እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክሲ ፀረ-ሴማውነት ዝቐረበሉ ኢሎን ማስክ ናብ እስራኤል ገይሹ
ፕረዚደንት እስራኤል፡ ንኢሎን ማስክ ኣብ ምክልኻል ፀረ-ሴማውነት 'ዝለዓለ ተራ' ክጻወት ከምዘለዎ ገሊጹሉ።
ማስክን፡ ንሱ ዝውንኖ ትካል ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስን (ትዊተር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ) ፀረ-ሴማውነት ጎስጓሳት ብምግዋሕ ተኸሲሶም ነይሮም።
ፕረዚደንት ኣይዛክ ሀርዞግ ነቲ ነጋዳይ፡ ማሕበራዊ ሚድያታት “ገሊኦም ንስኻ እትመርሖም ሓዊሱ፡ ነቲ ነዊሕ ዘበን ዘቑጸረ ሕማም ጸረ-ሴማውነት ዘዕቊቡ እዮም” ኢልዎ።
ኢሎን ማስክ ብሰኑይ ኣብቲ ጉጅለ ሓማስ ኣብ 7 ጥቅምቲ ዝፈጸሞ ሓደገኛ መጥቃዕቲ ዒላማ ካብ ዝገበረለን ንሓንቲ ቊሸት ርእዩ።
ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁ ኮይኑ እዩ ንቊሸት ክፋር ኣዛ በጺሕዋ።
ማስክ፡ ካብቲ ሓማስ 1200 ሰባት ቀቲሉን ኣስታት 240 ጅሆ ሒዙ ዝወሰደሉን መጥቃዕቲ ዝተወሰዱ ቪድዮታት እውን ክርእይ ተገይሩ።
እስራኤል ብዝወሰደቶ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ልዕሊ 14 ሽሕን 500 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሰብ መዚ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጹ።
ኢሎን ማስክ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ብቐጥታ ዝተዘራረቡ ኮይኖም፡ "ሰላምን ድሕነትን ዝመጽእ ሓማስ ሙሉእ ብሙሉእ እንትድምሰስ እዩ" ምስ ዝብል ዘረባ ነታንያሁ ተሰማሚዑ።
ነታንያሁ “መጀመርታ ከምቲ ኣብ ጀርመንን ኣብ ጃፓንን ዝገበርኩምዎ መርዛም ስርዓታት ምድምሳስ እዩ። እወ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም” ክብል እንከሎ፡ ማስክ ድማ "ካልእ ኣማራጺ የለን፡ ካልእ ኣማራጺ የለን” ክብል ብእወታዊ መሊሱሉ።
ኣብቲ ምብጻሕ ብዛዕባ ኣገልግሎት ኢንተርነት ስታርሊንክ እውን ኣብ ስምምዕ በጺሖም።
እስራኤል ኣብ ቓዛ እትፍጽሞ ደብዳባትን መጥቃዕቲታትን ድሕሪ ምሕያሉ ምቁራጽ ኢንተርነት ስለዘጋጠመ፡ ኢሎን ማስክ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ዓበይቲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ሳትላይት ኢንተርነት ወይ ስታርሊንክ ክህቦም ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ኮይኑ ግና እስራኤል ሓማስ ነቲ ቴክኖሎጂ ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣቕሪባ ነይራ።
ሕዚ ግና፡ ካብ መንግስቲ እስራኤል ብዝርከብ መረጋገጺ ጥራሕ፡ ስታርሊንክ ኣብ እስራኤልን ቓዛን ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ተሰማሚዖም።
ሚኒስትሪ ኮምዩኒኬሽን እስራኤል ነቲ ዝተበፅሐ ምርድዳእ “ጠቓሚ” ኢሉዎ።
ኣመሪካዊ ትካል ‘ሚድያ ማተርስ ፎር ኣመሪካ’፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ መወዓውዒታት ምስ ደገፍቲ ናዚ ልጣፋት ይቐርቡ ኣለዉ ብምባል ምርመራ ምስጀመረ፡ ከም ኣፕል፣ ዲዝኒ፣ ኣይቢኤምን ኮምካስትን ዝበሉ ዓበይቲ ትካላት፡ ኣብ ኤክስ ኣገልግሎት መወዓውዒ ምጥቃም ደው ኣብ ዘበልሉ እዩ መስክ ናብ እስራኤል ተጓዒዙ ዘሎ።
ምውዕዋዕ (ኣድቨርታይዝመንት) ቀንዲ ኣታዊ ኤክስ ኮይኑ፡ እቲ መርማሪ ትካል ዝተጠቐመሉ ሜላ መጽናዕቲ ብምጥቃስ ነቲ ጸብጻብ ተቓዊሙ።
ብተወሳኺ ንሚድያ ማተርስ ብሽም ምፅላም ከሲሱ።
መስክ፡ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ኣንጻር ጸዓዱ ጽልኣት የባርዑ ኣለዉ፡ ኣብ ዝብል ሓደ ልጣፍ “ርኡይ ሓቂ” ኢሉ ርእይቶ ብምሃቡ እውን፡ ጸረ-ሴማውነት ብምግዋሕ ክኽሰስ ተገይሩ።
ኮይኑ ግና እቲ ልጣፍ፡ “ዋይት ጀኖሳይድ” ናይ ዝተባህለ" 'ኣይሁድ ዘይኰኑ ጸዓዱ ሰባት ናብ ሃገራት ምዕራብ ክስደዱ ብምግባር ዘርኢ ጸዓዱ ክጠፍእ ይሰርሑ ኣለዉ' ዝብል ስነ ሓሳብ ሽርሒ ናይ ዘሰጉም ዓሌታውን ፀረ-ሴማውነት ማሕበር ሓሳብ ከምዝኾነ ተረጋጊጹ።
እቲ ጽሑፍ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ ሓዊሱ ብዙሕ ተቓውሞ ኣስዒቡሉ።
መስክ ግና እምነቱ ንውሑዳት ጉጅለታት ኣይሁድ እምበር ንማሕበረሰብ ኣይሁድ ከምዘይኮነ ገሊጹ።