ሰቘቓ ፍልስጤማውያን፡ 20 ሰባት ዝቐተለ ኣብ ካፈ ዝተፈጸመ ደብዳብን ኵነታት ረድኤትን

ረድኤት ዝወስዱ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ቓዛ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ሓደ ፍሉጥ ካፈ ብዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ብውሑዱ 20 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐተሉ ዶካትርን መሰኻኽር ዓይኒን ገሊፆም።

እቲ ካፈ ዝበዝሕ እዋን ጋዜጠኛታት፡ ነጠፍቲን ነበርቲ እቲ ከባቢን ዝጥቀምሉ እዩ።

ወሃቢ ቃል ምክልኻል ሲቪላውያን ቓዛ፡ ጕጅለታት ህይወት ኣድሕን ካብቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ካብ ቴንዳ ዝተሰርሐ ካፈ ኣልባቓ፡ 20 ሬሳታትን ብዙሓት በቲ መጥቃዕቲ ዝቘሰሉ ግዳያትን ከም ዘግዐዙ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቶም ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት፡ በቲ ፍንጀራ ኣብ ዝተፈጥሩ ጐዳጕዲ ኣለሻ የካይዱ ከም ዘለዉ እቲ ኣፈኛ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ብሞያ ካሜራ ዝነጥፍ ዓዚዝ ኣልዓፊፊ፡ ኢንተርነት ንኽጥቀም ናብቲ ካፈ ይኸይድ ነይረ፤ ከቢድ ነትጕ እንከጋጥም ብቀረባ ርሕቀት እየ ነይረ" ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ናብቲ ደብዳብ ዝተፈፀመሉ ጐይየ ከይደ። መሳርሕተይን መዓልታዊ ዝረኽቦም ሰባትን ኣብኡ ነይሮም። እቲ ክስተት ዘሰንብድ'ዩ ነይሩ- ደም፡ ሬሳታት፡ ኣውያት" ብምባል፡ ብዛዕባ እቲ ተጓንፎ ይገልጽ።

ብነጠፍቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት፡ ካብ ነፋሪት ኲናት እስራኤል ከም ዝተተኰሰ ዝተገለጸ ሚሳይል፡ ነቲ ከባቢ ክወቅዕ ኣንከሎ የርእዩ።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ዝተወስደ ቅላዓት ድማ፡ ሬሳታት ኣብ መሬት ተበታቲኖም የርኢ።

ኣብ ቓዛ ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ዝርከብ ካፈ ኣልባቓ፡ ኣገልግሎት ኢንተርነትን መስርሒ ቦታን ዝህብ ኰይኑ፡ ጋዜጠኛታት፡ ነጠፍቲን ብኦንላይን ስርሖም ዘካይዱ ሰባትን ዝጥቀምሉ ስሙይ ቦታ እዩ።

ሰራዊት እስራኤል ብዛዕባ'ዚ መጥቃዕቲ ዛጊድ ዝሃቦ ምላሽ የለን።

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ብለይቲ ብዝፈጸሞ ማዕበላዊ መጥቃዕትታት ኣየር፡ኣማኢት ፍልስጤማውያን ስድራቤታት ከምዘፈናቐለ'ውን መሰኻኽር ዓይኒ ኣረጋጊጾም።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን፡ ሬሳ ሓሙሽተ ፍልስጤማውያን ካብቲ ካፈ ከውጽኡ እንከለዉ፡ ብዙሓት በቲ መጥቃዕቲ ዝቘሰሉ ድማ፡ ኣብ ከተማ ቓዛ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣልኣህሊ ከም ዝተወሰዱ ይንገር።

ብሰኑይ ኣብ ካፈ ኣልባቓ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 20 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብሰኑይ ኣብ ካፈ ኣልባቓ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 20 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንምግባር ኣብ ዝካየዱ ዘለዉ ጻዕርታት ከድህብ ጸቕጢ ኣብ ዝሓየለሉ እዋን እዩ፡ እዚ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ዘሎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ነታንያሁ ምስ ሓማስ ንምዝታይ "ሕጂ" (ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም) ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሓማስ ኣቐዲሙ፡ ኣብ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንኽብጻሕ ኣሸማገልቲ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣሐይሎም ይቕፅሉ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ እንተዀነ ምስ እስራኤል ዝካየድ ዘተ ደው ከም ዝበለ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ንኽልተ ኣዋርሕ ዝዘለቐ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል፡ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት እስራኤል ኣብ ቓዛ ሓድሽ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምጅማራ ከም ዝፈረሰ ይፍለጥ።

