ቻይና ድሕሪ 40 ዓመታት ዘካየደቶ ፈተነ ባሊስቲክ-ሚሳይል ስለምንታይ የዘራርብ 'ሎ?

ኣይ-ሲ-ቢ-ኤም ቻይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቻይና ዕዉት ፈተነ ኣህጉር-ሰገር ባሊስቲክ ሚሳይል (ICBM) ከምዘካየደት ኣፍሊጣ።

እቲ ሎሚ ወጋሕታ ናብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝተወንጨፈ ናይ ነዊሕ-ርሕቀት ኣጽዋር፡ ናይ ሓሶት ዓረር ዝዓጠቐ ምንባሩ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም ኣለዉ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ቻይና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዝተተኮሰ ሚሳይል "ናብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ቦታታት" ከምዝሃረመን ኣካል ናይቲ "ዓመታዊ ዝካየድ ንቡር ልምምድ ፈተነ" ምዃኑን ሓቢሩ።

እቲ ኣህጉር-ሰገር ሚሳይል ኑክሌራዊ ዓረር ክዓጥቕ ዝኽእል ምዃኑ'ዩ ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ ዘሎ።

ዓይነት ናይቲ ሚሳይል ይኹን ዝተጓዕዘሉ ኣንፈት ብንጹር'ኳ እንተዘይተገልጸ፡ "ዝምልከተን ሃገራት ኣቐዲሙ ሓበሬታ ከምዝተዋህበን" መንግስታዊ ማዕከን ዜና ቻይና ጠቒሱ።

ጃፓን ግን ብዛዕባ'ቲ ፈተነ ዝተዋህበ "ሓበሬታ የለን" ክትብል ኣሉታዊ ምላሽ ሂባትሉ ኣላ።

መብዛሕትኡ ግዜ ቻይና ኣብ ውሽጢ መሬታ'ያ ፈተነ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ተካይድ። ቅድሚ ሕጂ ዘካየደቶ ፈተነታት ኣህጉር-ሰገር ሚሳይላት ኣብቲ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ሺንዢያንግ ዝርከብ ምድረበዳ ታክላማካን'ያ ፈጺማቶ።

ድሕሪ 1980 ንፈለማ እዋን ናብ ዓለምለኻዊ ማያት ኣይ-ሲ-ቢ-ኤም ከምዝወንጨፈት ድማ'ዩ ዝእመን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ትካል ዓለምለኻዊ ሰላም ካርነጅ ኢንዶውመንት ክኢላ ኑክሌራዊ ዓጽዋር ዝኾነ ኣንኪት ፓንዳ፡ "ዘይፈለጥክዎ እንተይልዩ፡ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ንፈለማ ግዜ ብወግዒ ዝተገልጸ ፈተነ ምዃኑ ጥራይ'ዩዩ ዝመስለኒ" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

በዢንግ፡ "ከምዚ ዓይነት ነገር ብተደጋጋሚ ወይ ዓመታዊ ዘይካየድ እንከሎ፡ እቲ ፈተነ 'ልሙድ' ከምኡ'ውን 'ዓመታዊ' ብዝብሉ ቃላት ምግላጻ'ውን ዘይንቡር'ዩ" ክብል ትዕዝብቱ ኣካፊሉ።

መንግስቲ ጃፓን ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣቐዲሙ ዝተዋህባ መጠንቀቕታ ወይ ሓበሬታ ከምዘይነበረ ኣነጺሩ'ሎ።

"በወገን ቻይና ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ሓበሬታ ኣይነበረን" ክብል ኣፈኛ መንግስቲ ጃፓን ዮሺማሳ ሃያሺ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ጃፓን ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ኣብ ልዕሊ መራኽቡ ዝወረደ ዝኾነ ጉድኣት ከምዘየለ ሓቢሩ ነይሩ።

"ንምንቅስቓስ ሰራዊት ቻይና ዝምልከት ሓበሬታ ምእካብን ምትንታንን ክንቅጽል ኢና። ንድልውነትና ዘድሊ ቅድመ-ጥንቃቐታትን ምክትታልን ክንገብር ኢና" ከምዝበለ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኤን-ኤች-ከይ ሓቢሩ።

