ሽንትና ብዛዕባ ጥዕናና እንታይ ይነግረና?

መጠንን ሕብሪን ሽንቲ ብዛዕባ ጥዕና ብዙሕ ነገር ክገልጽ ይኽእል

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, መጠንን ሕብሪን ሽንቲ ብዛዕባ ጥዕና ብዙሕ ነገር ክገልጽ ይኽእል

ወግዒ ብዛዕባ ሽንቲ ምቹእ ዘይክኸውን ይኽእል፤ እንተኾነ ሓደ ኣካል ህይወትና ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን።

ብፍላይ ድማ ሕብሪን መጠንን ሽንትና ብዛዕባ ጥዕናና ብዙሕ ነገር ከመልክት ይኽእል’ዩ፡ ስለዝኾነ ድማ እንተተዘራረብና ይምረጽ።

ኣብ መስርሕ ሽንቲ ደቂ ሰባት፡ ኩላሊት ካብቶም ኣገደስቲ ኣካላት እየን።

ቀንዲ ስራሐን፡ ኣብ ኣካላት ዘለዉ ጨውን ካልኦት ኣድለይቲ መኣዛታትን ጽቡቕ ሚዛን ንኽህልዎም ምቁጽጻር እዩ።

ጥዑያት ኩላሊት ኣብ መዓልቲ ኣስታት 140 ሊትሮ ደም የጽርያ።

መብዛሕትኡ ማይን ካልእ ንጥረ ነገራትን ናብ ደም ክምለስ ከሎ ኣስታት 2 ሊትሮ ዝኸውን ካብ ምብትታን መግብታት ዝመጹ መርዛም ነገራት፡ ርስሓትን ትርፊ ማይን ዝሓዘ ሽንቲ ይኸውን።

ኣቀማምጣ ኩላሊት

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock

መግለጺ ስእሊ, ኣቀማምጣ ኩላሊት

ኩላሊት ስርሐን ምስ ወድኣ፡ ካልእ ቀንዲ ገጸ ባህሪ ናብዚ ዛንታ ይመጽእ - ፍሕኛ።

እቲ ብኩላሊት ዝተዳለወ ሽንቲ፡ ብክልተ ቀጠንቲ ሻምበቆታት ሽንቲ ኣቢሉ ናብ ፍሕኛ ይውሕዝ።

ፍሕኛ ሽንቲ ኣብ ጎሎ ዝርከብ ጭዋዳዊ ለቖታ ኮይኑ፡ ባዶ ምስ ዝኸውን፡ ዓቐኑን ቅርጹን ካብ ለሚን ቁርብ ዕብይ ይብል።

ፍሕኛ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ክሳብ 500 ሚሊ ሊትር ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ክሳብ 700 ሚሊ ሊትር ሽንቲ ክዕቅብ ይኽእል።

ብዙሕ ሽንቲ ብዝተዓቀበ መጠን ጭዋዳታት መንደቕ ፍሕኛ ይዝርግሑ።

መጠን ፍሕኛ
መግለጺ ስእሊ, መጠን ፍሕኛ

ዝርገሐ ጭዋዳታት መንደቕ ፍሕኛ፡

  • መጀመርያ ዓቐኑ ካብ ለሚን ቁሩብ ዕብይ ይብል።
  • እናመልአ ክኸይድ ከሎ፡ ጭዋዳታት መንደቕ ፍሕኛ ክዝርግሑ ይጅምሩ።
  • ዝያዳ ክመልእ ከሎ፡ ጸቕጢ ይብርኽ።
  • ኣብዚ ደረጃ፡ ሽንቲ ናይ ምሻን ድሌት ይፍጠር። ካብ ሓንጎልና ብዝመጽእ ምልክት፡ ጭዋዳታት ፍሕኛ ይጭበጡ’ሞ ሽንቲ ካብ ፍሕኛ ወጺኡ ንደገ ይውሕዝ።

ሕብሪ ሽንቲ፡ ብዛዕባ ጥዕና እንታይ ይገልጽ?

ንቡር ሕብሪ ሽንቲ ካብ ንጹር ክሳብ ፍኹስ ዝበለ ብጫ’ኳ እንተኾነ፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ግን ዘይንቡር ሕብሪ ክሕዝ ይኽእል።

ንኣብነት ጽምኢ ማይ፡ ገለ መግብታት፡ መድሓኒታትን ውህደታትን ሕብሩ ክቕይር ዝገብሩ እዮም።

እዚ ልሙድን ጸገም ዘይብሉን እዩ።

ሕብሪ ሽንቲ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ክቕየር ወይ ዘይተለምደ ሕብሪ ክህልዎ ከሎ ግን ምልክት ጸገም ጥዕና ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ስለዚ ሕብሪ ሽንትና እንታይ ክሕብረና ከምዝኽእል ምፍላጥ ግን ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ሕብሪ እንታይ የመልክት?

ብጫ ሕብሪ ሽንቲ

ብጫ፡ እቲ ተመራጺን ጥዕና ዘመልክትን ሕብሪ ኮይኑ ብሰንኪ 'ዩሪክ ኣሲድ' (ሽንታዊ ኣሲድ) ይፍጠር።

ጽምኢ ማይ ምስ ዘጋጥም፡ ሕብሪ ሽንቲ ናብ ድሙቕ ወርቃዊ ክቕየር ይኽእል’ዩ።

ብፍላይ ኣብ ዋዒ ዝግበር ነዊሕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ሕብሪ ሽንቲ ንኽቕየር ክገብር ይኽእል፡ እንተኾነ ዝያዳ ማይ ብምስታይ ናብ ንቡር ሕብሩ ምምላስ ይከኣል።

ንቡር ሕብሪ ሽንቲ ፍኹስ ዝበለ ብጫ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንቡር ሕብሪ ሽንቲ ፍኹስ ዝበለ ብጫ እዩ

ሕብሪ ዘይብሉ ሽንቲ

ሕብሪ ዘይብሉ ሽንቲ ኣብ ኣካላት ልዕሊ ዓቐን ማይ ከምዘሎ የመልክት። እዚ ሓሓሊፉ ዘጋጥም እንተኾይኑ ጸገም የብሉን፡ ቀዋሚ እንተኾይኑ ግን እንሰትዮ ማይ ክንክይ የድሊ።

ኣብ ጽንኩር ኩነታት እቲ ማይ፡ ከም ጨው ዝበሉ ንኣካላትና ዘድልዩ ኣገደስቲ ንጥረ ነገራት ሒዙ ብሽንቲ ክወጽእ ስለዝኸእል፡ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ማይ ምስታይ ኣይምከርን።

መንቀሊ ሕብሪ ዘይብሉ ሽንቲ መድሓኒት ወይ ኣልኮላዊ መስተ እንተኾይኑ፡ መድሓኒት ምስ እንውድእ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ደው ምስ እነብል ናብ ንቡር ዝምለስ እዩ።

ይኹን እምበር፡ ሕብሪ ዘይብሉ ሽንቲ ምስ ተደጋጋሚ ናይ ሽንቲ ድርኺት እንተ ኣጋጢሙን ንነዊሕ እዋን ድማ እንተቐጺሉን፡ ምልክት ሕማም ሽኮርን ጸላም ከብዲን ክኸውን ስለዝኽእል ምስ ሓኪም ምምኻር ይግባእ።

ደበናዊ ወይ ዓፍራ ዝመስል ሕብሪ ሽንቲ

ሓደ ሓደ ግዜ፡ እዚ ጽምኢ ማይ ዘመልክት’ዩ። እኹል መጠን ማይ ምስታይ ድማ መፍትሒ ይኸውን።

እቲ ለውጢ ሕብሪ፡ ብፍላይ ብሰንኪ መግቢ ወይ መድሓኒት ዝመጸ እንተዘይኮይኑ ግን ከም ጸጸር ኩሊት፡ ረኽሲ ሻምብቆ ሽንቲ፡ ፕሮቲን ሽንቲ፡ ከምኡ’ውን ሕማማት ኩሊት ዝኣመሰሉ ጸገማት ጥዕና ከመልክት ይኽእል።

ደበናዊ ወይ ዓፍራ ዝመስል ሕብሪ ሽንቲ፡ ኣብ እዋን ጥንሲ ምልክት ፕሪኢክላምስያ (preeclampsia) ክኸውን ይኽእል፡ እዚ ኩነታት ብልዑል ጸቕጢ ደምን ኣብ ሽንቲ ብዝርከብ ፕሮቲንን ይልለ። ብፍላይ ኣብ መወዳእታ እዋን ጥንሲ፡ ከቢድ ጸገም ከስዕብ ስለዝኽእል ብኡንብኡ ምስ ሓኪም ክንማኸር ኣለና።

ቡናዊ ሕብሪ ሽንቲ

ብሰንኪ ብርቱዕ ምንቅስቓስ ኣካላት፡ ሕብሪ ሽንቲ ቡናዊ ክመስል ይኽእል።

ካብ ዕረ ዝስርሑ ቆርበት ንምልስላስ ዝሕግዙ መመላኽዒታት ምጥቃምን ከም ሩባርብን ገፊሕ ፋጆሊ ዝኣመሰሉ መግቢታት ብብዚሒ ምምጋብ ተመሳሳሊ ጽልዋ ኣለዎም።

ንሕማም ዓሶ ዝእዘዙ ክሎሮኲንን ፕሪማኲንን፡ ከምኡ’ውን ከም ኮሌስትሮል ዘጉድሉ ስታቲን፡ ጸረ-ነፍሳት ሜትሮኒዳዞልን ተመሳሰልቲ መድሓኒታትን’ውን እዚ ለውጢ ከስዕቡ ይኽእሉ።

ብዙሕ ሽንቲ ብዝተዓቀበ መጠን ጭዋዳታት መንደቕ ፍሕኛ ይዝርግሑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብዙሕ ሽንቲ ብዝተዓቀበ መጠን ጭዋዳታት መንደቕ ፍሕኛ ይዝርግሑ

ቡናዊ ሕብሪ ሽንቲ ግን ኩሉ ግዜ ጸገም ጥዕና ዘመልክት’ዩ ማለት ኣይኮነን።

ይኹን እምበር፡ ከም ፖርፊርያ (ኣብ ደም ዝእከብ ኬሚካላት) ዝኣመሰሉ ገለ ሕክምናዊ ኩነታት፡ ሕብሪ ሽንቲ ቡናዊ ክኸውን ክገብሩ ይኽእሉ’ዮም። ሓሓሊፉ፡ ሕማም ጸላም ከብዲ’ውን ተመሳሳሊ ለውጢ ከስዕብ ይኽእል።

ብተወሳኺ ቡናዊ ሕብሪ ሽንቲ፡ ምምዕባል ረኽሲ ሻምብቆ ሽንቲን ጸጸር ኩሊትን ከመልክት ይኽእል። እዚ ሕብሪ መንቀሊኡ ረኽሲ እንተኾይኑ፡ እቲ ሽንቲ ብርቱዕ ጨና ኣሞንያ፡ ወይ’ውን ቅሩብ ጥዑም ሽታ ክህልዎ እዩ። እዞም ጨናታት ኣብ ኣካላትና፡ ረኽሲ ዘስዕቡ ባክተርያ ዘካይድዎም ንጥፈታት የመልክቱ።

ካልኦት ምልክታት ረኽሲ ሻምብቆ ሽንቲ፡ ብተደጋጋሚ ምሻን፡ ኣብ ታሕተዋይ ከብዲ ዝፍጠር ስሓ፡ ከምኡ’ውን ውሑድ መጠን ሽንቲን ይርከብዎም።

ስለዚ፡ እዚ ለውጢ ንነዊሕ እዋን እንተጸኒሑ፡ ዝኾነ መሰረታዊ ጸገም ከምዘየለ ንምርግጋጽ ምስ ሓኪም ምምኻር ኣገዳሲ ይኸውን።

ቀይሕ ሕብሪ ሽንቲ

ሕብሪ ሽንቲ ሮዛ ወይ ቀይሕ ዝኾነሉ ምኽንያት ከም ብንጅር፡ ጸሊም በርበረን ሩባርብን ዝበሉ ዝያዳ ቀይሕ ዝኾኑ መግቢታት ስለዝበላዕና እንተኾይኑ ኣየጨንቕን።

