“ኣልሸባብ ዋላ’ኳ እንተመከትናዮ፡ ካብዚ ንደሓር ምድላው የድልይ” ፕረዚደንት ክልል ሶማሌ ሙስጠፋ

ኣይተ ሙስጠፋ መሓመድ ምስ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ

ምንጪ ስእሊ, SRTV

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ፡ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ክልል ሶማሌ ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ፡ ሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ መኪተሞ እዮም ኢሉ።

ኣይተ ሙስጠፋ መሓመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ፡ ሕዚ ምስ ዘሎ ዞባዊ ኩነታት ተዛሚዱ ምድላዋት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ መርኣያ እዩ ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ርእሰ ምምሕዳር፡ ወረዳ ፌርፌር ዕጡቓት ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ካብ ሞንጎ ዝፈፀምሉ ከባብታት ሓደ ምዃኑ ሓቢሩ።

“ናይ ኣልሸባብ ትልሚ ግብረ-ራዕዲ ፈሺሉ እዩ። ፖለቲካዊ ኩነታት እቲ ዞባን ድሌት ሓደ ሓደ ሃገራትን ምስ ንምልከት ግና፡ ሱቕ ኢልካ ምድቃስ እንተይኮነስ ካልኦት ምድላዋት የድልዩ’ዮም” ኢሉ።

ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረ-ራዕዳዊ ተባሂሉ ዝተሰየመን ኣብ ሶማልያ ዝመደበሩን ኣልሸባብ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ ጀሚሩ፡ ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ኣብ ክልል ሶማሌ መጥቃዕትታት ፈፂሙ።

ኣይተ ሙስጠፋ፡ እቲ ጉጅለ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍፃሙ ኣብቲ ክልል ፍሉይ ስግኣት ፀጥታ ከምዘይነበረ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ምኽፋቱን፡ ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ንምክልኻል ዝተወሰደ ስጉምትን ኣብ ቀፃሊ ክልል ሶማሌ ፀጥታ ንምውሓስ ምድላዋት ክህሉ ዕድል ይፈጥር’ዩ ክብል ተዛሪቡ።

“. . . ካብዚ ንደሓር ከይንግራህ ዕድል ስለዝፈጥር ዝሐሸ ኩነታት ኣሎ ኢለ እየ ዝኣምን” ኢሉ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ምስ ዝኣተዉ ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዶብ ከምዝተዋግኡ መንግስቲ እቲ ክልል ገሊፁ እዩ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ትዳወበሎም ከተማታት ዶብ ዝተፈፀመ ኮይኑ፡ ብኽልቲኦም ወገናት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ ነይሩ።

ነዚ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ናብታ ክልል ከምዝተዋፈረ እውን ተገሊፁ ነይሩ።

ኣልሸባብ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ክሕነ እኳ እንተፀንሐ፡ ካብ ፈተነ ዝዘለለ መጥቃዕቲ ግና ፈፂሙ ኣይፈልጥን። ሕዚ ዕጡቓቱ ዶብ ሰጊሮም ዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ድማ ትፅቢት ዘይተገበሮ እዩ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ኣልሸባብ ኣብዚ ቅነ ኣብቲ ክልል ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ልዕሊ 80 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ'ቲ ክልል ከምዝቐተለ ምፅብፃቡ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኣስታት 200 ኣባላት እቲ ጉጅለ ከምዝቐተሉ ይግለፅ።

ብሰፊሑ ኣብ ሶማልያ ዝንቀሳቐስ እስላማዊ ዕጡቅ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ከምዘለዎ ይግለፅ። ኣብ ሶማልያ ከኣ ህይወት ብዙሓት ዝቐጠፈ ናይ ቦንቧን ደባይን መጥቃዕትታት ክፍፅም ፀኒሑ።

እዚ ጉጅለ ካብ ሶማልያ ብዝዘለለ፡ ኣብ ኬንያ ብተደጋጋሚ ግብረ-ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ እንትኾን፡ ዝፍፅሞ መጥቃዕቲ ክሳብ ዩጋንዳ ዝተዘርገሐ እዩ።