ኣብ 1980 ቻይና ዘካየደቶ ተመሳሳሊ ፈተነ፡ እቲ ዝተተኮሰ ኣይ-ሲ-ቢ-ኤም ልዕሊ 9000 ኪሜ በሪሩ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ'ዩ ዓሊቡ። እቲ ናይ ሽዑ ፈተነ፡ 18 መራኽብ ኲናት ዘሳተፈ ኮይኑ፡ ክሳብ ሎሚ እቲ ዝዓበየ ስርሒት ሓይሊ ባሕሪ ቻይና ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ ኣብ ሲንጋፖር ዝርከብ ትካል ህዝባዊ ፖሊሲ ከም ዕዱም-ተመራማሪ ኰይኑ ዝሰርሕ ድሪው ቶምሰን ነቲ ሓድሽ ፈተነ "እዋናውነት ኩሉ ነገር'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።

"መግለጺ [ቻይና]፡ ንዝኾነት ሃገር ዒላማ ዝገበረ ከምዘይኮነ'ዩ ክንፅር ዝፍትን፡ ግና ኣብ መንጎ ቻይና፡ ጃፓንን ፊሊፒንስን ልዑል ወጥሪ'ዩ ዘሎ፡ ምስ ታይዋን'ውን ዘየቋርጽ ወጥሪ ኣለዋ"።

"እቲ ፈተነ ንኹሉ መፈራርሒ ዝኸውን ምልክት እዩ" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ወተሃደራዊ ተንታኒ ጆን ሪጅ ብወገኑ፡ ቻይና "ንኣመሪካ ንምፍታን ወይ ምልክት ንምሃብ" ዘካየደቶ ክኸውን ከምዝኽእል ይእምት።

ዋላ'ኳ ኣብ ሞንጎ ዋሽንግተንን በዢንግን ዝጸንሐ ሓርፋፍ ዝምድና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምምሕያሽ ከምዘርኣየ ዝግለጽ እንተኾነ፡ ቻይና ኣብቲ ዞባ ተርእዮ ዘላ ምንቅስቓስ ቀላጽም ግን ንክልቲአን ሃገራት ዘሰሓሕብ ጉዳይ'ዩ።

ባሕሪ ደቡብ ቻይና ዘንቀሎ ናብ ረጽሚ መራኽብ ኲናት ዝዓረገ ሕዱር ውጥጥ ፊሊፒንስን ቻይናን ሓደ ካብቲ ኣብቲ ዞባ ጸጥታዊ ስክፍታታት ፈጢሩ ዘሎ ምዃኑ ይፍለጥ።

ጃፓን ብወገና፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነፈርቲ ውግእ ቻይና ንክሊ ኣየራ ከምዝጠሓስኦ ብምግላጽ፡ ነፈርታ ከተዋፍር ከምዝተገደደት ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሩስያ 'ሰፊሕ' ኒዩክለራዊ መጥቃዕቲ ናይ ምፍጻም ዓቕማ ንምፍታን ልምምድ ኑክሌራዊ ኣፅዋር ከምዘካየደት ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።

እቲ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ "ንናይ ጸላኢ ኒዩክለራዊ መጥቃዕቲ ምላሽ" ምሃብ ዘጠቓለለ ምዃኑ ሚኒስተር ምክልኻል ሰርጌይ ሾይጉ ተዛሪቡ ነይሩ።

ብሪጣንያ ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ ዘካየደቶ ፈተነ 'ትራይደንት' ዝተባህለ ኑክሌር ዝዓጥቕ ሚሳይል ከምዝፈሸለ ይግለጽ። ኣብ 2016'ውን ተመሳሳሊ ፍሽለት ኣጋጢምዋ ነይሩ'ዩ።

ሰሜን ኮርያ እተካይዶም ፈተነታት ዓበይቲ ሚሳይላት ዓለምለኻዊ፡ ከምኡ'ውን ዞባዊ ስግኣታት ኣስዒቦም እዮም።

ኣመሪካ ብወገና፡ ንተኽእሎታት መጥቃዕቲ ንምግታእ ምዕቡላት ሚሳይላት ምክልኻል ናብ ጀርመንን ብሪጣንያን ንምስዳድ ክትደናደን ምጽንሓ ይፍለጥ።