መራሒ ቻይናን ጆ ባይደን ኣብ ናይ መወዳእታ ርክቦም፡ እንታይ ተዘራሪቦም?

መራሒ ቻይና ሺ ጂንፒንግ ምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መራሒ ቻይና ሺ ጂንፒንግ ምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዝገብሮ ናይ መወዳእታ ርክብ፡ ናብ መንበር ዘምርሕ ዘሎ ምሩፅ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣልዒሎም፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ 'ንሕንሕ' ናብ ኲናት ከየምርሕ ተማሕፂኖም።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ጐድና ጐድኒ እቲ ኣብ ፔሩ ዝካየድ ዘሎ ዓመታዊ ዋዕላ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ኤስያን ፓሲፊክን (Apec)፡ ትማሊ ቀዳም ተራኺቦም እዮም ዘትዮም።

እቶም መራሕቲ፡ ብፍላይ ኣብ ከም ንግድን ዛዕባ ታይዋንን [ንርእሳ ካብ ቻይና ናፅነታ ዝኣወጀት ዓዲ] ዝኣመሰሉ ጉዳያት ተፈጢሩ ዝነበረ ወጥሪ ኣብ ምዝሕሓል ፅቡቕ ስራሕ ከምዝሰርሑ ኣጉሊሖም።

ትራምፕ፡ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ናብ ስልጣን ምስ ተመልሰ ዝምድና ኣመሪካን ቻይናን ዝያዳ ክለዋወጥ ከምዝኽእል ተንተንቲ ይገልጹ።

እቲ ምሩፅ-ፕረዚደንት፡ ኣብ ኩሉ ካብ ቻይና ዝኣቱ ኣቑሑት 60 ሚኢታዊት ቀረጽ ከኽፍል ተሓንዩ ኣሎ።

ብተወሳኺ ብኣንፃር-ቻይና ቅዋሞም ኣዝዮም ዝፍለጡ ፖለቲከኛታት ኣብ ላዕለዎት ጽፍሕታት ወጻእን ምክልኻልን መዚዙ ኣሎ።

ትራምፕ ኣብ'ቲ ቀዳማይ ዘበነ-ስልጣኑ፡ ንቻይና "ስትራተጂካዊት ተወዳዳሪት" ክብል ገሊጽዋ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ "ቫይረስ ቻይና" ኢሉ ምስ ሰመዮ፡ ዝምድናታት እተን ሃገራት ኣዝዩ ሓርፊፉ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚደንት ቻይና ካብቲ ዝዓረፈሉ ሆቴሉ ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቤጂንግ ምስ ዋሽንግተን ርጉእ ዝምድና ንምፍጣር ዝሓዞ ቅዋም ከምዘይቅየር ገሊጹ።

"ቻይና ምስ ሓድሽ ምምሕዳር ኣመሪካ ርክብ ንምዕቃብ፣ ምትሕብባር ንምስፋሕን ፍልልያት ንምፅባብን ድልውቲ እያ" ኢሉ ሺ።

ባይደን ብወገኑ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሓያላት-ዓለም ዝካየድ ‘ስትራተጂካዊ ውድድር’ ናብ ግጭት ክዓቢ የብሉን ኢሎም።

"ክልቲአን ሃገራት ካብዚ ውድድር ዝኾነ ይኹን ናብ ኲናት ዘምርሕ ነገር ክፈቕዳ የብለንን። እዚ ናህና ሓላፍነትና'ዩ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ድማ እዚ ከምዝከኣል ዘረጋገጽና እመስለኒ" ኢሉ።

ጆ ባይደን ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ ቻይና ኣብ ዝነበሮ ዝምድናታት ገለ ወጥርታት ተራእዩ ነይሩ እዩ።

እዚ ድማ ብፍላይ ምስቲ ኣብ ሰማያት ኣመሪካ ዝተራእየ 'ሰላዪ ባሎን'፡ ከምኡ'ውን፡ ኣብ ታይዋን ብዑደት ላዕለዋይቲ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ዝተበገሰ፡ ምርኢት ወተሃደራዊ ሓይሊ ቻይና ዝተልዓለ እዩ።

ቻይና፡ ጉዳይ'ታ ርእሳ ክኢላ እተመሓድር ደሴት-ታይዋን 'ቀይሕ መስመር' እዩ ትብል።

እንተኾነ ምምሕዳር ባይደን፡ ድሕሪ ቀዳማይ ዘበነ-ስልጣን ትራምፕ፡ ምስ ቤጂንግ ዝነበረ ንሕንሕ "ብሓላፍነት ንምእላይ" ዝዓለመ ከምዝነበረ ይዝረብ።

ቤጂንግ ብዛዕባ ምሩፅ-ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ዘይተገማቲ ብምዃኑ፡ ዝያዳ ክትጭነቕ ተኽእሎ ከምዘሎ ተንተንቲ ይገልጹ።

ዳይረክተር ፕሮግራም ኢንዶ-ፓሲፊክ ጀርመናዊ ማርሻል ፈንድ፡ ቦኒ ግላሰር፡ መራሕቲ ቻይና ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ንምድርዳር ክፍትኑ ምዃኖም ትግምት።

"እንተዀነ ግን፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዝለዓለ ቀረጽ ከኽፍሉ እንተጀሚሩ ሕነ ክፈድዩ ድሉዋት እዮም" ኢላ።

ባይደን ብሰንበት ምስ ሺ፡ ወትሩ ዘይምርድዳእ ከምዝነበረ እኳ እንተኣመነ፡ ኣብ መንጎኡን መራሒ ቻይናን ዝተኻየደ ዘተ "ግልጺ"ን "ካብ ልብ ዝነቐለ"ን ከምዝነበረ ወሲኹ ገሊጹ።

እቶም መራሕቲ፡ ባይደን ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝፀንሐሉ እዋን፡ ሰለስተ ግዜ ፊት-ንፊት [ብኣካል] ተራኺቦም ዘትዮም እዮም።

ከምኡ ዀይኑ'ውን፡ ጆ ባይደን ኣብ ዘመነ ትራምፕ ዝተነበረ ቀረጽ ቀፂልሉ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ልዕሊ ኤሌክትሪክ መካይን፣ ሶላር ፓነላትን ሓጺንን ዒላማ ዝገበረ ቀረጽ ኣንቢሩ።

ኣብቲ ዞባ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ፅልዋ ቻይና ንምምካት ኣብ መላእ ኤስያን ፓስፊክን ዝጸንሐ ምሕዝነት ምክልኻል እውን ኣጠናኺሩ እዩ።

እቲ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ፕረዚደንት፡ ታይዋን ብቻይና እንተተወሪራ ኣመሪካ ክትከላኸለላ ምዃና'ውን ብትሪ ተዛሪቡ ምንባሩ ይዝከር።