ትግራይ፡ ምህማም መሬት ንነበርቲ ኣብ ሓደጋ የውድቕ ኣሎ

ነበርቲ ወረዳ ሰላዋ - ትግራይ ዞባ ደቡብ ምብራቕ

ምንጪ ስእሊ, SM

ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ክራማት ተታሓሒዙ ብሰንኪ ዝፍጠር ዘሎ ምህማም መሬት ነበርቲ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንሓደጋ ተቓሊዖም።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ወረዳ ሰላዋ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ነበርቲ ክፈናቐሉ ምኽንያት ኰይኑ’ሎ።

ኣብቲ ወረዳ ካብ እትርከብ ጣብያ ስምረት ምስ ሓሙሽተ ርእሰን ዝተፈናቐላ ወይዘሮ ዘነቡ ወልደጽየን ብ15 ነሓሰ 2016 (21 ነሓሰ ኣ.ኤ) ኣብ ከባቢአን ብሰንኪ ዘጋጠመ ምህማም መሬት ገዛአን ገዲፈን ናብ ካልእ ከተማ ክሃድማ ከምዝተገደዳ ንቢቢሲ ተዛሪበን።

“በቲ ምህማም መሬት ገዛውትናን ጥሪትናን ስለዝተወሓጡ ናብ ከተማ ደላ ክንወጽእ ተገዲድና። ገዛውትና ተዋሒጡ መሬት መርገጺ ስለዝተስኣኖ ናብ መዕቆቢ ወጺእና። ንህይወትና ክነትርፍ ኢና ወጺእና፤ ንብረትን ጥሪትን ዝበሃል ኣይሓዝናን” ብምባል ኣብዚ እዋን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣዕቊበን ከምዘለዋ ሓቢረን።

ካብ 8 ነሓሰ 2016 ጀሚሩ ኣብ ከባቢኦም ተደጋጋሚ ምህማም መሬት ይረኣይ ምህላዉ ንቢቢሲ ዝሓበረ ግርማይ ኣበበ ዝተበሃለ ካልእ ነባሪ፡ “ኣብ ሕሉፍ እዋናት ክረምቲ ተመሳሰልቲ ተርእዮታት'ኳ እንተነበሩ ሎምዘበን ዘጋጥም ዘሎ ግን ክብድ ዝበለ እዩ” ክብል ነቲ ኵነታት ገሊጹ።

ክሳብ ሰንበት ኣብ ዝነበረ እዋን ብፍላይ ማይኣምላን በታይን ኣብ ዝበሃላ ቁሸታት ከቢድ ሓደጋታት ከምዝተረኣየ ተዛሪቡ። እዚኦም ድማ ምስቲ ዝወቅዕ ዘሎ ከቢድ ዝናብ ዝተሓሓዙ ምዃኖም ኣረዲኡ።

ብፍላይ ኣብተን ክልተ ጣብያታት ወረዳ ሰላዋ ዘጋጠሙ ሓደጋታት ምህማም መሬት ንመንበሪ ኣባይትን ጥሪት እንስሳን ብምውሓጦም ነበርቲ ሃዲሞም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣዕቊቦም ኣለዉ።

“ኣብ ቁሸት ማይኣምላ ገዛውቲ ይወሓጡ ኣለዉ። ኣብ በታይ ድማ ተሓራሲ መሬት እዩ ተሃስዩ። ግን ድማ ናብ መንበሪ ገዛውቲ’ውን ይጽጋዕ ኣሎ። እቲ ከባቢ ብማይ ተዋሒጡ’ሎ። ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት የለን” ይብል ኣቶ ግርማይ።

ልዕሊ 500 መራሕቲ ስድራ ብሰንኪ ሓደጋታት ምህማም መሬት ካብ ገዛውቶም ክፈናቐሉ ከምዝተገደዱን ኣብ ከቢድ ኵነታት ከምዝወደቑን ነበርቲ ይግለጹ።

ክረምቲ ብምዃኑ ግን ሰባት ናበይ ከምዝሃድሙ ኣብ ጭንቂን ጸገምን ከምዝርከቡ ወሲኾም ተዛሪቦም።

ምስቲ ሓደጋታት ብዝተሓሓዝ ተርእዮታት ምስንጣቕ መሬት ዝረአ ዘሎ ኰይኑ፡ ካብ 20 ክሳብ 30 ሜትሮ ዝስፍሓቱ ነቓዕ ተፈጢሩ’ሎ ኢሎም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህርን ተመራማርን ክፍሊ ትምህርቲ መጽናዕቲ ምድሪ ዶክተር ገብረመድህን ብርሃነ፡ ኣብ ትግራይ ንኸምዚኦም ዝበሉ ባህሪያዊ ሓደጋታት ተቓላዕቲ ዝዀኑ ከባቢታት ከምዘለዉ እዩ ዝገልጽ።

“ቅድም ክብል ካብ ዓድዋ ክሳብ ዓዲግራት ኣብ ዘለዉ ኣኽራናት መጽናዕቲታት ክካየድ ጸኒሑ’ዩ። ኣብቲ ከባቢታት፡ ኣብዚ እዋንን ቅድም ክብል ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ክረምትን ብዙሓት ሰባት ተጐዲኦም እዮም። ብኣንፈት ደቡብ ትግራይ’ውን ከባቢታት ሰላዋ፣ ዓዲ ሽሑን ማይጨውን ንኸምዚ ዝበለ ኵነታት ተቓሊዖም ኣለዉ” ክብል ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

እዚ ባህርያዊ ሓደጋ ዓብይ ቆላሕታ ዝጠልብ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ መምህርን ተመራማርን “ናብ ሃጓፍ ሽንጥሮ ዓፋር ዝቐረብና ብምዃንና እውን ምስቲ ዝናብ ተሓዊሱ ምንቅጥቃጥ መሬት ክህሉ ይኽእል’ዩ። ስለዚ ድምር ናይዞም ነገራት እዩ ከምዚ ዝበለ ሓደጋታት ዘኸትል ዘሎ፤ ቅድም ኢሎም ዝተኻየዱ ምርምራት ነዚ እዮም ዘረድኡና” ኢሉ።

ነበርቲ ሰላዋ

ምንጪ ስእሊ, SM

'ብዙሕ ከባብታት ተጸልዩ’ሎ'

ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ወረዳ ሰለዋ ሰፊሕ ምህማም መሬት ከምዘጋጠመ ንቢቢሲ ዘረጋገጸ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ትግራይ ዶክተር ገብረህይወት ገብረእግዚኣብሄር ኣብዚ ክረምቲ ብዙሕ ከባቢታት ብተመሳሰልቲ ሓደጋታት ከምዝተጸለወ ሓቢሩ።

“ሰላዋ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እዩ ዘጋጥም ዘሎ። ኣብ ከባቢታት እንደርታን ይሓ-ዓድዋን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዩ ኣጋጢሙ። እቲ ናይ ቀረባ ድማ ኣብ ሰላዋ እዩ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ነቶም ሓደጋታት ስዒቡ ንዝተጸለዉ ነበርቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምቕራብ ከኣ ንገበርቲ ሰናይ “ነተሓባብር ኣለና” ኢሉ።

“ኮሚሽንና ኣብ ኢዱ ዘጽንሖ ዝዀነ ዓይነት ሓገዝ ስለዘየለ ንገብርቲ ሰናይ ኣብ ምልዕዓል እዩ ዝሰርሕ። ከም መጽለሊ፣ መግብን ካልእን ሓገዛት ክረኽቡ ንምግባር ከኣ ምስ ገበርቲ ሰናይ ንዘራረብ ኣለና” ክብል ኣረዲኡ።

ቅድም ክብል ኣብ ወረዳ እንደርታ ከባቢ ደርገዓጀን ንዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት ስዒቡ ነበርቲ ናብ ውሑስ ቦታ ክወጽኡን ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡን ከምዝተገበረ እቲ ኮሚሽነር ኣዘኻኺሩ።

እቲ ኮሚሽን ሓደጋታት ቅድሚ ምፍጣሮም “ዝተዓቘረ ሃብቲ ሒዙ ክጽንሕ ምተገብአ ግን ከኣ እቲ ሕጂ ዘለናሉ ኵነታት ነዚ ከፍቅደልና ኣይከኣለን” ዝበለ ዶክተር ገብረህይወት፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሓገዝ ኣብ ምግባር ክረባረቡ ጸዊዑ።

ሓደጋታት ምህማም መሬት

ኣብ ዓለም ዘጋጥሙ ሓደጋታት ምህማም መሬት ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት እናወሰኹ ምምጽኦም ጸብጻባት ይሕብሩ። ቀንዲ መንቀሊኦም ድማ ምስ ለውጢ ኵነታት ኣየር ከምዝዛመድ ይንገር።

ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጐፋ ብዘጋጠመ ኣስታት 260 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።

ኣብቲ ክልል፡ ሓደጋታት ምህማም መሬትን ውሑጅን ከጋጥሙ’ኳ እንተጸንሑ፡ ክንድ’ዚ ዝኣክል ሰባት ዝሞትሉ ሓደጋ ግን ኣጋጢሙ ኣይፈልጥን።

ኣብቲ ክልል ዞባ ወላይታ ወረዳ ካዎ ኰይሻ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ፡ ህይወት 11 ሰባት ዘጥፍአ ኰይኑ፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር እውን ንብዙሓት ዝጸለወ ባህሪያዊ ሓደጋ ይኽውን ኣሎ።

