ፈረንሳ፡ ስለምንታይ'ዩ ኣብ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ መዓስከራት ዘለዋ?

ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፈረንሳ ነበር ማዕበል ዕልዋ መንግስታት ኣብ ዝበዝሓሉ ዘሎ እዋን፡ ፈረንሳ ድሕሪ ደጊም ኣብታ ኣህጉር ዘለዋ ወተሃደራዊ ተራ ከም ውሁብ ክትወስዶ ከም ዘይትኽእል ትርዳእ ኣላ።

ፈረንሳ ኣብተን ቅድሚ ሕጂ ወተሃደራዊ ሓይላ ዘቘመትለን ሃገራት ኣፍሪቃ ተቓውሞታት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ወተሃደራት ፈረንሳ ካብ ኒጀርን ማሊን ዝተባረሩ ኰይኖም፡ ካልኦት ድማ ኣብ ዘመነ ናጽነት ኣብ መንጐ 1964ን 1995ን፡ ብውሑዱ 30 ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ምትእትታዋት ዘስዓበ ስምምዓት ንምፍራስ ይሓስቡ ኣለዉ።

ስለምንታይ ሰራዊት ፈረንሳ ኣብ ኣፍሪቃ ኣሎ?

ፈረንሳ ካብ ናጽነት ጀሚራ "ንምርግጋእን ጽንዓትን ዝተወሰኑ ስርዓታት ክትቅጽልን ክትሕሉን" ትደሊ ነይራ ይብል ዳይረክተር ኢንስቲትዩት ቲምቡክቱ ዶክተር ባካሪ ሳምቤ።

ብፍላይ ንምዕራብ ኣፍሪቃን ሳሕልን፡ ከም ‘ባህሪያዊ መዋፈርን ጽልዋን ዝረኣየሉ ቦታ ገይራ ትቘጽራ ነይራ’ ይብል።

ኣብ ካናዳ ሮያል ሚሊታሪ ኮሌጅ ሴንት ጂንን ክኢላ ሰላምን ግጭትን ምዕራብ ኣፍሪቃ ፕሮፌሰር ብሩኖ ሻርቦኖ እውን ምስዚ ሓሳብ ይሰማማዕ።

"ፈረንሳ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ወተሃደራዊ ጽልዋ ብፍላይ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሕምብርቲ ኣፈታትሓ ግጭታትን ኣገባባት ምሕደራን ክትነጥፍ ዘኽእላ እዩ" ይብል።

ብኸምዚ ኣገባብ ንፈተውቲ ስርዓታት ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ደገፍ ብምሃብ፡ ፈረንሳ ንናይ ገዛእ ርእሳ ረብሓታት ፕሮጀክትን ክትሕሉን፡ ከምኡ’ውን ቅልጡፍ ወተሃደራዊ ምትእትታዋት ክትገብር ይፈቕደላ ነይሩ ክብል ይውስኽ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈረንሳ ኣብ ጋቦን ብዝካየድ ስርሒታት ኣቢሉ ቀንዲ ተልእኾኡ ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ወተሃደራት ምምልማልን ግብረ- ሽበራ ንምምካት፡ ምድራዊ ዶባትን መሬት ባሕርን ንምሕላው ዓቕሞም ንምዕባይን ምዃኑ ይገልጽ። እዚ ድማ ዕቃበ ሰላም፡ ስለያን ሎጂስቲክስን ዘጠቓልል እዩ።

እዚ ተራታት ምስቲ ኣብ መወዳእታ 1990ታት ፈረንሳ፡ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ዘሳትፍ መደብ ምድልዳል ዓቕሚ ዓቃብ ሰላም ኣፍሪቃ (Recamp) ዝሳነ ምዃኑ ይገልጽ።

ኣብ ሰኔጋል፡ ኣብ መላእ እቲ 15 ኣባላት ዘለውዎ ዞባዊ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ- ኢኮዋስ፡ ንጐረቤት ሃገር ሞሪታንያ ሓዊሱ፡ ስልጠና ንምክትታል ይሰርሕ።

ኣየኖት ሃገራት እየን ክሳብ ሕጂ ወተሃደራዊ መዓስከራት ፈረንሳ ዘለወን?

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ቍጽሮም'ኳ እንተወረደ፡ ሓያሎ ኣሽሓት ወተሃደራት ፈረንሳ ክሳብ ሕጂ ኣብዘን ዝስዕባ ሃገራት ተዋፊሮም ኣለዉ፤

ጫድ፡ ሓይልታት ፈረንሳ ኣብ ጫድ (EFT) ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣስታት 1000 ወተሃደራት፡ ሓለዋ ረብሓታትን ዜጋታትን ፈረንሳ ውሕስነት ናይ ምሃብ ዕማም ተዋሂብዎም ኣሎ። ንሰራዊት ጫድ ሎጂስቲካውን ስለያውን ደገፍ ካብ ምሃብ ሓሊፎም፡ ኣካል ዞባውን ጸረ-ሽበራን ተበግሶታት እውን ኰይኖም ነይሮም። ኣብ ርእሰ ከተማ ኢንጃሚና፡ ብምብራቕን ኣብ ኣብቸን፡ ብሰሜን ኣብ ፋያ መደበራት ኣለዎም።

ጅቡቲ፡ ዝበዝሐ ወተሃደራዊ መዓስክራት ዘለዋ እያ። ኣብዚ እዋን 1500 ወተሃደራት ፡ እታ ሃገር ናጽነት ዝረኸበትሉ እዋን ካብ 1977፡ ከምኡ’ውን ካብ 2014 ብውዕል ኣብኡ ኣለዉ።

• ጋቦን፡ ሓይልታት ፈረንሳ ካብ 1960 ናጽነታ ካብ እትረክብ ጀሚሮም ኣብኡ ዓስኪሮም ጸኒሖም፡ ኣብ 2014 ብወግዒ ፈረንሳዊ ኣሃዱታት ኣብ ጋቦን (EFG) ተባሂሎም ተሰይሞም፡ ብ350 ወተሃደራት ዝቘመ እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈረንሳ፡ EFG ኣብ ርእሰ ከተማ ሊበርቪል ኣብ ዝርከብ መዓስከር ቻርለስ ደጎል ዝርከብ ኣሃዱ መሬትን ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝርከብ መደበር ኣየር፡ ኣሃዱ ኣየርን ዘጠቓልል እዩ።

ኣይቮሪኮስት፡ ማእከል እዚታት ወፍሪ ፈረንሳ እያ። ኣብ 2015 ወተሃደራዊ ሽርክነት ኣብ መንጐ እተን ብታሪኽ ዝተቐራረባ ሃገራት ንቕድሚት ዝሰርሕ መደበር ስርሒት (ፎብ) ቈይሙ። ንዝሓለፉ 13 ዓመታት፡ ብውሕዱ 950 ወተሃደራት ከም ኣካል ናይቲ ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ 2002 ዝተመስረተ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ፈረንሳ ተዋፊሮም ነይሮም።

• ሰኔጋል፡ ካብ 2011 ጀሚሩ ብፈረንሳዊ ባእታታት ሰኔጋል (EFS) ዝፍለጥ ኣስታት 400 ወተሃደራት ዝሓቘፈ ጕጅለ፡ ዞባዊ ወተሃደራዊ ስልጠና ይህብ። ኣብ ርእሰ ከተማ ዳካር ኣብ ዝርከቡ ክልተ መዓስከራት ዝመደበሩ ኤ.ኤፍ.ኤስ ንወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ እውን ክጥቀም ይኽእል እዩ። እቲ ሓይሊ ኣብ ጥቓ ዳካር ኣብ ሩፊስክ ልዑል ፍሪኴንሲ ዘለዎ መደበር ራድዮ እውን ኣለዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቶም ኣብ ኒጀር ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣስታት1500 ዝዀኑ ወተሃደራት፡ ምስ ነፈርቲ ውግእን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኣብ ስርሒታት ጸረ-ሽበራ ዝሳተፉ ኰይኖም፡ ብሕቶ መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ሓምለ ካብ ሰለስተ መደበራት ምውጻእ ጀሚሮም።

ፈረንሳ ስለምንታይ እያ ንኣፍሪቃ ከም 'ድሕረ ገዝኣ' ትርእያ?

