እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሹመት ዝሃቡን ዝተቐበሉን መራሕቲ ሃይማኖት ክውገዙን ካብ ቤተ ክርስቲያን ክእለዩን ተወሲኑ
ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ጳጳሳዊ ሹመት ዝሃቡን ዝተቐበሉን መራሕቲ ሃይማኖት ክውገዙን ካብ ቤተ ክርስቲያን ክእለዩን ወሲኑ።
እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ጳጳሳት ጥሕሰት ሃይማኖት፣ ቀኖናን ምምሕዳርን እታ ቤተክርስቲያን ፈጺሞም'ዮም ዝብል ውሳነ ኣሕሊፉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብሰለስተ ጳጳሳት እታ ቤተ ክርስቲያን ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ብዘይ ኣፍልጦ እቶም ፓትርያርክን ቅዱስ ሲኖዶስን 26 ጳጳሳት ከም ዝተሸሙ ይፍለጥ።
ቅዱስ ሱኖዶስ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ድማ፡ "እቲ ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ተግባር ብመንጽር ሕጊ ሰብእን ብሚዛን ሕገ እግዝኣብሄርን ዝተወገዘ፣ ካብ መሰረት እምነት ዝተፈለየ፣ ብቀኖና ኣቦታት፣ ብሕጊ ቤተክርስቲያንን ጠቕላላ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያንን ቕቡልነት ዘይብሉ'ዩ" ብምባል ዉሳነ ኣሕሊፉ።
በዚ መሰረት እቶም እቲ ሹመት ዝሃቡ ኣባ ሳዊሮስ፣ ኣቡነ ኤዮስጣቴዎስን ኣባ ዜና ማርቆስን "ንቀኖና ቤተ ክርስቲያን ብምጥሓስ ብዘይተወሃቦም ስልጣን 26 ኤጲስ ቆጶሳት ብምሻምን ሲኖዶስ ኣጣይሽና ኢና ብምባሎምን" ሙሉእ ናይ ክህነት ስልጣኖም ተሰሪዙ፣ ተወጊዞም ካብታ ቤተ ክርስትያን ከም ዝተኣለዩ ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ "ልዕልና ቅዱስ ሲኖዶስን ቤተ ክርስቲያንን ብምድፋርን ቀኖና ቤተ ክርስቲያንን ብምጥሓስን ብዝተደፋፍኡ" ውልቀሰባት ኤጲsእ ቆጶሳት ኰይኖም ዝተሸሙ 25 መነኮሳት'ውን "ብዘይሕጋዊ መገድን ቀኖና ቤተ ክርስቲያንን ብምጥሓስ ዝተረኽበ ስለ ዝዀነ" ስልጣነ ክህነቶም ተሰሪዙ ካብታ ቤተ ክርስቲያን ክእለዩ ከም ዝተወሰነ ተገሊጹ።
እንተዀነ እቶም እጂ ውሳነ ቅዱስ ሲኖዶስ እታ ቤተ ክርስቲያን ዝተመሓላለፈሎም ውልቀሰባት "ብዝሰርሑዎ ጥሕሰት ቀኖና ተጣዒሶም ይቕሬታ እንተሓቲቶም" እታ ቤተ ክርስቲያን ከም እትቕበሎም እቲ መግለጺ ይጠቀስ።
ዝሓለፈ ሰንበት 14 ጥሪ 2015 ዓ.ም ኣብ ከባቢ ወሊሶ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ን26 ጳጳሳት ዝተዋህበ ሲመት ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ሓያል ክትዕን ቁጥዐን ከም ዝፈጠረ ይዝከር።
በዚ ምኽንያት ድማ ፓትርያርክ እታ ቤተ ክርስቲያን ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ እቲ ተግባር ካብ ስርዓትን ሕግን እታ ቤተ ክርስቲያን ወጻእ ዝተፈጸመ በደል ምዃኑ ብምግላጽ ኣብ ሃገርናን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ ጳጳሳት ኣብቲ ጉዳይ ውሳነ ንምሃብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመጽኡ ጸዊዖም'ዮም።
በዚ መሰረት ብረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ብጸሎት ዝጀመረ ኣኼባ ቅዱስ ሲኖዶስ እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይሕጋዊ ተግባራት ፈጺሞም ዝተባህሉ ኣቦታት ዘሕለፎ ውሳነ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጡ።
ሃንደበት እቶም ብቐንዱ ኣብ ክልል ኦሮምያን ገለ ከባቢታት ክልል ደቡብን ዘገልግሉ ጳጳሳት ብምሻም መበገሲ እቲ ክትዕ ዝዀኑ ኣቦታት፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ሓቛፊት ኣይኰነትን፡ ምእመናን ብቋንቆኦም ስነ ስርዓት እምነት ክፍጽሙ ክፍቀድ ኣይገበረትን ብዝብል እቲ ስጉምቲ ከም ዝወሰዱ ይግለጽ።
እዚ ውሳነ ብቅዱስ ሲኖዶስ ተቐባልነት እንተዘይረኺቡ ክሳብ ሲኖዶስ ምምስራትን ጳጳስ ምሻምን ዝበጽሕ ስጉምቲ ከም ዝወስዱ ኣፍሊጦም ኣለዉ።