ካብ ካልኦት ተፈጥሮኣዊ ሓደጋጋት ብዝተፈለየ፡ ምህማም መሬት ኣብ ዝዀነ ክፋል ዓለም ከጋጥም ከም ዝኽእል ሓበሬታ ትካል ጥዕና ዓለም የመልክት።

እዚ፡ ኣብ ዓለም የጋጥም ብዘሎ ክሊማዊ ለውጢ እናሓየለ ከም ዝመጽአ ሰብ ሞያ ይገልጹ፤ እዚ ክቕጽል ምዃኑ’ውን የጠንቅቝ።

ኣብዚ ዓመት፡ ኣብ ኢንዶነዥያ፡ ኔፓልን ፓፓዋ ጊኒን ተመሳሳሊ ሓደጋታት ተኸሲቶም ብዙሓት ሞይቶም’ዮም።

ምህማም መሬት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምህማም መሬት እንታይ’ዩ ዘንቀሎ?

ምህማም መሬት፡ ከም እምኒ፡ ሓመድ ዝተሰከሙ ኣእዋም፡ ሓመድን ካልኦትን ካብቲ ዝነበርሉ ከባቢ ኣንቈልቊሎም ክወርዱ እንከለውን ቦታኦም ገዲፎም ክኸዱ እንከለውን’ዩ ዘጋጥም።

እዚ፡ ሃንደበታዊ ወይ’ውን ቀስ ብቐስ ንነዊሕ እዋን ክኽሰት ይኽእል።

ዓቐበት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት፡ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ዝሃርመሉ እዋን፡ በረድ ክመክኽ እንከሎ፡ መሬት ክጕሕጓሕ እንከሎ፡ ምንቅጥቃጥ መሬት ወይ ምንቅስቓስ እሳተ ጐመራ ኣብ ዝህልወሉ፡ መጠን ኣብ ትሕቲ መሬት ዘሎ ማይ ኣብ ዝልወጠሉ ካልኦት ሰብ ሰርሖ ምኽንያታት ኣብ ዝህልዉሉን፡ ክኽሰት ከም ዝኽእል ሓበሬታ ኣመሪካ ጂኦሎጂካል ሰርቨይ የረድእ።

ኣብ ውሽጢ ማያዊ ኣካላት’ውን ምህማም መሬት ከጋጥም ይኽእል’ዩ፤ ገለ እዞም ክስተታት ንፋስ ዝተሓወሶ ማዕበል ህቦቡላ ብምስዓብ ኣብ ከባቢ ገምግም ባሕሪ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ሃሰያ ከውርዱ ይኽእሉ።

ትካል ጥዕና ዓለም፡ ምህማም መሬት የጋጥሞም’ዩ ዝብሎም ከባቢታት

ኣብ ዓቐበትን እምባን ዘለው ከባቢታት

ብባርዕ ሓዊ ዝነደደ መሬት

ብሰንኪ ሰብ ሰርሖ ተግባራት ብኣግራብ ተሸፊኑ ዝነበረ መሬት ክመናመን ወይ ክዓርቕ እንከሎ

ሩባ ዝሓልፈሎም ከባቢታት

ዝዓቘረ ማይ ወይ ብምኽንያት ማይ ዝተሸርሸሩ ከባቢታት እዮም።

ንነብስና ካብዚ ሓደጋ ብኸመይ ንከላኸል?

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ኣስታት 260 ሰባት ሞይቶም

ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ጥዕና ዓለም፡ ካብ 1998 ክሳብ 2017 {ኣ.ኤ]፡ ምህማም መሬት ኣብ ልዕሊ 4.8 ሚልዮን ሰባት ጕድኣት ኣውሪዱ እዩ።

ኣብዞም ዓመታት፡ ልዕሊ 18 ሽሕ ሰባት ሞይቶም።

ሃንደበት፡ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ እንተተሰሚዕኩም፡ ካብቲ ዘለኹሞ ከባቢ ብምውጻእ፡ ንጐረባብትኹምን ሰብመዝን ከተፍልጡ ይምከር።

ከምኡ’ውን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝስምዑ ድምጺታት ብውነ ክትጸናጸኑ ይምዓድ፤ ንኣብነት፡ ኣእዋም ክነቓነቝ እንከለው ዝፍጠር ድምጺ ኣሎ።

ሩባ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት ድማ፡ “ሃንደበታዊ ምውሳኽ ወይ ምንካይ ማይ እንተኣጋጢሙ፡ ከምኡ’ውን እቲ ማይ እንተጸርዩ፣ ጽርየት እቲ ማይ ናብ ጭቃ እንተተቐይሩ ከስተብህልሉ ኣለዎም። ከምዚ ዓይነት ለውጢታት እንተሃልዩ፡ ምንቅስቓስ ማርቻቤዲ ኣሎ ማለት ስለ ዝዀነ፡ ብህጹጽ ካብቲ ከባቢ ክትወጽኡ ኣለኩም” ይብል ቀይሕ መስቀል ኣመሪካ።