ኣፍሪቃ እያ ንፈረንሳ ኣብ መድረኽ ዓለም ሓይሊ ትዀና።

እንተዘይኰይኑ፡ ከም ሓንቲ-ሓያል ሃገር ኣይክትቍጸርን እያ ይብል ፕሮፌሰር ቶኒ ቻፈር፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ፖርትስማውዝ ዓባይ ብሪጣንያ።

"ኣብዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ንሕንሕ ዝበዝሖ ዓለማዊ ሃዋህው፡ ፈረንሳ ኣብቲ ዞባ ወተሃደራዊ ህላወኣ ንምዕቃብ ቀዳማይ ጂኦፖለቲካዊ ተገዳስነት ኣለዋ" ይብል።

ብወተሃደራዊ መዳይ ኣብ ኣፍሪቃ ምህላው "ፈረንሳ ቀዋሚ መንበር ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንምምኽናይ ቁልፊ ተራ ኣለዎ - ጉዳያት ጸጥታ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወይ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ክዝረበሉ ከሎ 'ኣገዳሲት ተዋሳኢት' እያ" ይውስኽ።

ፈረንሳ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቍጠባውን ዲፕሎማስያውን ርክብ እውን ብጥንቃቐ ትሕልዎ እያ።

እዚ ድማ፡ ብፍላይ ምስቶም ምስ ካዝና ፈረንሳ ዝተኣሳሰሩ ባጤራታት ፍራንክ ሲኤፍኤን ምስ ገዛእቲ ሓይልታት ጥቡቕ ምትእስሳር ብምዅስኳስን እያ ትትግብሮ።

ፕሮፌሰር ቻፈር፡ ፈረንሳ ገና ንኣህጉር ኣፍሪቃ ከም "ድሕረ ገዛኣ" እንተቘጺራቶ፡ ውጽኢት መግዛእታዊ ታሪኻን ንመውጽኢኣ ብኸመይ ከምዝተወዓዓለትን ይሓትት።

"'ከምቲ ገሊኦም ዝበልዎ፡ ዝኸዱ ኣምሲሎም 'ብዕምቆት ክኣትዉ እዮም’ ዝመስሉ" ይብል።

"ኣብዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ንሕንሕ ዝበዝሖ ዓለማዊ ሃዋህው፡ ፈረንሳ ኣብቲ ዞባ ወተሃደራዊ ህላወኣ ንምዕቃብ ቀዳማይ ጂኦፖለቲካዊ ተገዳስነት ኣለዋ" ይብል።

ብወተሃደራዊ መዳይ ኣብ ኣፍሪቃ ምህላው "ፈረንሳ ቀዋሚ መንበር ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንምምኽናይ ወሳኒ ተራ ኣለዎ - ጉዳያት ጸጥታ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወይ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ክዝረበሉ ከሎ 'ኣገዳሲት ተዋሳኢት' እያ" ክብል ይውስኽ።

ፈረንሳ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቍጠባውን ዲፕሎማስያውን ርክብ እውን ብጥንቃቐ ትሕልዎ እያ።

እዚ፡ ብፍላይ ምስቶም ምስ ካዝና ፈረንሳ ዝተኣሳሰሩ ባጤራታት ፍራንክ ሲኤፍኤን ምስ ገዛእቲ ሓይልታት ጥቡቕ ምትእስሳር ብምዅስኳስን እያ ትትግብሮ።

ፕሮፌሰር ቻፈር፡ ፈረንሳ ገና ንኣህጉር ኣፍሪቃ ከም "ድሕረ ገዛኣ" እንተቘጺራቶ፡ ውጽኢት መግዛእታዊ ታሪኻን ንመውጽኢኣ ብኸመይ ከምዝተላዘበትን ይሓትት።

ሰልፈኛታት ንምንታይ እዮም ወተሃደራት ፈረንሳ ክወጹ ዝደልዩ?

