ፈረንሳ ነቲ ዝተሰርቀ ክቡር ዕንቊ ክትመልሶ ትኽእል ድያ ወይስ ኦሮማይ?

ፖሊስ ፈረንሳ ነቲ ብጨው-ቀትሪ ብድፍረት ዝተሰርቀ ብዋጋ ዘይሽነን ዕንቍታት ዳግማይ ናብ ቤተመዘክር ሉቭር ክመልስዎ ተስፋ ቈሪጾም ኣብ ዘለውሉ፡ ንምርካቡ ደንጒዮም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ክኢላታት የጠንቅቑ ኣለዉ።

ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ፖሪስ፡ ሰረቕቲ ናብቲ ሓያሎ በጻሕቲ ዘአንግድ ቤተመዘክር ዓለም ጸሊቘም ብምእታው፡ ሸሞንተ ክቡራት ኣቝሑ ሰሪቘም ብስኩተር ሃዲሞም። ነቲ ቅጥፈት ክፍጽሙ ከኣ ሸሞንተ ደቒቕ ጥራይ እዩ ወሲዱሎም።

ኣብ ስነጥበባዊ ዕዮታት መርመራ ዘካይድ ሆላንዳዊ ኣርተር ብራንድ፡ እቲ ክቡር ዕንቍታት ኣብ ኣማኢት ተመቓቒሉ ድሮ "ኣርሒቑ ከይዱ፡" ከይከውን ከም ዝሰግእ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ካልኦት ክኢላታት'ውን፡ እቶም ዕንቍታት ክሽየጡን ካብ ፈረንሳ ብኮንትሮባንድ ክወጽኡን ልዑል ተኽእሎ ከም ዘሎ ይገልጹ።

ብድሕሪ'ቲ ስርቂ መን ክህሉ ይኽእል?

እቶም ሰረቕቲ ብቕልጡፍ ኣትዮም ምውጽኦም፡ ዕሉላት ሰረቕቲ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ብራንድ ይኣምን።

"እዚ ፋልማዮም ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ቅድሚ ሕጂ ዝወዓሉዎ እዮም፤ ርእሰ-ተኣማንነት ኣለዎም። ናብኡ ከይዶም ሰሪቖም ከም ዘምልጡ ሓሲቦም፡" ኢሉ።

ልዑል ብቕዓት ዘለዎም ሰረቕቲ ምዃኖም ዘመልክት፡ ኣብ ከምዚ ኵነታት ዘመስከሩ ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ፖሊስ እዮም ነዚ ጉዳይ ክከታተሉ ተመዲቦም ዘለዉ።

ሰብመዚ፡ እቲ ስርቂ ብዝተወደበ መንገዲ ምስ ዝዓዩ መርበባት ገበን ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ይጥርጥሩ።

ብራንድ፡ እቶም ገበነኛታት ድሮ ኣብ መዝገብ ዝሰፈሩን ብፖሊስ ክፍለጡን ተኽእሎ ከም ዘሎ ይዛረብ።

ዓቃቢት ሕጊ ፓሪስ ሎረ ቤኵ፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዝተወደቡ ጕጅለታት ገበን ብሓፈሻ ክልተ ዕላማታት ከም ዘለዎም ገሊጻ፤ "ንረብሓ ዝምውሎም ክብሉ ወይ ድማ ብመንገዲ እቲ ክቡር ኣእማን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ንምፍጻም፡" ነቲ ነገር ከም ዝውዕሉዎ ሓቢራ።

ብራንድ፡ እቶም ዕንቊታት ከይተበላሸዉ ክሽየጡ እዮም ዝብል ግምት የብሉን። ዝተሰርቑ ንብረታት ዝእክብ ሰብ ኣብ ፊልምታት ሆሊውድ ጥራይ እዩ ክህሉ ዝኽእል ይብል።

"ንኸምዚ ዝኣመሰለ ተኣፋፊ ጉዳያ ክትንክፍ ዝደሊ ሰብ የሎን፡" ክብል ይውስኽ፣ "ንኣዕሩኽትኻ ከተርእዮ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ንደቅኻ ክትገድፎ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ክትሸጦ ኣይትኽእልን ኢኻ።"

ዋጋኡ ክንደይ ክኸውን ይኽእል?