እቲ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ሰለስተ ምዕራፋት ዝነበሮ'ኳ እንተዀነ፡ እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ምሕላፍ'ውን እንከይተኽኣለ እዩ ፈሪሱ።

ነዚ ስዒቡ እስራኤል ናብ ቓዛ ሰብኣዊ ረድኤት ከይሓልፍ ምሉእ ዕጽዋ ብምግባር፡ ጥሜት ከጋጥም ከም ዝኽእል ካብ ዓለማውያን ዘይሻራውያን ትካላትን መሻርኽቲ ኣመሪካን መጠንቀቕታን ቍጠዐን ብምፍጣሩ ድሕሪ 11 መዓልታት ብመጠኑ ኣፍኲሳቶ እያ።

ንቓዛ ረድኤት ከከፋፍል ዝተመደበ ብኣመሪካን እስራኤልን ዝድገፍ ኣካታዓይ ጕጅለ ረድኤት 'ቓዛ ሂውማኒተርያን ፋውንዴሽን' ድማ ስርሑ ጀሚሩ።

እንተዀነ፡ እዚ ትካል ረድኤት ስራሕ ምክፍፋል ካብ ዝጅምር፡ መዓልታዊ ብዙሓት ፍልስጤማውያን ግዳያት መጥቃዕቲ ሰራዊት እስራኤል ኰይኖም ይቕፅሉ ኣለዉ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ንግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ንምድሓን ይነጥፉ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ንግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ንምድሓን ይነጥፉ ኣለዉ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብኻልእ ዜና ሰራዊት እስራኤል፡ ሰላማውያን ሰባት ካብቲ ብእስራኤልን ኣመሪካን ዝድገፍ ጕጅለ ረድኤት 'ቓዛ ሂውማኒተርያን ፋውንዴሽን' ረድኤት ኣብ ዝወስዱሉ "ከም ዝተጠቕዑ" ንዝገልጹ ጸብጻባት ይምርምሮ ከም ዘሎ ገሊጹ። ኣብ ከባቢ ነቝጣታት ረድኤት ቓዛ ኣማኢት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐተሉ ይፍለጥ።

እስራኤል ኣብ ቓዛ ንሰለስተ ወርሒ ድሕሪ ዘንበረቶ ዕጽዋ፡ ትካል ሰብኣዊ ረዲኤት ቓዛ ኣብ ዝሓለፈ ግንበት ንጥፈታት ረድኤት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ መዓልታዊ ቅተለት ሰለማውያን ሰባት ይቕጽል ከም ዘሎ ካብ ዶካትር፡ መሰኻኽር ዓይንን ብሓማስ ዝምራሕ ምኒስትሪር ጥዕናን ዝወጹ ሓበሬታታት የመልክቱ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ልዕሊ 400 ፍልስጤማውያን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምርካብ ኣብ ዝፍትኑሉ፡ ብሰራዊት እስራኤል ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ እዩ።

ሰራዊት እስራኤል፡ ካብ ዝተገብሩ ግድፈታት "ከም ዝተምሃሩን" ንሓይልታቱ መምርሒታት ከም ዘውረደን ገሊጹ። እቶም ዝገበሮም ግድፈታት ግን እንታይ ምዃኖም ኣየነጸረን።

ንታይምስ ኦፍ እስራኤል ሓዊሱ ብዙሓት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ገለ ፍልስጤማውያን ረድኤት ክወስዱ ከም ዝተቐተሉ ምእማኑ፡ ብሰኑይ ኣቃሊሐን። ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ግና ብሓማስ ዝተገለጸ ኣሃዝ ግዳያት ልክዕ ከምዘይኰነ ሓቢሩ።

ቢቢሲ ኣብዚ ጕዳይ ንሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ተወኪሱ፤ እቲ ሰራዊት ነቶም ጉድኣት ከም ዘጋጠመ ንዝገለጹ ጸብጻባት ይምርምር ከም ዘሎን፣ ዝዀነ ንውሽጣዊ ወተሃደራዊ ሕጊን ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ዝጥሕስ ዘይሕጋዊ ተግባር ከም ዝምርምሮን ከከም ኣድላይነቱ ስጕምቲ ከም ዝወስድን፡ ምላሽ ሂቡ።

ይዅን'ምበር፡ ብዛዕባ እቶም ብሰኑይ ብማዕከናት ዜና እስራኤል ዝተዘርግሑ ጸብጻባት፡ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ።