ኢሎን መስክ፡ 'ዝትክኦ ሓደ ዓሻ' ምስረኸበ ሓላፍነቱ ከምዝሓድግ ኣፍሊጡ

ኢሎን መስክ፡ "ክትክኦ ዝኽእል ሓደ ዓሻ" ምስረኸበ ካብቲ ኣብ ትዊተር ዘለዎ ናይ ዋና ፈጻምነት ስራሕ ከምዝወርድ ኣፍሊጡ።

እቲ ቢልየነር፡ ብውጽኢት ናይቲ ኣብ ሓላፍነቱ ይቐጽል ዶ ኣይቐጽል ዝብል ድምጺ ተጠቀምቲ ተገዛኢ ከምዝኸውን ዝገለጸ ኰይኑ፤ 57.5 ሚእታዊት ካብ ኣድመጽቲ ካብ ሓላፍነቱ ክእለ ኣድሚጾም።

ኢሎን ዝትክኦ ምስረኸበ ካብ ዋና ፈጻምነት ዝወርድ'ኳ እንተዀነ፡ ንጕጅለታት ሶፍትዌርን ሰርቨርን እቲ ትካል ምምርሑ ግን ክቕጽል እዩ።

ነቲ ትካል ካብ ዝገዝኦ ጀሚሩ ኣብ ትዊተር ዝተገበሩ ለውጢታት ብብዙሕ ክንቀፉ ጸኒሖም እዮም።

እቲ ቢልየነር ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ንትዊተር ምስ ገዝኦ፡ ፍርቂ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ዝሰጐገ ኰይኑ፡ ናይ ትዊተር ሕሳብ መረጋገጺ ምልክት ንምርካብ ብኽፍሊት ክኸውን እውን ወሲኑ።

ኣብ ቍጽጽር ልጣፋት ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ ናይ ጽልኣት ዘረባን ስኑዕ ሓሬታን ዝውስኽ እዩ ዝብል ወቐሳ ሲቪክ ማሕበራት ኣስዒቡሉ እዩ።

ትዊተር ናይ ዝተወሰኑ ጋዜጠኛታት ሕሳብ ክዕጾ ብምግባሩ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንኢሎን መስክ ኰኒኖም እዮም።

ብፍላይ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ትዊተር ማዕቀብ ከምዘንብር ክገልጽ እንከሎ፡ እቶም ዝተዓጽዉ ሕሳባት ትዊተር ፍሉጣት ጋዜጠኛታት ጸኒሖም ክኽፈቱ ተገይሩ።

መስክ ነቲ ትካል ዝመርሕ ሓላፊ ንምርካብ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ገሊጹ ዘሎ። ገለ ሰባት ድማ ካብ መስረትቲ እቲ ትካል ሓደ ዝነበረ ጃክ ዶርሰይ ክምለስ ከምዝኽእል ይግምቱ። ዶርሰይ ኣብ ሕዳር 2021 እዩ ካብ ሓላፍነት እቲ ትካል ለቒቝ።

እቲ ቢልየነር ድሕሪ'ቲ ተጠቀምቲ ዝሃብዎ ድምጺ፡ "ነቲ ትዊተር ብህይወት ክቕጽል ዝገብር ስራሕ ዝደልዮ ሰብ የለን" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ካብ ሓለፍቲ ፈይስቡክ ዝነበረት ሸሪል ሳንድበርግ፡ ናይ ቀረባ መሓዛ መስክ ዝዀነ መሃንድስ ስሪራም ክሪሽናን ከምኡ'ውን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዝነበረ ሰብኣይ ጓሉ ንዶናልድ ትራምፕ፡ ጃረድ ኩሽነር ካብቶም ክትክእዎ ይኽእሉ ተባሂሎም ዝግመቱ እዮም።

መስክ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ትዊተር ንዝተወሃቡ ድምጺታት ከኽብር ዝጸንሐ ኰይኑ "ድምጺ ህዝቢ ከም ድምጺ ኣምላኽ እዩ" ዝብል ብሂል ላቲን ክደጋግም ይስማዕ።

መረጋገጺ ምልክት ሕሳብ ትዊተር ንዝተወሰነ እዋን ደው ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተጀሚሩ። እቲ ኣገልግሎት ወርሓዊ 8 ዶላር፡ ኣብ ኣፕል ሞባይል ንዝጥቀሙ ድማ 11 ዶላር ዘኽፍል ኰይኑ፡ ተጠቀምቲ ትዊተሮም ሰማያዊ መደብ ዘለዎ ምልክት ራይት ይህልዎ።

ቅድም ክብል እዚ ምልክት እቲ ትዊተር ዝተረጋገጸ ምዃኑ ዝሕብርን ዘይክፈሎን እዩ ነይሩ።

ኢሎን መስክ ንኩባንያ ተስላ ብግቡእ ክመርሖ ኣይከኣለን ዝብሉ ኣውፈርቲ፡ ካብ ትዊተር ሓላፍነቱ ክወርድ ክጽውዑ ጸኒሖም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋጋ ብጽሒታት እቲ ኤሌክትሪክ መካይን ዘፍሪ ትካል ብልዕሊ 65 ሚእታዊት ወሪዱ።

እቲ ቢልየነር ንትዊተር ንምግዛእ ናይ ቢልዮናት ብጽሒታት ተስላ ዝሸጠ ኰይኑ፡ እዚ ስጕምቲ ዋጋ ብጽሒታት ክቕንስ ገይሩ።