ሄኖክ ሙሉብርሃን ደጊሙ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2023 ኮይኑ

ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሄኖክ ሙሉብርሃን ነቲ ዓሚ ኣብ ግብጺ ዝተጎናጸፎ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ኣክራ ጋና ብምድጋም ኣከታቲሉ ንኽልተ ዓመት ቻምፖዮን ኣፍሪቃ ኮይኑ።

ኣብቲ ሎሚ ዝተካየደ 120 ኪሎ ሜተር ዝሸፈነ መበል 19 ውድድር ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሬድ ሲ ካመልስ ብተቀዳደምቲ ናትናኤል ብርሃነ፡ ሜሮን ተሾመ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፡ ዩኤል ሃብታኣብ፡ ሚልኪያስ ቁዱስ፡ ኤፍሬም ገብረሂወትን ናሆም ዘርኣይን ተወኪላ’ያ ኣብዚ ውድድር ተሳቲፋ።

ብሓፈሻ ን24 ሃገራት ዝወከሉ 82 ቐዳደምቲ’ዮም ኣብ መስመር ምጅማር ተረኺቦም። ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ: ኣልጀርያ፡ ቡርኪናፋሶን ሞሮኮን ነፍሲ ወከፈን ሸሾሞንተ ተቐዳደምቲ ከሰልፋ እንከለዋ፡ ኣአንጋዲት እዚ ውድድር ጋና ትሽዓተ ተጻወትቲ ኣሰሊፋ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተደጋጋሚ ናይ ምምላቕ ፈተነታት ድሕሪ ምክያድ ጸወታ ክዛዘም ሰለስተ ዙራት ምስ ተረፎ ግን ንጸወታ ምሉእ ንምሉእ ብምዕብላል ኣብ ቕድሚት ኮይና ንጸወታ ክትቅልሶ ጀሚራ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ግብጺ ከተማ ሻርምኣልሸኽ ኣብ ዝተኻደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ንዝበዝሐ እቲ መዳልያታት ከም ዝተዓወተትሉ ዝዝከር’ዩ።

ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብ ዘካየዶ ጸወታታት፡ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ምዃኑ ምልክት ዘለዋ ማልያ ገይሩ'ዩ ውድድር ከካይዱ ጸኒሑ፡ እንሆ ኸኣ ክሳብ ቀጻሊ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝካየድ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ምዃኑ እተመልከት ማልያ ገይሩ'ዩ ጸወታታቱ ከካይድ።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ናይ ዓበይቲ ሸሞንተ ግዜ ቻምፕዮን ብምዃን ጸብለል ክብሉ እንከለዉ ናትናኤል ብርሃን ኣብ 2011ን 2012ን: ተስፎም ዑቕባማርያም ኣብ 2013ን 2016ን ከክልተ ግዜ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ብምዃን ዘውዲ ደፊኦም።

ሄኖክ ሙሉብርሃን በዚ ሎሚ ዘመዝገቦ ዓወት ተሓጊዙ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ከምኡ ኸኣ 2023 ክኸውን ክኢሉ ኣሎ።

ዳንኤል ተኽለሃያማኖት፡ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ መኽሰብ ደበሳይን ሄኖክ ሙሉብርሃንን እቶም ካልኦት ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ክኾኑ ዝኸኣሉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ እዮም።

እዛ ናብ ጋና ዝተጕዓዘትላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ማእከላ ክልተ ግዜ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝኾነ ናትናኤል ብርሃነን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝኾነ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ሓቊፋ ውድድራ ኣሰላሲላ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር’ውን ካብ 2010 ጀሚራ ክሳብ 2019 ብተኸታታሊ ኣብቲ ዝተሳተፈቶ ትሽዓት ውድድራት፡ ትሽዓት ግዜ ወርቂ መዳልያ ክትሽለም እንከላ፡ ኣብ 2021 ቦኺራ፡ ኣብ 2022 ናብቲ ውድድር ብምምላስ ወርቒ መዳልያ ብምውሳድ ዝቐልጠፈት ጋንታ ኣፍሪቃ ክትከውን ክኢላ’ያ።

ቅድሚ ሕጂ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝኾኑ ተቐዳደምቲ

2010፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ሜሮን ርእሶም ካልኣይ

2011፡ ናትናኤል ብርሃነ፡ ተስፋይ ኣብርሃ ካልኣይ

2012፡ ናትናኤል ብርሃነ፡ ፍረቃልሲ ደበሳይ ሳልሳይ

2013፡ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ መርሃዊ ቅዱስ ሳልሳይ

2015፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ መንትጀስ

2016፡ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ መክሰብ ደበሳይ ሳልሳይ

2017፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዊሊ ስሚት ሜሮን ኣብርሃም ካልኣይ

2018፡ ኣምንኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ መትከል እዮብ ካልኣይ

2019፡ መኽሰብ ደበሳይ

2021፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ርያን ጊብሰን

2022፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን

2022፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን