ኣልሸባብ ንኻልኣይ ግዘ ምስ ኢትዮጵያ እትዳወብ ከተማ ኣጥቂዑ ተባሂሉ

ዕጡቓት ኣልሸባብ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣልሸባብ ሎሚ ንጎሆ ዓርቢ 22 ሓምለ 2014 ዓርቢ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ልዕሊ ምስ ኢትዮጵያ እትዳወብ ኣቶ ዝተብሃለት ከተማ ሶማልያ፡ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ሓደ በዓልመዚ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ኣልሸባብ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ነዛ ዶባዊት ከተማ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ምስ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ፡ ከምዝተዋግአ ዝዝከር እዩ።

እዚ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ሓደ በዓል ስልጣን እታ ክልል፡ እቲ ጉጅለ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ንኻልኣይ ግዘ ኣብታ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ዝቐረበት ከተማ ኣቶ፡ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ሓቢሩ።

ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ሓይልታት ፀጥታን ዕጡቓት ኣልሸባብን ጉድኣት ከምዝበጽሐ ዘመልከተ እቲ በዓል ስልጣን፡ ዝርዝሩ ካብ ምዝራብ ተቖጢቡ። 

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ምስ ዝኣተዉ ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዶብ ከምዝተዋግኡ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ትዳወበሎም ከተማታት ዶብ ዝተፈፀመ ኮይኑ፡ ብኽልቲኦም ወገናት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ ነይሩ።

ነዚ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ናብታ ክልል ከምዝተዋፈረ እውን ተገሊፁ ነይሩ።

ኣልሸባብ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ክሕነ እኳ እንተፀንሐ፡ ካብ ፈተነ ዝዘለለ መጥቃዕቲ ግና ፈፂሙ ኣይፈልጥን። ሕዚ ዕጡቓቱ ዶብ ሰጊሮም ዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ድማ ትፅቢት ዘይተገበሮ እዩ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ኣልሸባብ ኣብዚ ቅነ ኣብቲ ክልል ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ልዕሊ 80 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ'ቲ ክልል ከምዝቐተለ ምፅብፃቡ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኣስታት 200 ኣባላት እቲ ጉጅለ ከምዝቐተሉ ይግለፅ።

ብሰፊሑ ኣብ ሶማልያ ዝንቀሳቐስ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ከምዘለዎ ይግለፅ። ኣብ ሶማልያ ከኣ ህይወት ብዙሓት ዝቐጠፈ ናይ ቦንቧን ደባይን መጥቃዕትታት ክፍፅም ፀኒሑ።