ኮኾብ ሬገ ኣይቮሪኮስት ኣልፋ ብሎንዲ ኣብ መወዳእታ 1990ታት "ሰራዊት ፈረንሳ፡ ውጽኡ!" ክብል ኣዚሙ።

እታ ደርፊ እቲኣ፡ ሓድሽ ዘመን ልኡላውነት ከም ዝጀመረ ኣመልኪታ።

ይዅን እምበር ምስ ምልዓል እስላማዊ ዕጡቓት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ፈረንሳ ተወሳኺ ሰራዊት ክትሰድድ ዝቐረበላ ሕቶ ተቐቢላ።

እቲ ቀዳማይ ስርሒት ሰርቫል ኰይኑ፡ ኣብ 2012 ጅሃዳውያን ንሰሜን እታ ሃገር ድሕሪ ምዝራጕም ዝተጀመረ ስርሒት እዩ።

እዚ ድማ ብስርሒት ባርካነ ዝተተክአ ኰይኑ፡ ኣብ ሕዳር 2022 ዝተዛዘመ ዝያዳ ዞባዊ ተልእኾ ጸረ-ናዕቢ እዩ።

ዶክተር ሳምበ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ጕጅለታት ግብረሽበራ ስለዝበዝሑ፡ ክልቲኦም ስርሒታት ከምዝፈሸሉ ይምጕት።

"ሃገራት ኣገዳስነት ስትራተጂያዊ ህላወ ፈረንሳ ክጠራጠራ ጀሚረን - ሓሳባትን ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባትን ብገለ መንገዲ ነቲ ግብረሽበራዊ ስግኣት ይስሕብዎ ወይ የጋድድዎ ከምዘለዉ ዝሕብሩ እዮም" ይብል።

እዚ ምስቲ ካብ መንእሰይ ወለዶ ዝመጽእ ጻውዒት "ልኡላውነት" ተደሚሩ ብዙሓት ሰባት ወተሃደራት ፈረንሳ ክወጹ ይደልዩ ማለት እዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ማሊ፡ ቡርኪናፋሶን ኒጀርን ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ - መራሕቲ እቲ ዕልዋ ንወተሃደራት ፈረንሳ ከባርሩ ዝወሰኑሉን ህዝባዊ ድጋፍ ምርካቦም - ነዚ ዓቢይ ምስክር እዩ።

እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ?

ወተሃደራት ፈረንሳ ዝሓለፈ ዓመት ብትእዛዝ ባማኮ ካብ ማሊ ከምዝተሰሓቡን፡ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት እውን ከምኡ ክገብሩ ከምዝተነግሮምን ይፍለጥ።

ክኸዱ ከለዉ፡ ዋላ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኵነታት ጸጥታ ገዲዱ፡ ይብል ፕሮፌሰር ቻፈር።

ካብቲ ምስሓብ ኣትሒዙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እናገደደ ከምዝመጸን ሕጂ ማሊያውያን ውሕስነቶም ዝያዳ ከምዝነከየን ይዛረብ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰራዊት ማሊ ናብ ጕጅለ ሰራዊት ሩስያ ቫግነር ከም ሓድሽ ንምሕዛይ ገጹ ኣቕኒዑ ኣሎ።

ክልቲኦም ወገናት ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኽሰሱ እዮም።

ፕሮፌሰር ቻፈር፡ ቀንዲ ተራ ቫግነር ኣብታ ሃገር "ድሕነት ህዝቢ ንምምሕያሽ ዘይኰነስ ንወተሃደራዊ ስርዓት ማሊ ምድጋፍ'ዩ" ኢሉ ይኣምን።

ብተወሳኺ ምስ ሓደ ብሄረ ቱዋረግ ዝበሃል ዕጡቓት ስምምዕ ሰላም ዝፈጠረ ይመስል።

እቲ ዕጡቕ፡ ናይ ወጻኢ ሓይልታት እናሰሓበ ምስ ከደ ኣብ ሰሜን ግዝኣታት ክሕዝ ጀሚሩ ኣሎ።