ዙከርበርግ፡ ኢሎን መስክ ‘ናይ ሓቂ’ ክገጥመኒ ኣይደለየን

ወናኒ ሜታ ማርክ ዙከርበርግ፡ ኢሎን መስክ ክጓሰጡ ዘቕረቦ ሓሳብ ‘ናይ ሓቂ’ ከምዘይኮነ ብምግላጽ ናብ ካልእ ዋኒኑ ከምዝኣቱ ገሊጹ።

ዙከርበርግ ኣብቲ ዝውንኖ ማሕበራዊ ሚድያ ትረድስ ፡ ዋላኳ እቲ ጉስጢ ዘካይዱሉ መዓልቲ ቆሪጹ እንተተዛረበ፡ እቲ ክገጥሙ ሓሳብ ዘበገሰ ወናኒ ትዊተር ኢሎን መስክ ግን ምኽንያታት ይድርድር ኣሎ ኢሉ።

መስክ ኣብቲ ሽሙ ካብ ትዊተር ናብ ኤክስ ዝተቐየረ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ብሰንበት ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ እቲ ግጥም ዋላ ሰኑይ ክካየድ ፍቓደኛ ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ።

ክልቲኦም ቢልዮነራት፡ ጉስጢ ክገጥሙ ኣብ ወርሒ ሰነ ድሕሪ ምስምመዖም ኣቓልቦ ሚድያታት ስሒቦም።

እንተኾነ ድልየቶም ካብ ምግላጽ ወጻእ ነቲ ግጥም ዘካይዱሉ መዓልቲ ብዘይምንጻሮም፡ ኣብ ክውንነቱ ጥርጣረ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሃፋትም ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናት፡ ብማርክ ዙከርበርግ ዝውነን ማሕበራዊ ሚድያ ትረድስ ኣብ ወርሒ ሰነ ስራሕ ምስጀመረን ሓደ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ልዕሊ 100 ሚልዮን ሰባት ምስመዝገበን'ዩ ተጋዲዱ።

ጸኒሑ እቲ ቁጽሪ ዝቐነሰ ኮይኑ ንኤክስ እውን ልዕሊ 350 ሚልዮን ዓማዊል ሒዙ ካብ ምቕጻል ደው ኣየበሎን።

ፌስቡክ “ንግዳዊ ሚስጢራት ትዊተር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ወሲዱ” ብዝብል ክኸስስ ምዃኑ ኢሎን መስክ ተዛሪቡ ነይሩ።

ሜታ ግና ነቲ ክሲ ኣይቕበሎን።

ዙከርበርግ፡ እቲ ግጥም 26 ነሓሰ ክካየድ ሓሳብ ከምዘቕረበ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ ተዛሪቡ ።

ሚኒስተር ባህሊ ጣልያን ድማ እቲ ቅልስ ከም ምርኢት ምግባረ ሰናይ ተቖጺሩ ኣብ ጣልያን ክካየድ ንኢሎን መስክ ከምዝሓተተ ብዓርቢ ዕላዊ ገይሩ።

መስክ እውን “ናይ ጥንታዊት ሮማ ቴማ” ክህልዎ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

እንተኾነ ወናኒ ሜታ ብሰንበት ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ “ኢሎን መዓልቲ ኣይቆረጸን። መጥባሕቲ ከምዘድልዮ እውን ገሊጹ። ሐዚ ድማ ኣብ ካንሸሎይ ኮይኑ ልምምድ ክገብር ሓሳብ ኣቕሪቡ።

“ኢሎን ብዛዕባ መዓልትን ዕላዊ መድረኽን ዝብሎ ብሓቂ እንተቖሪጹ፡ ከመይ ከምዝረኽበኒ ይፈልጥ እዩ። እንተዘይኮይኑ ናብ ካልእ ስረሐይ ክቕጽል እየ። ነቲ ስፖርት ከም ቁምነገር ምስ ዝርእይዎ ሰባት ኣብ ምወድዳር ከተኩር እየ” ኢሉ።

መስክ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ፡ ንወናኒ ሜታ “ጫቚት” ክብል ገሊጽዎ።

ቅድም ክብል መስክ፡ ኣብ ክልቲኦም ዝተገበረ ምልውዋጥ መልእክቲ ከምዝኾነ ዝሓበሮ ጽሑፍ ለጢፉ ነይሩ።

እቲ ጽሑፍ፡ ሰኑይ ናብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሜታ ከምዝኸይድን፡ ኣብ ናይ ዙከርበርግ ቅልስ መካየዲ ቦታ ክገጥሙ ከምዝደልይን ምሕባሩ የመልክት።

“ካብቲ ሎሚ ምስ ሌክስ ፍሪድማን (ተማራማሪ ኮምፒዩተርን ኣዳላዊ ፖድካስትን) ዝገበርክዎ ቅልስ ወጻእ፡ ብዙሕ ልምምድ ኣይገበርኩን።

“ዋላኳ ናይ ምዃን ዕደል እንተዘይሃለዎ፡ ግዝፍና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምናልባት ንስኻ ዘበናዊ ብሩስ ሊ ኢኻ፤ ክትዕወት እውን ትኽእል” ክብል ጽሒፉ።

ወዲ 52 ዓመት መስክን ወዲ 39 ዓመት ማርክ ዙከርበርግን፡ ብስራሕቲ ቴክኖሎጂ ዝዓበዩ ሃፋትም ዓለም እዮም።

ነቲ ክልቲኦም ከካይድዎ ዝተባህለ ቅልስ፡ ኢሎን መስክ እዩ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣበጊስዎ።

ስልጠና ሕዋስ ማርሻል ኣርት ዝወሰደን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ውድድር ጂዩ-ጂትሱ ዝተዓወተን ሓላፊ ሜታ ድማ “ኣድራሻ ለኣኸለይ” እትብል ሓጽር መልሲ ሂብዎ ነይሩ።