ኢሎን ማስክ፡ ንፈለማ ግዜ 'ቺፕ ሓንጐል' ምትካሉ ኣፍሊጡ

ቢልዮነር ቴክኖሎጂ ኤሎን ማስክ፡ ትካሉ ኒውራሊንክ፡ ንመጀመርታ ግዜ ገመድ ኣልቦ ቺፕ ሓንጐል ኣብ ሰብ ብዓወት ከምዝተተኽለ ገሊጹ።

ናይ መጀመርታ ውጽኢት ተስፋ ዘለዎ ኒውሮን ስፓይክ ወይ ምንቅስቓስ መትኒታት ከምዘርኣየን እቲ ሕሙም ብጽቡቕ ይሓዊ ከምዘሎን ገሊጹ።

ዕላማ እቲ ኩባንያ ሓንጐል ደቂ ሰባት ምስ ኮምፒዩተራት ምትእስሳር ኰይኑ፡ ዝተሓላለኹ ስነኣእምሮኣዊ ኵነታት ንምምካት ክሕግዝ ከምዝደሊ ይገልጽ።

ብርክት ዝበላ ተቐናቐንቲ ኩባንያታት ድሮ ተመሳሳሊ መሳርሒታት ተኺለን ኣለዋ።

ቢቢሲ ኒውስ ንኽልቲኦም ኒውራሊንክን ካብ ተቘጻጻሪ ሕክምናን ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ (ኤፍዲኤ) ርእይቶ ንምርካብ ሓቲቱ ኣሎ።

ኩባንያ ኢሎን፡ ነቲ ቺፕ ኣብ ደቂ ሰባት ክፍትኖ ብኤፍዲኤ ኣብ ግንቦት ፍቓድ ተዋሂብዎ፤ እዚ ድማ ድሕሪ'ቲ ኣቐዲሙ ፍቓድ ንምርካብ ዝገበሮ ቃልሲ ወሳኒ ምዕራፍ'ዩ።

እዚ ድማ ንምጅማር ናይቲ ንሽዱሽተ ዓመታት ዝቐጸለ መጽናዕቲ ተስፋ ሂቡዎ። ኒውራሊንክ ኣብዚ እዋን'ዚ ሮቦት ተጠቒሙ ካብ ጸጕሪ ሰብ ዝረቐቑ 64 ተዓጻጻፊ ፈትሊ ኣብ ልዕሊ፡ “ድልየት ምንቅስቓስ" ዝቈጻጸር ክፋል ሓንጐል ብመጥባሕቲ የቐምጥ ከምዘሎ ይሕብር።

እቲ ኩባንያ፡ እዞም ኣፋትል፡ ነቲ ፈተነ ዝተገበረሉ ምትካል - ብገመድ ኣልቦ ክመልእ ዝኽእል ባትሪ ዝሰርሕ - ሓንጎል ብዘይ ገመድ ክምዝግብን ናብቲ እቲ ሰብ ከመይ ክግዕዝ ከም ዝሓሰበ ዝፈትሕ መተግበሪ ከመሓላልፍን ከም ዘኽእሉ ይዛረብ።

ሚስተር ማስክ ኣብቲ ንሱ ዝውንኖ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ናይ መጀመርታ ፍርያት ኒውራሊንክ ቴለፓቲ ክበሃል ምዃኑ ገሊጹ።

ቴለፓቲ፡ "ተሌፎንካ ወይ ኮምፒተርካ ክትቈጻጸሮ፡ ብእኦም ኣቢልካ ድማ ዳርጋ ዝዀነ መሳርሒ፡ ብሓሳብ ጥራይ" ከምዘኽእል ገሊጹ።

"ናይ መጀመርታ ተጠቀምቲ እቶም ኣካላቶም ዝሰኣኑ እዮም" ክብል ኣስዒቡ።

ተሳትፎ ሚስተር ማስክ ንዝና ኒውራሊንክ ክብ ክብል እንከሎ፡ ተቓናቐንቲ ግን ገጢሞምዎ ኣለዉ። ገሊኦም ቅድሚ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ተመኵሮ ኣለዎም። ኣብ ዩታ ዝመደበሩ ብላክሮክ ኒውሮቴክ፡ ካብ ብዙሓት መተሓላለፍቲ ሓንጐልን ኮምፒተርን ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2004 ተኺሉ ነይሩ።