ሽወደናዊ ኮኾብ ኣጥቃዓይ ዝላታን ኢብራሂሞቪች ካብ ኩዕሶ እግሪ ተሰናቢቱ

ምንጪ ስእሊ, MATTEO BAZZI/EPA-EFE/REX/SHUTTERSTOCK
ኣጥቅዓይ ኤሲ ሚላን ዝላታን ኢብራሂሞቪች ኣብ መበል 41 ዓመቱ ካብ ኩዕሶ ተሳናቢቱ።
ኣብ ዘመናዊ ኩዕሶ እግሪ ካብ ዝጥቀሱ ብሉጻት ተጻወትቲ ዝዀነ ኢብራ ኣብ ሜዳ ሳንሴሮ ንዝመልኡ ደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “ካብ ኩዕሶ እግሪ ክሰናበት እየ። ንኣኻትኩም ግን ክሰናበት ኣይክአልን” ኢሉ።
ኢብራሂሞቪች ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ግን ካብታ ኢጣልያዊት ክለብ ከምዝፋኖ እዩ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ ናይ ክለብ ጸወታታት 511 ሸቶታት ዘቝጸረ ኢብራ ንፒኤስጂ፡ ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ንኤሲ ሚላንን ኢንተር ሚላንን ተጻዊቱ እዩ።
ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ከኣ ዋንጫ ዓቲሩ እዩ።
ንሱ ንኻልኣይ እዋን ምስ ኤሲ ሚላን ክጻወት ዝኸተመ ኣብ 2020 ኰይኑ፡ ኣብ 2011 ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስታ ጋንታ ብምዃን ዋንጫ ሴሪ ኣ ጨቢጡ።
ሎም ዘበን ግን ብሰንኪ ማህረምቲ ብዙሕ ኣይተጻወተን።
“ሕጂ፡ ስምዒተይ ኣዝዩ ተተንኪፉ ኣሎ። ፎርዛ ሚላን! ኵላትኩም ሰላም ኵኑ፡” ክብል ሕንቕንቕ እናበለ ተሰናቢቱ።
“ፈለማ ምስ መጻኹ ሓጐስ ሂብኩምኒ። ካልኣይ ምስ መጻኹ ከኣ ፍቕሪ። ኣእዳውኩም ዘርጊሕኩም ተቐቢልኩምኒ፡ ኣየጋየሽኩምንን። ተረፍ ዘመነይ ኣነ ናይ ሚላን እየ።”
14 ናይ ሊግ ዝርከብዎ 34 ዋናጩ ዘልዓለ ኢብራ፡ 11 ግዜ ንባሎን ዲኦር ተረቝሑ ነይሩ።
ኢብራ ንዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ'ኳ እንተዘይጨበጠ፡ ምስ ማንቸስተር ብምዃን ኣብ 2017 ዋንጫ ኣውሮጳ ሊግ ኣልዒሉ እዩ።
ንሱ ንሃገሩ ሽወደን 122 ግዜ ተሰሊፉ 66 ሸቶታት ብምቝጻር ዝበዝሐ ሸቶ ሒዙ ኣብ ቅድሚት ይጥቀስ።
ኢብራሂሞቪች፡ ፕሮፌሽናል ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዝጀመረ ኣብ 1999፡ ኣብታ ዝዓበየላ ከተማ ኣብ እትርከብ ጋንታ ማልሞ ኤፍኤፍ እዩ።
ኣብ 2001 ናብ ኣያክስ ኣምሪሑ፡ ንሰለስተ ዓመታት ክጸንሕ እንከሎ ሰለስተ ዋናጩ ሊግ ዓቲሩ።
ኣብ 2004 ናብ ኢጣልያዊት ጋንታ ጁቬንቱስ ተጸንቢሩ። ኣብኡ ክልተ ሳዕ ዋንጫ ሴሪ-ኣ እኳ እንተልዓለ፡ ብሰንኪ ብልሽውና ጁቬንቱስ ክልቲኡ ተሰሪዙ እዩ።
ኢብራ ናብ ባርሴሎና ቅድሚ ምምርሑ ናብ ኢንተር ሚላን ብምኻድ ሰለስተ ግዜ ንሴሪ-ኣ ኢጣልያ ወኒኑ።
ኢብራሂሞቪች ኣብ ባርሴሎና ንሓደ ዓመት ጥራይ'ኳ እንተጸንሐ ንዋንጫ ላሊጋ ኣልዒሉ ብልቓሕ ናብ ኤሲ ሚላን ተሰጋጊሩ።
ብድሕሪኡ ናብ ፈረንሳዊት ጋንታ ፒኤስጂ ዝተጸንበረ ኢብራ፡ ኣብ 122 ጸወታታት ሊግ 113 ሸቶታት ኣቝጺሩ ኣርባዕተ ግዜ ናይ ሊግ-1 ዋንጫ ዓቲሩ።
ኣብ 2016 ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝተጸንበረ እቲ ሽወደናዊ ኮኾብ ኣጥቅዓይ ምስታ ጋንታ ናይ ኣውሮጳ ሊግን ናይ ሊግ (ካርሊን ካፕ) ዋናጩ ኣልዒሉ።
ኢብራ ናብ ኤሲ ሚላን ቅድሚ ምምላሱ ምስ ኣሜሪካዊት ኤል ኤ ጋላክሲ ፎረም ካሊፎርንያ ክልተ ዓመታት ጸኒሑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