ብራንድ፡ እቲ ንብረት ክፈታታሕን ክስበርን፡ እቲ ወርቅን ብሩርን ክመክኽ፡ እቶም ዕንቍታት ድማ ናብ ንኡስ ዓቐን ክቈራረጹ ምዃኖም፡ ተረኺቦም ናብ ሉቭር ክምለሱ ዳርጋ ዘይከኣል ምዃኑ ይኣምን።

ኣዳላዊት ፖድካስትን ኣሰናዳኢት መጽሔት ቮግን ካሮል ዉልተን፡ እቶም ሰረቕቲ ካብቲ ኣብ ቤተመዘክር ሉቭር ዝነበረ ዕንቍታት ነቲ ብሉጽ ፈልዮም ከም ዝወሰዱ ንቢቢሲ ገሊጻ።

"እቶም ዓበይቲ እጹብ-ድንቂ ኣእማን፡" ካብቲ ቦታኦም ተነቒሎም ክሽየጡ ከም ዝኽእሉ ግምታ ኣስፊራ። እቲ ኣብ ውሽጡ ንኣሽቱ ኣዕናቝ ዘለዎ ካብ ንግስቲ ዩጂኒ ዝመጽአ ዘውዲ "ንኽትሕዞ ኣጸጋሚ፡" ምዃኑ'ውን ወሲኻ ገሊጻ።

ስለዝዀነ፡ ኣብ ዝሃድምሉ ዝነበሩ እዋን ምስ ካልእ ኣቕሓ ዝወደቐ ከም ዝረኸቡ ሰበስልጣን ሓቢሮም እዮም።

እቲ ዝተሰርቀ ኣብ ዘውዲ ንግስቲ ዩጂኒ ዝርከብ ልዑል ዋጋ ዘውጽእ ሳሕቲ ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ሉል ከም ዘሎ ክኢላታት ይገልጹ።

እቶም ኣቑሑት ብዋጋ ዘይሽነኑ ተባሂሎም ደኣ ይገለጹ'ምበር፡ ዉልተን ግን ክሽየጡ ከም ዝኽእሉ እያ ትገልጽ።

"ነዚኦም ክሕዝ ፍቓደኛ ናብ ዝዀነ ሰብ ክኸዱ እዮም። ብዙሕ ሰብ ክደልዮም እዩ፣ ክረኽቦ ዝኽእል ድማ ክወስድ እዩ።"

ክንደይ ዋጋ ከውጽኡ ከም ዝኽእሉ ምስ ተሓተተት፡ "ሓያሎ ሚልዮናት፡" ክትብል መሊሳ።

እቲ ዝተሰርቀ ዕንቊታትን ወርቅን ክሳብ 13.4 ሚልዮን ዶላር ከውጽእ ከም ዝኽእል ኣካያዲ ዳይረክተር 77 ዳይመንድስ ቶብያስ ኮርሚንድ ይዛረብ።

"ዕዳጋ ኣልማዝን ዕንቍን እንካን-ሃባን እዩ፣ ብዙሕ ሕቶታት ዘይሓቱ ዓደግቲ ኣለዉዎ፡" ይውስኽ።

በቲ ኣብ ሉቭር ዝተፈጸመ ዝምታ፡ ሓያሎ ፈረንሳውያን ሰንቢዶም ኣለዉ።

ስልማት ዝሰርሕ ፈረንሳዊ ሜይዞን ቬቨር፡ "እዚ ልክዕ ንሞናሊዛ ከም ዝሰረቑና ኰይኑ እዩ ዝስምዓና . . . ሓደ ሰብ ንፈረንሳ ሰሪቑዋ፡" ኢሉ።