ብሰንኪ ከቢድ ምንቅስቓስ ኣካላትን ገለ መድሓኒታትን ዝመጸ ቀይሕ ሕብሪ ሽንቲ’ውን ጸገም የብሉን።

ይኹን እምበር፡ ካብዞም ዝተጠቕሱ ኩነታት ወጻኢ፡ ሽንቲ ዝቀይሓሉ ካልእ ምኽንያት ኣሎ - ደም።

እዚ ድማ ብሰንኪ ምዕባይ ጽኪ ፕሮስቴትን መንሽሮ ዘይኮኑ ሕበጣትን ዝመጸ ለውጢ ክኸውን ይኽእል።

ብተወሳኺ፡ ረኽሲ ሻምብቆ ሽንቲን ጸጸር ኩሊትን ዘለዎም ሰባት ደም ዝሓወሰ ሽንቲ ክሸኑ ልሙድ እዩ። እዞም ጸገማት መብዛሕትኡ ግዜ ቃንዛ ዘስዕቡ እዮም።

ቃንዛ ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ደም ዝሓወሰ ሽንቲ እንተሃልዩ ግን፡ ከም መንሽሮ ዝበሉ ዝያዳ ከቢድ ጸገማት ከመልክት ስለዝኽእል ናብ ሓኪም ምኻድ ኣገዳሲ’ዩ።

ኣራንሾኒ ሕብሪ ሽንቲ

ገለ ካብቶም ጠንቂታት ኣራንሾኒ ሕብሪ ሽንቲ፡ መድሓኒታትን ቫይታሚናትን እዮም።

ንሕበጥን ቁጥዐን ዘጉድሉን ንምሕቃቕ መግቢ ዝእዘዙን ገለ መድሓኒታት ከምኡ’ውን ከም ኤን ቢ-12ን ዝበሉ ገለ ቪታሚናት፡ ሕብሪ ሽንቲ ናብ ኣራንሾኒ ንኽቕየር ምኽንያት ክኾኑ ይኽእሉ። ገለ መድሓኒታት መንሽሮ’ውን ተመሳሳሊ ውጽኢት ኣለዎም።

እዞም መድሓኒታትን ቫይታሚናት ምውሳድ ምስ እንውድእ ሕብሪ ሽንቲ ናብ ንቡር ስለዝምለስ፡ ስክፍታ ክፈጥር የብሉን።

እንተኾነ ኣራንሾኒ ሕብሪ ሽንቲ፡ ብፍላይ ብቐንዱ ፍኹስ ዝበለ ሕብሪ ዘለዎ ሰገራ ምስ ዝህሉ፡ ከም ወይቦ፡ ጸላም ከብዲን ሻምብቆ ሓሞት ዝበሉ ጸገማት ጥዕና ዘስዓብዎ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ስለዚ እቲ ሕብሪ ሽንቲ ምስ ኣመጋግባ ወይ መድሓኒት ዝተኣሳሰር እንተዘይኮይኑ፡ ሕክምና ኣድላዪ እዩ።

መድሓኒታትን ገለ ካራሜላታትን፡ ሕብሪ ሽንቲ ሰማያዊ ክኸውን ይገብሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መድሓኒታትን ገለ ካራሜላታትን፡ ሕብሪ ሽንቲ ሰማያዊ ክኸውን ይገብሩ

ቀጠልያ ወይ ሰማያዊ ሕብሪ ሽንቲ

ሰማያዊ ወይ ቀጠልያ ሕብሪ ዘለዎ ሽንቲ ኣዝዩ ዘይተለምደን ሳሕቲ ዝረአ ኮይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ መግቢን መድሓኒታትን ይተኣሳሰር።

ንኣብነት ሕብሪ ሽንቲ ብሰንኪ ቀጠልያ ቢራ፡ ቀጠልያ ሕብሪ ቀለም ዝተሓወሶም ፍርያትን ሻሞትን (ኣስፓራጉስ) ናብ ቀጠልያ ክቕየር ይኽእል።

ቀጠልያ ሽንቲ፡ ብሰንኪ 'ሲውዶሞናስ ባክተርያ' ዝመጽእ ረኽሲ ሻምብቆ ሽንቲ’ውን ከመልክት ይኽእል።

ሰማያዊ ቀለም ዘለዎም መግብታት፡ መድሓኒታትን ገለ ካራሜላታትን ድማ ሽንቲ ሰማያዊ ክኸውን ይገብሩ’ዮም።

ከም 'ሃይፐርካልሲሚያ' (ሳሕቲ ዝረአ ስድራቤታዊ ውርሻዊ ሕማም) ዝኣመሰሉ ገለ ኩነታት ጥዕና እውን ሰማያዊ ሕብሪ ሽንቲ ከስዕቡ ይኽእሉ።

እዞም ዘይንቡር ተርእዮታት ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት እንዘይጠፊኦም ግን፡ ንሓኪም ምውካስ ይምረጽ።

ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ ካብ 4 ክሳብ 7 ግዜ ይሽኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ ካብ 4 ክሳብ 7 ግዜ ይሽኑ

ኣብ መዓልቲ ክንደይ ግዜ ምሻን’ዩ ንቡር ዝበሃል?

