ንኽልተ ሃገራት ዘተፋንና ሰብ ዘይነብረለን ደሴታት

ክልተ ሃገራት ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ካብ መጀመርታ ሰብዓታት ጀሚረን ብዛዕባ እተን ደሴታት - ክካትዓ ጸኒሐን እየን።

እተን ደሴታት ዳርጋ ሰብ ዘይነብረለን ኰይነን፡ ኣብ ዞባ ባሕሪ ግን ርኡይ ዕቑር ነዳዲ ከም ዘለወን ይግመት።

አተን ብነዳዲ ዝሃብተማ ደሴታት ክዀና ይኽእላ'የን ተባሂለን ዝእመና ደሴታት፡ ኮንጋ፣ ምባኒየን ኮኮተሮስን ይበሃላ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መንጐ ኢኳቶሪያል ጊኒን ጋቦንን ኣብ ዝነበረ ክትዓት፡ ምስ ኢኳቶርያል ጊኒ ወጊኑ።

ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ (ICJ) ፡ ኢኳቶርያል ጊኒ እተቕርቦ ክሲ - ንመግዛእታዊ ፈረንሳን ስጳኛን ዝመቓቐለ ኣብ 1900 ዝተገብረ ውዕል - ክኽበር ከም ዘለዎ ወሲኑ።

ጋቦን - እቲ ልኡላውነት እተን ደሴታት ዘረጋገጸላ ብ1974 ዝተፈረመ ውዕል ባታ ግብራዊ ክኸዉን ኣለዎ ብምባል ዘቕረበቶ ስነ-ሞጐት ነጺግዎ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘሕለፎ ናይ መወዳእታን ቀያድን ውሳነ ግን፡ እተን ደሴታት ብስፔን ተታሒዘን ከም ዝነበራን፡ ድሕሪኡ ኣብ 1968 ናጽነት ምስ መጽአ ናብታ ናይ ቀደም መግዛእታ ኢኳቶርያል ጊኒ ከም ዝሓለፋን ገሊጹ።

ሕጂ፡ ጋቦን ወተሃደራታ ካብታ ዝዓበየት ደሴት ዝዀነት ምባኒየ ከተውጽእ ክትግደድ እያ።

ኣብ 1972 ሰራዊት ጋቦን ንወተሃደራት ኢኳቶጊንያ ካብ ምባኒየ ኣባሪሩ ኣብኡ ናይ ገዛእ ርእሱ ወተሃደራዊ ህላወ ክረጋገጽ ገይሩ'ዩ።

ተጻብኦታት ክሳብ መጀመርታ 2000ታት ዝዘሓለ ኰይኑ፡ ኣብ ወሽመጥ ጊኒ ነዳዲ ናይ ምህላው ተስፋ ርኡይ ኰይኑ።

ክልቲአን ሃገራት፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ሽምግልና ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 2016፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ጕዳይ ክፈትሖ ተሰማሚዐን።

ወሃቢ ቃል ፕረዚደንትነት ጋቦን ሕጂ ብመንጽር እቲ ብይን ዝርርብ ክገብራ ትጽቢት ከም ዝግበር ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

"ጋቦንን ኢኳቶርያል ጊኒን፡ ጐድኒ ንጐድኒ ክነብራ ኣለወን፤ ነንሕድሕድና ክንርሕቕ ኣይንኽእልን። ስለዚ ነዚ ኵሉ ጸገማት ንምፍታሕ ክንዘራረበሉ ጥራይ እዩ ዘለና፡" ይብል ጋይ ሮሳታንጋ-ሪግኖልት።

ክልቲአን ሃገራት ኣፍረይቲ ነዳዲ እየን።

ይኹን'ምበር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ትሑት ወፍሪ፣ ሕፅረት ዕደናን ምእራግ ዒላታትን መጠን ምህርቲ ነዳዲ ኣንቈልቊሉ ይርከብ።