ሰሜን ኮርያ ሳተላይት ስለያ ናብ ጠፈር ከምዝወንጨፈት ገሊጻ

ሳተላይት

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሰሜን ኮርያ ናይ ስለያ ምዃኑ ዝገለጸቶ ሳተላይት ከም ዘወንጨፈት ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ሓቢሩ። ቅድሚ ሕጂ ክልተ ፍሹል ተፈነ ገይራ ከም ዝነበረት ይዝከር።

ጃፓን ኣብ ደቡብ ዝርከቡ ነበርቲ ኦኪናዋ ቅድሚ እቲ ተኽእሎታት ነበርቲ ኣብ ውሑስ ቦታ ክኽወሉ ኣተሓሳሲባ ነይራ።

ሰሜን ኮርያ ነቲ ሳተላይት ከይትውንጭፍ “ብትሪ ንምምሕጻን" ምስ ደቡብ ኮርያን ኣመሪካን ብምትሕብባር ክትሰርሕ ምዃና ጃፓን ገሊጻ ነይራ።

እተን ሃገራት እዚ ንስምምዓት ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ እዩ ይብላ።

ሓለዋ ባሕሪ ጃፓን፡ ሰሜን ኮርያ ካብታ ሳተላይት ዝጸዓነት ሮኬት ዝወጽእ ፍንጫላት ዝወደቐሎም ከባቢታት ምዃኖም ዝእመነሎም ሰለስተ ከባቢታት ባሕሪ ከም ዝፈለየት ገሊጹ።

እቶም ክልተ ንምዕራብ ደሴት ኮርያ፡ እቲ ሓደ ድማ ካብ ፊሊፒንስ ደሴት ሉዞን ንምብራቕ ይርከብ።

ዋና ዳይሬክተር ስርሒታት ደቡብ ኮርያ ካንግ ሆ-ፒል፡ ሰሜን ኮርያ ምውንጫፍ እንተቐጺላ ሶል “ኣድላዪ ስጉምትታት” ክትወስድ ምዃና ኣጠንቂቑ።

ሰላዪት ሳተላይት መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ንዝመጽእ መጥቃዕቲ ክከታተልን ናቱ ብልክዕ ክውጥንን ስለ እተኽእሎ ኣገዳሲት ነገር እያ።

ይኹን’ምበር ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ፒዮንግያንግ ቴክኖሎጂ ሚሳይል ንምፍታን ከም መመኽነይታ ትጥቀመሉ’ያ ብዝብል ስለ ዝርእዮ፡ ሳተላይት ከይተወንጭፍ ኣጊድዋ ኣሎ።

ደቡብ ኮርያ ኣብ ወርሒ ግንቦት ፍንጭልጫል ናይቲ ሰሜን ኮርያ ንፈለማ እዋን ዘወንጨፈቶ ሳተላይት ረኺባ ነይራ፤ እታ ሳተላይት ግን “ወተሃደራዊ ረብሓ ከም ዘይብላ” ገሊጻ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዘካየደቶ ካልኣይ ፈተነ ድሕሪ ምፍሻሉ ድማ፡ ትካል ህዋ ፒዮንግያንግ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዳግማይ ክፍትን ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ክሳብ ሕጂ ፈተነ ከይገበረ'ዩ ጸኒሑ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ወርሒ መስከረም ምስ ኣቦመንበር ኪም ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ፡ ሞስኮ ንፒዮንግያንግ ሳተላይት ክትሰርሕ ክትሕግዛ ከም እትኽእል ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

እንተዀነ ዝርዝር እቲ ዝኣተወሉ ቃል ንጹር ኣይኰነን።

ደቡብ ኮርያ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ናይ ገዛእ ርእሳ ሰላዪት ሳተላይት ከተወንጭፍ መደብ ከም ዘለዋ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣፍሊጣ ነይራ።

እታ ሳተላይት ድማ ካብ ኣሜሪካዊ ኩባንያ ስፔስኤክስ ዝመጽአት ሮኬት ክትስከማ እያ።

ሶል ክሳብ 2025 ናብ ህዋ ከተወንጭፈን ካብ ሞንጐ ዝሓሰበተን ሓሙሽተ ሰለይቲ ሳተላይታት እዚኣ እታ ሓንቲ ምዃና ድማ ይግለጽ።