ሰባት ኣብ መዓልቲ ክንደይ ግዜ ከምዝሸኑ፡ ጽቡቕ መርኣዪ ሓፈሻዊ ኩነታት ኣካላት ኮይኑ፡ ብከም ዕድመ፡ መጠን መግቢን መስተን ዝኣመሰሉ ልሙዳት ረቛሒታት ዝጽሎ’ዩ።

እንተላይ ሓደ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተፈላለየ መጠን ሽንቲ ክህልዎ ይኽእል።

እዚ ለውጢ ሓሓሊፉ ብዛዕባ ኣካላትና ኣገዳሲ ሓበሬታ ክህበና ይኽእል’ዩ።

እኹላት ሰባት፡ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ ካብ 4 ክሳብ 7 ግዜ ይሽኑ። እዚ እኹል ማይ ከምእንሰቲ ዘመልክት’ዩ።

ሰባት ኣብ ሓደ ግዜ ካብ 200 ክሳብ 300 ሚሊሊተር ሽንቲ ይሸኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰባት ኣብ ሓደ ግዜ ካብ 200 ክሳብ 300 ሚሊሊተር ሽንቲ ይሸኑ

ገለ ረቛሒታትን ኩነታት ጥዕናን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓሓሊፉ ካብዚ ዝውሕድ ወይ ዝዛይድ’ውን ንቡር ክኸውን ይኽእል።

ሰለስተን ትሕቲ ሰለስተን ግዜ ምሻን፡ ምናልባት ኣብ መዓልቲ እኹል ማይ ከምዘይንሰቲ የመልክት።

ንልዕሊ ትሽዓተ ግዜ ምሻን፡ ንቡር ኣይኮነን፤ ካብ መጠን ንላዕሊ ፈሳሲ ንወስድ ከምዘለና’ውን ስለዘመልክት ምንካይ የድሊ።

ብዙሕ ፈሳሲ ብምስታይ ዝመጸ እንተዘይኮይኑ ግን ከም ረኽሲ ፍሕኛ ሽንቲ፡ ጸገማት ፕሮስቴት፡ ኩነታት ልቢ፡ ሕበጥ እግሪ፡ ወይ ድማ ሕዱር ነድሪ ፍሕኛ ዝበሉ ሓያሎ ዝያዳ ከበድቲ ኩነታት ከመልክት ስለዝኽእል ናብ ሓኪም እንተኸድና ዝሓሸ ይኸውን።

ሕክምና ኣገዳሲ ዝኸውን መዓስ’ዩ?

ዘይተለምደ ሕብሪ ሽንቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብቐንዱ ብሰንኪ ጽምኢ ማይ ዝመጽእ’ዩ። ስለዚ፡ ዝያዳ ማይ ብምስታይ ሕብሪ ሽንቲ ናብ ንቡር ክምለስ ምግባር ይከኣል።

ብዙሓት መግብታትን መድሓኒታትን እውን ኣብ ሕብሪ ሽንቲ ጽልዋ ከሕድሩ ይኽእሉ እዮም።

ብሰንኪ ጽምኢ ማይ፡ መግብታትን መድሓኒታትን ዝመጸ ለውጢ ሕብሪ ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲታት ናብ ንቡር ዝምለስ’ዩ።

ይኹን እምበር፡ ቀጻሊ ዝኾነ ቀይሕ፡ ኣራንሾኒ፡ ቡናዊ ወይ ደበናዊ ሽንቲ፡ ምልክት ጸገማት ኩሊት፡ ፍሕኛ፡ ጸላም ከብዲን ካልኦት ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ስለዚ እቲ ለውጢ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ናብ ንቡር እንተድኣዘይተመሊሱ፡ ጸገም ጥዕና ዘመልክት ዘመልክት ክኸውን ተኽእሎ ስለዘሎ፡ ናብ ሓኪም ምኻድን ሕክምናዊ ክንክን ምርካብን ኣገዳሲ ይኸውን።