማ'ዩ ሎሚ ዓመት ንመበል 14 ግዜ ዝካየድ ዘሎ።
ን10 ዓመታት ደረጅኡ ኣብ 2.2 ኮይኑ ውድድሩ ዘካየደ ዙር ርዋንዳ 2019 ናብ ካልእ ሓድሽ መድረኽ ዝሰገረላ ዓመት እያ ነይራ።
2019 ዙር ርዋንዳ ናብ ሓድሽ መድረኽ
ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ዙራት ቅድድም ብሽክልታ፡ ዙር ትሮፒካል ኣሚሳ ባንጎ [ዙር ጋቦን] እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ንመጀመርታ ግዜ ብዩሲኣይ ናይ 2.1 [race category] መለክዒ ዝተውሃቦ እዩ።
እዚ ኣብ 2008 ካብ 2.2 ናብ 2.1 ዝተሰጋገረ ዙር፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ዝካየድ ውድድር ኮይኑ፡ እቲ ወቕቲ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ውርጪ ዝበዝሓሉ እዋን ስለ ዝኾነ ዳርጋ ኩሎም ኣብ ኣውሮጳ ዝመደበሮም ተቐዳዳምቲ ብሽክለታ ክሳተፍዎ ይርኣዩ'ዮም።
ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ዘለዎ ጽፉፍነት ምሕደራ፡ ናይ መወዳደሪ ቅርጺ መሬትን ካልእ መሰረታዊ ቅጥዕታትን ብዩሲኣይ ተራእዩ ካብ 2.2 ናብ 2.1 መለክዒ ምስ ተሰጋገረ ኸኣ ልክዕ ከም ዙር ጋቦን ተሳተፍቲ ጋንታታት ብብዝሕን ብዓይነትን ክውስኻ ተራእየን።
ብዘይካ እዚ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ እንኮ ብዩስኣይ ኣብ 2008 ናይ 2.1 መልክዒ ዝተውሃቦ ዙር ጋቦን[ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ] ካልኣዩ ክኸውን ክኢሉ። ክሳብ ሕጂ'ውን ኣብ ኣፍሪቃ ክልቲኡ ዙራት ጥራይ'ዩ ብዩሲኣይ ናይ 2.1 መለክዒ ረኺቡ ዘሎ።
ዙር ርዋንዳ ናብ 2.1 ምስ ተሰጋገረ ኣብ ዘካየዶ ሰለስተ ዙራት፡ ኣብ 2019 ምስ ጋንታ ኣስታና ዝወዳደር ዝነበረ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ዕዉት ብጫ ማልያ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ 2020 ከምኡ ኸኣ 2022'ውን ብተመሳሳሊ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕዉት ብጫ ማልያ ክኸውን ክኢሉ።
ኣብ 2021 ኣብ ዝተኻደ ዙር ርዋንዳ ዝተዓወተ ተቐዳዳማይ ጋንታ ቶታል ዳይረክት ኢነርጂ ስጳኛዊ ክርስትያን ሮድሪገዝ ክኸውን እንከሎ፡ ክርስትያን ሮድሪገዝ ንዙር ርዋንዳ ዝተዓወተሉ ቀዳማይ ኣውሮጳዊ እዩ።
ርዋንዳ ኣብ 2025 ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ከተአንግድ ስለ ዝተረቑሐት ኸኣ ንውድድር ዙር ርዋንዳ ዝያዳ ክብርን ኣቓልቦን ንኽውሃቦ ዝድርኽ ኣጋጢሚ ኮይኑ ይርከብ።