ቤተ-ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ንዝተወሃበ መግለጺ ተቓዊማ

ቤተ-ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ነቲ ኣገልግሎት ርክብ መንግስቲ ብሰንበት 28 ጥሪ 2015 ዝሃቦ መግለጺ ኣትሪራ ተቓዊማ።

እታ ቤተክርስትያን፡ ኣገልግሎት ርክብ መንግስቲ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ንኽብሪ፡ ታሪኽን ክውንነትን ቤተክርስትያን ዕሽሽ ብምባል፡ ኣብቲ ጉዳይ ሓበሬታ ንዘይብሎም ሰባት የደናግር እዩ" ኢላ።

መንግስቲ ፌደራል ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዘሎ "ምፍልላይ" ብዘተን ብኣሰራርሓ ቤተክርስትያንን ክፍታሕ ኣለዎ ከም ዝበለ ይዝከር።

ብክፍሊ ርክብ ህዝቢ እታ ቤተ ክርስቲያን ዝተወሃበ መልሲ፡ "ኣብ መንጎ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጥረ ምፍልላይ የለን" ድሕሪ ምባል፡ መንግስቲ ዘውጽኦ መግለጺ ነቶም ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝተወገዙ ውልቀሰባት ከም ሕጋውያን ኣካላት ኣፍልጦ ከም ዝህብ ይገልጽ።

ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ "ቤተክርስትያን ንኹሉ ትሓቁፍ ኣይኰነትን፤ ምእመናን ብቋንቋኦም ስነ-ስርዓት እምነት ክፍጽሙ ኣይትፈቅድን እያ" ዝብሉ ኣቦታት 26 ጳጳሳት ድሕሪ ምሻሞም ዘይምርድዳእ ከም ዝተፈጥረ ዝዝከር እዩ።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብዘይ ፍቓደይ ተዋሂቡ ንዝበለቶ ሹመት ጳጳሳት ስዒቡ ብ18 ጥሪ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ውሳነ ከም ዘሕለፈት ይዝከር።

እቶም ጳጳሳት ጥሕሰት ሃይማኖት፡ ቀኖናን ምምሕዳርን እታ ቤተክርስቲያን ከም ዝፈጸሙ እታ ቤተክርስትያን ትገልጽ።

ነዚ ስዒቡ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ሽመት ጳጳሳት ዝሃቡን ዝተቐበሉን መራሕቲ ሃይማኖት ክውገዙን ካብ ቤተ ክርስቲያን ክእለዩን ወሲኑ’ዩ።

ኣገልግሎት ርክብ መንግስቲ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መራኸቢ ብዙሃን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ክጽብጽባ እንከለዋ "ነቲ ጸገም ካብ ዘጋድዱ ነገራት ክቑጠባ" ኣተሓሳሲቡ።

ቤተ ክርስቲያን ግን፡ መንግስቲ ድምጺ ሲኖዶስ ዓፊኑ፡ መግለጺታት ሲኖዶስ ብመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ከይመሓላለፍ ድሕሪ ምኽልካል ድምጺ ሚድያት ንምዕፋን ዝግበር ምንቅስቓስ እዩ ኢላ።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝረአ ዘሎ ምስሕሓብ ዘይሻራዊ እየ ምባሉ ከም ዘይትቕበሎ ሓቢራ።

መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኢዱ ከም ዘይኣቱ ዝገልጽ’ኳ እንተኾነ፡ ብተግባር ግን ነቶም "ዘይሕጋውያን ጉጅለታት" ደገፍ ካብ ምሃብ ከም ዘይተቖጠበ ኣመልኪታ።

ምስዚ ቅልውላው ተዛሚዱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ኣብያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያ ብዝተፈጠሩ ፀገማት ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ተሓቢሩ።

ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ብቐዳም 27 ጥሪ 2015 [ግእዝ] ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቦታት እምነትን ሰዓብቲ እምነትን መጥቃዕቲ ይወርድ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ ነይሩ።

ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ብዝምልከት መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለፂ፡ "ኣካላት ፀጥታ ሰላምን ድሕንነትን ህዝብን ሃይማኖታዊ ትካላትን ክሕልዉ ግቡእ ኣለዎም" ከም ዝበለ ይዝከር።

ካብታ ቤተክርስትያን ዝተወሃበ መግለጺ ግና፡ መንግስቲ "ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ህዝባዊ ቅትለትን ህዝባዊ ዓመጽን ከም ዘይጠቐሰን ሓዘኑ ከም ዘይገለጸን ክንርእይ ከለና ንጹር ተራ መንግስቲ ብቐሊሉ ክንርዳእ ገይሩና" ይብል።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ብዘይ ኣፈላላይ ምስ ዝሰርሕ ጥራሕ መንግስታዊ ሓላፍነቱ ክፍፅም ከም ዝኽእል እቲ መግለጺ ይሕብር።

ነቲ ጸገም ስዒቡ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ 29 ጥሪ 2015 ጀሚሩ ናይ ሰለስተ መዓልታት መደብ ጸሎት ነነዌ ክካየድ ብዝሃቦ ትእዛዝ መሰረት፡ ምእመናን ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት ጸሊም ክዳን ተኸዲኖም ይእከቡ ኣለዉ።