እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝተኾነኑ መራሕቲ ሃይማኖት ንውሳነ ሲኖዶስ ነፂጎም
ብቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ቀኖናን ሕግን እታ ቤተ-ክርስትያን ጥሒሶም ተባሂሎም ዝተኾነኑን ካብ ቤተ-ክርስትያን ዝተኣለዩን መራሕቲ ሃይማኖት፡ ንውሳነ ሲኖዶስ ከም ዘይቕበሉ ኣፍሊጦም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብሰለስተ ጳጳሳት እታ ቤተ-ክርስትያን ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ብዘይ ኣፍልጦ እቶም ፓትርያትክን ቅዱስ ሲኖዶስን 26 ኤጲስ ቆጶስ ከም ዝተሸሙ ይዝከር።
ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ብሓሙስ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ፡ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብምውጋዝ ካብታ ቤተ-ክርስትያን ክእለዩ ምውሳኑ ይፍለጥ።
"እቲ ዝተፈፀመ ዘይሕጋዊ ተግባር ብመንፅር ሕጊ ሰብእን ብሚዛን ሕገ እግዝኣብሄርን ዝተወገዘ፣ ካብ መሰረት እምነት ዝተፈለየ፣ ብቀኖና ኣቦታት፣ ብሕጊ ቤተክርስቲያንን ጠቕላላ ምምሕዳር ቤተ-ክርስቲያንን ቅቡልነት ዘይብሉ'ዩ" ብምባል ዉሳነ ኣሕሊፉ።
በዚ መሰረት እቶም እቲ ሹመት ዝሃቡ ኣባ ሳዊሮስ፣ ኣቡነ ኤዮስጣቴዎስን ኣባ ዜና ማርቆስን፡ "ንቀኖና ቤተ ክርስቲያን ብምጥሓስ ብዘይተወሃቦም ስልጣን 26 ኤጲስ ቆጶሳት ብምሻምን ሲኖዶስ ኣጣይሽና ኢና ብምባሎምን" ሙሉእ ናይ ክህነት ስልጣኖም ተሰሪዙ፣ ተወጊዞም ካብታ ቤተ ክርስትያን ከም ዝተኣለዩ ኣፍሊጡ።
ኣብ ልዕሊ እታ ቤተ-ክርስትያን “ዕልዋ ሲኖዶስ” ፈቲኖም ዝተብሃሉ መራሕቲ ሃይማኖት ብ19 ዓርቢ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፡ ኣስታት 12 ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ነቲ ኣኼባ ብምስሕሓት ኣብ ኣመንቲ “ምድንጋር ፈጢሮም” ክብሉ ከሲሶም።
እዚ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተወሰነ ውግዘትን ካብታ ቤተ-ክርስትያን ናይ ምእላይ ውሳነን ከምዘይቕበልዎ ብምግላፅ፡ በቲ ዝሓዝዎ ትልሚ ከም ዝቕፅሉ ኣፍሊጦም።
ጠንቂ እቲ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው፡ ኣብ ክልል ኦሮምያን ደቡባዊ ምዕራብ ሸዋን ኣብ ጥቓ ወሊሶ፡ ሶዶ ዳጩወረዳ ሃሮ በኣለ ወልድ ቤተ-ክርስትያን፡ ብ 14 የጥሪ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ካብ ኣፍልጦ ፓትሪያሪክን ቅዱስ ሲኖዶስን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ወፃኢ ን 26 ጳጳሳት ዝተውሃበ ሽመት እዩ።
መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ቤተ-ክርስትያን፡ ካብቶም ሹመት ዝተውሃቡ 26 ጳጳሳት እቶም ሓደ ይቕረታ ሓቲቶም ከም ዝተመለሱ ፀብፂበን።
እቶም ብቐንዱ ኣብ ክልል ኦሮምያን ገለ ከባቢታት ክልል ደቡብን ዘገልግሉ ጳጳሳት ብምሻም መበገሲ እቲ ክትዕ ዝዀኑ ኣቦታት፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ሓቛፊት ኣይኰነትን፡ ምእመናን ብቋንቆኦም ስነ-ስርዓት እምነት ክፍፅሙ ክፍቀድ ኣይገበረትን ብዝብል እቲ ስጉምቲ ከም ዝወሰዱ ይግለፅ።
ነዚ ስዒቡ፡ ብፓትሪያርክ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ዝምራሕ ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ፡ ብሓሙስ 18 ጥሪ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ፡ እቲ ተግባር ንሃይማኖት፣ ቀኖናን ምምሕዳርን እታ ቤተ-ክርስትኣን ዝጥሕስ ምዃኑ ብምግላፅ ውሳነ ከም ዘሕለፈ ይፍለጥ።
በዚ ድማ ሹመት ጵጵስና ዝተቐበሉ መራሕቲ ሃይማኖት ይቕረታ ሓቲቶም ክሳብ ዝምለሱ፡ ናይ ክህነት ስልጣኖም ተመንጢሎምን ተወጊዞምን ካብታ ቤተ-ክርስትያን ክእለዩ ተወሲኑ።
ክሳብ ሕዚ ኣብዚ ጉዳይ ውሑዳት ሰብመዚ ርኢቶ ዝሃቡ’ኳ እንተኾኑ፡ ካብ መንግስቲ እታ ሃገር ግና ብወግዒ ዝተውሃበ ርኢቶ የለን።