ቓዛ፡ ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ እስራኤል ዘስዐቦ ፍልሰት

ፍልስጤማውያን ኣብ ከባቢ ዛይቶን ከተማ ቓዛ ይጓዓዙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከባቢ ዛይቶን ከተማ ቓዛ ዝመዛበሉ ዘለዉ ፍልስጤማውያን

እስራኤል ኣብ ምድረበዳ ቓዛ ማዕበል መጥቃዕቲ ኣየር ብምክያዳ፡ ኣማኢት ፍልስጤማውያን ስድራቤታት ጃምላዊ ምምዝባል ከምዘበገሰ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።

ጉጅለታት ህይወት ኣድሕን ሬሳ ሓሙሽተ ሰባት ክረኽቡ እንከለዉ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዝተጎድኡ ሲቪላት ናብ ከተማ ቓዛ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣል-ኣህሊ ከምዝተወስዱ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እዚ ደብዳብ ቦምባታት ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት እቲ መጥቃዕቲ ዳግማይ ካብ ዝጅምር ንደሓር ካብ ዝተውሃቡ ዓበይቲ ትእዛዛት ምውፃእ ስዒቡ እዩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ኣብ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ንዝግበር ጻዕርታት ከተኩር ጸቕጢ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

ነበርቲ ከተማ ቓዛ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ መጥቃዕትታት ኣየር እስራኤል ንሹጃያ፣ ቱፋህን ዘይቱን ሓዊሱ ጽዑቕ ህዝቢ ዘለዎም ምብራቓዊ ከባቢታት ዒላማ ከምዝገበረ ገሊጾም።

ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝለጠፍዎ ምስልታት፡ ሃልሃልታን ናብ ሰማይ ዝድይብ ትኪን የርእይ።

ሓደ ካብቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘይቶን ንዝተመዛበሉ ስድራቤታት ከዕቁብ ዝጸንሐ ቤት ትምህርቲ ከምዘጋጠመ ይግለጽ።

እቶም ሓሙሽተ ግዳይ ዝዀኑሉ ኣብ ምዕራብ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣል ሻቲ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዘጋጠመ እዩ ተባሂሉ።

ሰባት ትማሊ ሰንበት ካብ ከባቢ ከተማ ቓዛ ክውጽኡ ውዒሎም

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ምቍራጽ ተዅሲ ክግብር ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን፡ እስራኤል ፍልስጤማውያን ካብ ሰሜን ቓዛ ክወጽኡ ድሕሪ ምእዛዛ እዩ፡እዚ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዘሎ።

ኣብ ከባቢ ከተማ ቓዛን ጃባልያን ዝነብሩ ሰባት፡ ናብ ደቡብ ከባቢ ኣል ማዋሲ ክግዕዙ ብሰራዊት እስራኤል ተሓቢርዎም ነይሩ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ስርሒት ከካይድ ምዃኑ'ዩ ሓቢሩ።

ክሳብ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝነበረ 24 ሰዓታት፡ ሰራዊት እስራኤል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 86 ሰባት ከምዝተቐተሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

ካብቶም ዝሞቱ ሰለስተ ቈልዑ ከምዝርከብዎምን እቲ ደብዳብ ኣብቲ 'ውሑስ ቦታ'ዩ' ዝተበሃለ ኣል ማዋሲ ከምዝትፈጸመን ስድራ እቶም ዝሞቱ ህጻናት ሓቢሮም።

ትራምፕ፡ ኣብ ቓዛ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ክግበርን እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ክምለሱን'ዩ ኣጥቢቑ ዝጽውዕ ዘሎ።

ትራምፕ ብቀዳም ኣብቲ ባዕሉ ዝውንኖ ትሩዝ ዝተሰመየ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ፡ ብዛዕባ እቲ ውዕል ምስ ሓማስ "ሕጂ ይዘራረብ ኣሎ" ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ወሃቢ ቃል ምኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ኣቪቻይ ኣድራኤ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜን ቓዛ ዘካይዶ ስርሒት "ንግብረሽበራውያንን ዝጥቀምሎም ትሕተ ቅርጽን" ንምዕናው ዝዓለመ ከምዝዀነ ገሊጹ።

ነበርትን ሓካይምን እቲ ከባቢ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ደብዳብ እስራኤል ኣብ ቓዛ፡ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣዝዩ ጽዒቑ ከምዝነበረን ሓያለ ኣባይቲ ከምዘዕነወን መስኪሮም።

ሰንበት ጥራይ ብውሕዱ 23 ሰባት ከምዝተቐተሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

ሓካይም፡ ኣብ ኣል መዋሲ - ከባቢ ከተማ ካሃን ዮኒስ - ኣብ ዝርከብ መጽለሊ ስደተኛታት፡ እስራኤል ብዝፈጸመቶ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ቴንዳ ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ገሊጾም።

እቶም ዝተቐተሉ ብእስራኤል እቲ ቦታ ውሑስ'ዩ ተባሂሎም ኣብቲ ቦታ ከምዝነበሩ'ውን እቶም ሓካይም ኣብሪሆም።

እዚ እስራኤል ተካይዶ ዘላ ጽዑቕ ደብዳባት፡ ሸምገልቲ ኣካላት ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ኲናት መኸተምታ ብምግባር እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ንምፍታሕ ጻዕርታት ኣብ ዝገብሩሉ ዘለዉ'ዩ ዝፍጸም ዘሎ።

ብሓሙስ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሓማስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መንጐኛታት ኣብ ቓዛ ሓድሽ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲን ምፍታሕ ጅሆታትን ንምግባር ጻዕርታቶም ኣሐይሎም'ኳ እንተሃለዉ፡ ምስ እስራኤል ዝካየድ ዘተ ግን ደው ኢሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ቐጠራውያን ኣዛተይቲ ኣመሪካ እትገብሮ ጸቕጢ እቲ ጻዕሪ ዕዉት ንክኸውን ሓጋዚ ከምዝኸውን ሓቢሮም።

ኣመሪካ ከምቲ ኣብ መንጎ ኢራንን እስራኤልን ኣብ ሓጺር እዋን ነቲ ን12 መዓልታት ዝተኻየደ ኲናት ደው ዘበለቶ፡ ነዚ ናይ እስራኤልን ሓማስን'ውን ደው ከተብሎ ተስፋ ከምዘለዎም እቶም ቐጠራውያን ኣዛተይቲ ተስፋኦም ገሊጾም።

ትራምፕ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ'ዩ።

ንክልተ ኣዋርሕ ተበጺሑ ዝነበረ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ሓድሽ ደብዳብ ምስ ጀመረት ኣብ መጋቢት ከምዝፈረሰ ዝዝከር ኰይኑ፡ እስራኤል፡ ነቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ነጻ ንምውጻእ ኢላ ከምዝገበረቶ'ያ ገሊጻ።

ዕጡቓት ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣስታት 1200 ሰባት ቀቲሎም 251 ሰባት ጅሆ ሒዞም ምስ ከዱ'ያ ኣብ ልዕሊ ሓማስ መጥቃዕቲ ከተካይድ ጀሚራ።

ክሳብ ሕጂ ከኣ 65 ሽሕ 500 ሰባት ኣብ ቓዛ ከምዝተቐተሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።