እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ንመጠንቀቕታ ሰብመዚ ጸጥታ ከምዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ
ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ንመጠንቀቕታ ሓባራዊ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ከምዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ።
ሲኖዶስ እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ እቲ ናይ ሰልፊ ክልከላ፡ መንግስቲ “ሕዚ እውን እቲ ፀገም ንምፍታሕ ዘይኰነስ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ሓንሳብን ንመወዳእታን ግዘ ንምዕናውን ንምጥፋእን ዝተኣወጀ ኣዋጅ ምዃኑ ንክንኣምን ገይሩና” ክብል ነቒፉ።
ሓባራዊ ሓይሊ ጸጥታን ድሕንነትን ኢትዮጵያ፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ን5 ለካቲት 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ክካየድ ዝጸውዓቶ ሰልፊ ፍቓድ ከም ዘይብሉ ኣፍሊጡ እዩ።
ሓባራዊ ሓይሊ ጸጥታን ድሕንነትን፡ "ኣብ ተመሳሳሊ መዓልትን ቦታን፡ ዘይሕጋዊ ሰልፍን ካልእ ጎንጺ ዘስዕቡ ንጥፈታትን ብምጽዋዕ ህይወት ዜጋታት ዝጠፍኣሉ ኣጋጣሚ ንምፍጣር ምልዕዓል ይግበር ከም ዘሎ ምርግጋጽ” ከም ዝኸኣለ ይሕብር።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ን5 ለካቲት 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ክካየድ ሰልፊ ከም ዝፀወዐት ይፍለጥ።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ምስቲ ሕጋዊ ኣይኰነን ዝበለቶ ሲመተ ጳጳሳት ተተሓሒዙ መንግስቲ ጣልቃ ብምእታውን ብምድጋፍን ማእሰርቲ፡ ስቅያትን ቅትለትን ይፍጸም ኣሎ ብምባል ምእመናን ሰልፊ ከካይዱ ጸዊዓ’ላ።
እቲ ሓድሽ ዝተመስረተ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኦሮምያን ናይ ብሄር ብሄረሰባትን ሲኖዶስ እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብተመሳሳሊ መዓልትን ቦታን ሰልፊ ከም ዝጸውዐ ሓባራዊ ሓይሊ ጸጥታን ድሕንነትን ዝሃቦ ሓበሬታ የረድእ።
ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ዕለት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝርከቡ ካህናትን ምእመናን ካብ ኣብያተ ክርስቲያናት ተበጊሶም ኣብ ኣደባባይ መስቀልን ካልኦት ቦታታትን ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ከም ዝወሰነ ይፍለጥ።
ሓባራዊ ሓይሊ ጸጥታን ድሕንነትን፡ "ኣብ ተመሳሳሊ መዓልትን ቦታን፡ ዘይሕጋዊ ሰልፍን ካልእ ጎንጺ ዘስዕቡ ንጥፈታትን ብምጽዋዕ ህይወት ዜጋታት ዝጠፍኣሉ ኣጋጣሚ ንምፍጣር ምልዕዓል ይግበር ከም ዘሎ ምርግጋጽ” ከም ዝኸኣለ ይሕብር።
ብተወሳኺ፡ እቶም ሰልፍታት ከም ሽፋን ብምጥቃም ሃገር ንምጥፋእ ንክሰርሑ ንጸረ-ሰላም ሓይልታት በሪ ከም ዝኸፍት ሰዓብቲ እቲ እምነት ክርድኡ ከም ዘለዎም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
እቲ መግለጺ፡ እቶም ሰልፍታት ፍቓድ ከም ዘይተወሃቦምን እቶም ነዚ ብምጥሓስ ሰልፊ ዘካይዱ ኣተሓባበርቲ ወይ ተሳተፍቲ ንዝበጽሕ ዝኾነ ጉድኣት ተሓተትቲ ከም ዝኾኑን የጠንቅቕ።
"ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታትን ሃገርን ንምርግጋጽ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወሰድ እዩ" ክብል ወሲኹ ኣጠንቂቑ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልል ዝርከቡ ሓይልታት ጸጥታ'ውን በብከባቢኦም "ዘይሕጋዊ ሰልፍታት" ከይፍጸም ዘድሊ ክትትል ክገብሩ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ኣሎ።
ሲኖዶስ እታ ቤተ-ክርስትያን ድሒሩ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ግና፡ “ቤተ-ክርስትያን ካብ ትፈርስ፡ ስደትን መከራን ብሓጐስ ክንቕበል ኢና” ዝበለ መግለፂ እቲ ሲኖዶስ፡ መንግስቲ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ መዓልታት ዘይሕጋውያን ኢሉ ምስ ዝፀወዖም ውልቀሰባት ምትሕብባር ደው ከብልን ሕግን ስርዓትን ከኽብርን ሓቲቱ።
እቲ ሲኖዶስ፡ ካብ መንግስቲ ክልል ኦሮምያን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ወፃኢ ዘለዋ ክልላትን ምምሕዳር ከተማን “ ንፃውዒት እታ ቤተ-ክርስትያን ተኸቲለን ሕግን ስርዓትን ንምኽባር” ንዝወሰድኦ ስጉምቲ ኣመስጊኑ።
ኣብ ሻሸመኔ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ካብ ዝተቐተልሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ መንጐ እታ ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን ዘሎ ወጥሪ እናወሰኸ ይመጽእ ከም ዘሎ ይንገር።
መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዘሎ "ኣፈላላይ" ብዘተን ብኣሰራርሓ ቤተ-ክርስትያንን ክፍታሕ ኣለዎ ምባሉ ይዝከር።
እታ ቤተ-ክርስትያን ግና፡ መንግስቲ ዘውጽኦ መግለጺ ነቶም ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝተወገዙ ውልቀሰባት ከም ሕጋውያን ኣካላት ኣፍልጦ ከም ዝህበ ትኸስስ።