ኢጣልያ ጕስጢ ክልተ ሃብታማት ዓለም ክተተኣናግድ ተኽእሎ’ሎ

እቲ ኣብ መንጎ ክልተ መራሕቲ ቴክኖሎጂ ዓለምና ዝኾኑ ኤሎን መስክን ማርክ ዛከርበርግን ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ኣብ ጋብያ ዝግበር ግጥም ጕስጢ ኣብ ኢጣሊያዊት ጥንታዊት ከተማ ሮማ ክካየድ ከምዝኽእል ተገሊጹ።

ሚኒስተር ባህሊ ኢጣሊያ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ እንግዶት ጕስጢ ምስ ኤሎን መስክ ከምዘዋግዐ ገሊጹ’ሎ።

ቢሊዮነራት ዓለም ኣካየድቲ ስራሕ ቴስላን ሜታን (ፌስቡክ) ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጀሚሮም ብዛዕባ እቲ ኣብ ጋብያ ከካይድዎ ዝሓስብዎ ዘለዉ ባእሲ ኣመልኪቶም ክጽሕፉ ተራእዮም እዮም።

እቲ ናይ ጕስጢ መደብ ከምቲ ዝሓሰብዎ እንተሰሊጥዎም ኣብ ሆስፒታላት ንዝደቀሱ ህጻናት ሓገዝ ዝውዕል ሚልዮናት ገንዘብ ክርከብ’ዩ።

እንተኾነ ማርክ ዛከርበርግ፡ ጕስጢ ዘካይድሉ ግዜ ከምዘይወሰኑ ኣፍሊጡ።

ወናኒ ማሕበራዊ ድረ ገጽ ‘ኤክስ’ [ናይ ቀደም ትዊተር] ከምኡ'ውን ኣካያዲ ስራሕ ቴስላ ኤሎን መስክን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ማሕበራዊ ገጽ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ባህሊ ቱሪዝምን ከምዝዘተየ ሓቢሩ።

“ኣብቲ ታሪኻዊ ቦታ ክካየድ ተሰማሚዖም ኣለዉ” ዝበለ ኤሎን መስክ፡ “ኩላ እታ ኣብ ስእሊ እትኣቱ ነገር ናይ ጥንታዊት ሮማ እምበር ዋላ ሓንቲ ዘበናዊ ነገር ኣይክህልዋን’ዩ” ኢሉ።

ሚኒስተር ባህሊ ኢጣሊያ ገናሮ ሳንጉሊያኖ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ክልቲኦም ሃብታማት ዓለም ዘካይድዎ ናይ ጋብያ ጕስጢ ምስ ታሪኻዊ ፍጻመታት ሮማ ዝሳነ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር ባህሊ ኣስዒቡ “ምስ ኤሎን መስክ ነዊሕን ምሕዝነታውን ወግዒ ነይሩኒ። ብዛዕባ ጥንታዊት ሮማ ዘለና ሓበራዊ ባህጊ ዘድሃበ ሓሳብ ዘቲና” ኢሉ።

ጎና ጎኒ ግጥም እዞም ክልተ ሃብታማት፡ ኣብ ኢጣሊያ ንዝርከቡ ክልተ ሆስፒታላት ህጻዉንቲ ሓገዝ ዝውዕል ብሚልዮናት ዩሮ ዝቑጸር ገንዘብ ክዋጻእ መደብ ከምዘሎ ሚኒስተር ባህሊ እታ ሃገር ሳጉሊያኖ ተዛሪቡ።

ማርክ ዛከርበርግ ኣብቲ ንትዊተር ዝወዳደር ኣብ ቀረባ ግዜ ዕላዊ ዝገበሮ ማሕበራዊ ገጽ “ካብታ ኤሎን መስክ ትገጥም’ዶ ኢሉ ዝጸሓፈለይ መዓልቲ ጀሚሩ ንምግጣም ድልዊ እየ ዘለኹ። ንገጥመሉ መዓልቲ ምስተወሰነ ድማ ካብ ባዕለይ ክትሰምዕዎ ኢኹም” ኢሉ።

ወዲ 52 ዓመት ኤሎን መስክን ወዲ 39 ዓመት ማርክ ዛከርበርግን ኣብ ዓለም እቶም ብቴክኖሎጂ ቢልዮናት ገንዘብ ዝወነኑ ሰብ ሃብቲ’ዮም።